እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ ዳግማይ ንዩክለሳዊ ዝርርብ ንምክያድ ምስ ዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ ተራኺባ
ዲፕሎማሰኛታት ኢራን ንዩክለሳዊ ዝርርብ ንምክያድ ምስ እንግሊዛውያን፡ ጀርመናውያን ፈረንሳውያንን መዘናታቶም ተራኺቦም።
ቴህራን ከምዚ ተበግሶ ትወስድ ዘላ፡ እስራኤል ኣብ ሰነ ኣብ ልዕሊ መደበራት ንዩክለር ኢራን መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንፈለማ እዋን እዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ን12 መዓልታት ዝቐጸለ ኲናት ዘበገሰ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ንብዙሓት ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን ብቦምባታት ብምድብዳባ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝቕጽል ዝነበረ ዝርርብ ሃንደበት ተቋሪጹ።
እተን ብE3 ዝፍለጣ ኣብቲ ዝርርብ ዝተሳተፋ ሰለስተ ሓይልታት ኤውሮጳ፡ እቲ ክሳዕ መወዳእታ ነሓሰ ዝካየድ ሓድሽ ስምምዕ ንዩክለር ምዕባለ እንተ ዘይኣርእዩ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዳግማይ እገዳ ከንብራ ምዃነን ኣጠንቂቐን ኣለዋ።
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዘም ጋሪባባዲ፡ "ዕቱብ፡ ግሉጽን ዝርዝርን" ዘተ ከም ዘካየዱን ምምኽኻር ክቕጽሉ ከም ዝተሰማምዑን ገሊጹ።
ጋሪባባዲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ እገዳ ምጅማር፡ "ምሉእ ብምሉእ ዘይሕጋዊ" እዩ ኢሉ ነይሩ።
ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ መደባት ንዩክለር ኢራን ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ፡ ኣብ 2015 ምስ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ሩስያን ጀርመንን ብዝተገብረ ስምምዕ ክለዓል ተገይሩ ነይሩ።
ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ትሰርሕ ከም ዘላ ዝገልጽ ክስታት ንዓመታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቴህራን ግን ወትሩ እያ ትነጽጎ።
ብመሰረት ውዕል እቲ ስምምዕ፡ ኢራን ንጥፈታታ ንዩክለር ክትድርትን ዓለምለኻውያን ተቘጻጸርቲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ክትፈቅድን ተሰማሚዓ።
ኣመሪካ ኣብ 2018፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብቲ ስምምዕ ከም ዝወጽአትን፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ቦምባ ንዘይምምዕባል ሒደት ስራሕ ጥራሕ ከም ዝገበረትን ገሊጻ። በቲ ኣብ ሓድሕደን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ድማ ኵሉ እገዳታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዳግማይ ተነቢሩ።
ኢራን ድማ ነቲ ዝተገብረላ እገዳታት እናጠሓሰት ሕነኣ ፈድያ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመንን ፈረንሳን፡ ኢራን ንመደባት ንዩክለር ክትድርት እንተ ዘይተሰማሚዓ፡ ዳግማይ ኣብ ልዕሊኣ ከቢድ እገዳ ክገብራ ምዃነን ኣፈራሪሐን፣ እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ድማ ኣብ ጥቅምቲ ተታሒዙ ኣሎ።
እቲ ዝርርብ ብዓርቢ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ዋና ዳይረክተር ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት፡ ኢራን ንንዩክለሳዊ መደባ ብዝምልከት ብደረጃ ቴክኒክ ዳግማይ ዝርርባት ክትጅምር ድልውቲ ምዃና ኣመልኪታ ምህላዋ ገሊጹ።
ራፋኤል ግሮሲ ብተወሳኺ፡ ኢራን ብዛዕባ መሳለጥያታታን ንጥፈታታን ግልጺ ክትከውን ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ።
"ንኢራን ብዛዕባ እቲ ክግበር ኣለዎ እትብሎ ጥንቃቐታት ክንሰምዓ ኣለና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባጋይ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገራት E3 ነቲ ዳግማይ ርክብ፡ "ቅድሚ ሕጂ ንዝነበራኦ ዘይሃናጺ ፖሊሲታት ንምኽሓስ፡" ክጥቀማሉ ከም ዘለወን ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ነቲ ኣብ ሰነ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብምድጋፍ፡ ን"ምጥሓስ ሕጊን መጥቃዕትን" ምኽኑይ ምግባረን ከሲሱ።
ኢራን ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፡ መርገጺኣን ተቓውሞኣን ብወግዒ ከተስምዕ ምዃና ሓቢሩ።
ኣብ ሰነ፡ ባይቶ ኢራን ምስ እስራኤልን ኣመሪካን ዝነበረ ወጥሪ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ በጽሐ፡ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ንዩክለሳዊ ተቘጻጻሪ ትካል ምትሕብባር ደው ኣቢሉዎ።
እስራኤል ብ13 ሰነ ኣብ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዳ፡ ቴህራን ድማ ብመጥቃዕትታት ሚሳይላትን ድሮናትን ምላሽ ሂባ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ሓንቲ ካብተን ቀረባ መሓዙት እስራኤል ዝዀነት ኣመሪካ፡ ንኢራን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ ዳግማይ ክትጅምር ናይ ክልተ ሰሙን ዕድል ሂባታ።
ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ብ20 ሰነ፡ ዲፕሎማሰኛታት ጀርመን፡ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ምስ ኢራን ብምርኻብ፡ እቲ ኲናት ካብቲ ዝነበሮ ንኸይዓርግ ዘተ ኣካይዶም።
ቀጺሉ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ሃገሩ ዳግማይ ምስ ወከልቲ E3 ክትራኸብ "ድልውቲ" ምዃና ገሊጹ።
ድሕሪ ዝርርብ ጀነቫ ግን ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ትካላት ንዩክለር ኢራን ናይ ገዛእ ርእሳ መጥቃዕቲ ፈጺማ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ ብ"ስርሒት መዶሻ ፍርቂ ለይቲ" ዝፍለጥ ስርሒት፡ ንንዩክለሳዊ ዓቕሚ ኢራን "ደምሲሱ" ኢሉ።
ኣብ ሰነ ዝተዘርግሐ ገምጋም ስለያ ኣመሪካ፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ንመደባት ንዩክለር እታ ሃገር ከም ዘዕነዎ፣ እንተዀነ፡ ብምሉእ ብምሉእ ዘይኰነ፡ ብኣዋርሕ ንድሕሪት ክመልሶ ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ።