ቀይሕ ባሕሪ፡ ከቢድ ዕንወት ከየስዕብ ኣስጊኡ ዝጸንሐ ነዳዲ ንምእላይ መርከብ ተዓዲጋ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ’ታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነዳዲ ጽዒና ከተንሳፍፍ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ ክኽሰት ዝኽእል ከቢድ ከባቢያዊ ዕንወት ንምክልኻል እተኽእል፡ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ዓዲጉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በራሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝኸዘነት መርከብ፡ ንዓመታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከተንሳፍፍ እያ ጸኒሓ።

ኣብ 2020 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ስነህይወታዊ ብዙሕነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኤርትራ ኣቶ ተስፋይ ገረብስላሰ፡ እታ መርከብ ኣብ ልዕሊ ማሕድሮ ስነሂወት ባሕሪን ቁጠባን ዓቢ ዕንወት ከየውረደት ህጹጽ ኣቓልቦ ክግበረላ ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ እታ መርከብ ክትስበር ወይ ክትፍንጀር ትኽእል'ያ ስለዝተባህለ ኸኣ፡ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ክወርድ ዝኽእልል ተራእዩ ዘይፈልጥ ከባብያዊ ዕንወት ስግኣቱ እናዓረገ መጺኡ።

ብመሰረት’ቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪታት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብታ መርከብ ተኸዚኑ ዘሎ ነዳዲ ንኸተግዕዝ ናብቲ ከባቢ እተቕንዕ መርከብ ከም ዝዓደገ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ’ሎ።

"ዕድጊ እዛ ሓዳስ መርከብ... ጀማሪ ምዕራፍ ናይቲ ነዳዲ ብዘይ ስግኣት ንምእላይን፡ ከባብያውን ሰብኣውን ሓደጋ ንምውጋድን ዘኽእል ስርሒት’ዩ" ክብል ኣኪም ስተይነር ካብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ ዩኤንዲፒ፡ እታ መርከብ፡ ‘ዩሮናቭ’ ካብ ዝተባህለ ዓቢ ኩባንያ ታንከራት ዝተዓደገት ኰይና፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ቻይና ስሩዕ ጽገና ትገብር ኣላ፤ ኣብ መጀመርታ ግንቦት ድማ ስርሓ ንምጅማር ኣብቲ ቦታ ክትበጽሕን እያ።

ኤርትራ፡ እቲ ኣብታ ተንሳፋፊት መኽዘን ነዳዲ ዝዀነት መርከብ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ባሕሪ ክልሑኽ ይኽእል'ዩ ብምባል ብወገና ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ።

መግለጺ ሕቡራት ሃገራት፡ “ምፍሳስ እዚ ነዳዲ፡ ነቲ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብምብካል፡ ማሕበረሰብ ገፈፍቲ ዓሳ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከዕኑን፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ህይወታውያን ክጥፍእን ከምዝኽእል ኣሻቒሉ ጸኒሑ እዩ።

“ኵሉ’ቲ ኣብ ከባቢ ገማግም ዝነብር ህዝቢ’ውን፡ ብሰንኪ ክስዕብ ዝኽእል ብከላ፡ ንናይ ህይወት ስግኣት ተቓሊዑ እዩ ጸኒሑ። እቲ ልዑል ብከላ ኣየር ህይወት ሚልዮናት ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ፡” ይብል።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ፡ እቲ ላሕኲ ነዳዲ እንተዘጋጥም ነይሩ፡ ነቲ ባሕሪ ንምጽራይ ክሳብ 20 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ክሓትት ይኽእል ከም ዝነበረ ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንዓመታት ፍታሕ ከናድን፡ ገንዘብ ንምውጻእ ንገበርቲ ሰናይ ክምሕጸንን ጸኒሑ እዩ።

እዚ ስርሒት’ዚ 129 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ከምዘድልዮ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ካብዚ እቲ 75 ሚልዮን ድሮ ተረኺቡ ዘሎ ገንዘብ እዩ። 20 ሚልዮን ከኣ መብጽዓ ተኣትዩሉ ዘሎ እዩ።

እዛ ስግኣት ፈጢራ ዘላ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2015 ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ የመን፡ ኣብ ከባቢ ወደብ ሑደይዳ ዝተሓድገት እያ። ካብ ሽዑ ድማ ዝዀነ ክንክን ኣይተገብረላን።

እታ መርከብ፡ ኣብ 1976፡ ከም ታንከር ነዳዲ ዝተሰርሐት ኰይና፡ ደሓር ግን ናብ ተንሳፋፊ መኽዘን ነዳዲ ማዕቢላ። ኣብዚ እዋን ድማ፡ ኣብቲ ተቓወምቲ ሓይልታት የመን - ሑቲ ዝቈጻጸርዎ ከባቢታት ጥቓ ነቝጣ ነዳዲ ራስ ዒሳ ኣልሒቓ ከም ዘላ ይፍለጥ።

እዛ 376 ሜትሮ ዝንውሓታ መርከብ፡ 1.14 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ሒዛ ከምዘላ እዩ ዝግመት።

ኣካላት እዛ ተንሳፋፊት መኽዘን ነዳዲ እናኣረገን እናንቈልቈለን እዩ ከመጽእ ጸኒሑ። ምኽንያቱ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2015 ዝተፈጥረ ኵነታት የመን፡ ሓይልታት ሑቲ ንዝበዝሕ ከባቢታት’ታ ሃገር ተቘጻጺሮም፡ ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይልታት ልፍንቲ ኸኣ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ደው ስለዝበለ እቲ ኵነታት ተሓላሊኹ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ እዛ መርከብ ኣመታ ዝገብርን ስሩዕ ጽገናታት ዘካይደላን ወገን ኣይረኸበትን።

እታ መርከብ ኣቓልቦ ምእንቲ ክትረክብን ግቡእ ጽገና ንኽግበረላን፡ ሚኒስተር ተስፋይ ኣብ ናይ ኒውዮርክ መግለጺኡ፡ “ዝምልከቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት የመን ንኽተሓባበሩ ንምትብባዕ ሓባራዊ መርገጺ ከም ዘድሊ፡” ብምጥቃስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ ነይሩ።

ቅልውላው የመን፡ ጠንቂ ሞት ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባትን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ልዕሊ 23 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲኤት ክዀኑ ኣቃሊዑ እዩ።

ኣኪም ስተይነር ኣብቲ ብሓሙስ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብዚ ጉዳይ ግልጺ ምዃን የድሊ እዩ- እዚ ዝካየድ ስርሒት ሓደገኛን ክፈሽል ዝኽእል’ውን እዩ፡” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ እኹል ምወላ እንተዘይተኣኪቡ’ውን እቲ ስርሒትን ደው ክብል ምዃኑ ኣጠንቂቝ።