እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤታማዦር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከምዘብቀዐ ገሊጹ
ኤታማዦር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብታ ሃገር ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዝበሃል ውዳበ ከምዘየለ ሓቢሩ።
እቲ ኤታማዦር፡ ፍሉይ ሓይልታት ክልል፡ ናብ ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ናይ ክልልን ናይ ፈዴራል ትካላት ጸጥታ ንምውዝዖም/ንምእታዎም፡ ኣብ ዝተታሕዘ ውጥን ዝተዓመ ስርሓት ንምግምጋም ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ምዝራቡ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ጸብጺበን።
በዚ ሕጂ ተወሲኑ ዘሎ ውሳነ፡ ብዘይካ ፖሊስ ኣብ ክልላት ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ብዕጥቅን ስልጠናን ዝተወደቡ ፍሉይ ሓይልታት ክልላት ህላወኦም ከብቅዕ እዩ ማለት እዩ።
ንሕጋውነቱን ኣወዳድባኡን ብዝምልከት ንነዊሕ ግዜ ሕቶ ክለዓለሎም ዝጸንሑ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ፈሪሶም፡ ብምዱብ ፖሊስ ክትክኡ ሓሳብ ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንቲ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ንፍሉይ ሓይልታት ክልላት ኣፍሪሱ ብሓድሽ መደብ ክውድቦ ከምዝደሊ ብወግዒ ምስ ገለጸ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክፈርስ የብሉን ብዝብል ህዝባዊ ተቓውሞ ክካየድ ቀንዩ ኣሎ።
ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሓይልታት ምክልኻልን ተቓወምትን፡ ኣብ መንጐ ፍሉይ ሓይልን ኣባላት ፋኖን ብዝተላዕለ ግጭት ሞት ሰባት ስዒቡ’ሎ።
ብዘይካ ክልል ኣምሓራ፡ ዝበዝሓ ናይታ ሃገር ክልላት ንዓመታት ዝወደበኦን ዘዕጠቓኦን ፍሉይ ሓይሊ ምስ ሰራዊት ፈደራልን ካልኦት ኣካላት ጸጥታን ንምውህሃዱ ከምእተዳለዋን ነቲ ውጥን ተግባራዊ ክገብራ ከምዝጀመራን ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር፡ ኤታማዦር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ጀነራላት ምክልኻልን ናይ ሰበስልጣ ፈደራል ፖሊስን ክልልን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ገምጋምን ዳግመ ምውዳብን ከምእተዛረበ ጸብጺበን።
እቲ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዝተወደበሉ ሕጋውነት ሕቶታት ከልዕል ምጽንሑን፡ ኣብ መንጐ ክልላት ዝፍጠር ጸገማት ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ዝንባለ ኣብተን ክልልት ስግኣት ስለዝፈጠረ፡ እቲ ዕጡቕ ፍሉይ ሓይሊ ፈሪሱ፡ ናብ ናብ ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ትካል ጸጥታ ክልልን ተወዚዑ ዳግም ክውደብ ከምዘድሊ እቲ ኤታማዦር ገሊጹ።
ስለዝዀነ “ካብ ሎሚ ጀሚሩ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዝበሃል ኣወዳድባ የለን” ብምባል ህላው ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከምዘብቀዐ ሓቢሩ።
በዚ ኣገባብ፡ ኣብ ክልላት ንዝህሉ ጉዳያት ጸጥታ፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ፖሊስ ፈደራልን ክልላትን ጥራሕ እዮም ክዓሙዎ። ድሕሪ ሕጂ ብሽም ክልላት “ተልእኾን ወፍርን ዝቕበል ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ” ድሕሪ ሕጂ ኣብታ ሃገር ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ዝበሃል ውዳበ ከምዘየለ፡ እቶም ኣባላት ኣብቲ ዝተመደቡዎ ክፍሊ ፍሉይ ስልጠና ተዋሂቡዎም ሓያል ሕብረ ብሄራዊ ትካላት ጸጥታ ከምዝሃንጹ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣረዲኡ።
እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዘቕረቦ ውጥን መሰረት፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ብምርጫኦም ናብ ሰራዊት ምክልኻል፡ ፈደራል ፖሊስን ናይ ክልል ፖሊስን ከኣትው ይኽእሉ፤ እቶም ድሌት ዘይብሎም ከኣ ናብ ዝመረጸዎ ሰላማዊ ህይወት ክምለሱ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።
ኣጀማምራን ውደባን ፍሉይ ሓይልታት
ኣብ ኢትዮጵያ ብ1998 ዓ.ም ኣብ ክልል ሶማል ንዝነበረ ደባይ ተዋጋኢ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ንምቍጽጻር እዩ ብደገፍ መንግስቲ ውዳበ ፍሉይ ሓይሊ ተጀሚሩ። ብድሕሪኡ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ነናይ ገዛእ ርእሰን ክልላት ክውድባ ጀሚረን። ከምኡ እናበሉ ከኣ ኣብ ካልኦት ክልላት ከይተረፈ ተመሳሳሊ ውዳበ ቀጺሉ።
እቲ ፍሉይ ሓይሊ ፈለማ ክቐውም እንከሎ፡ ብስም ፖሊሲ ዝቘመ ኰይኑ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ብምባል’ዩ ዝፍለጥ ነይሩ። እንተኾነ ኣወዳድባኦም ኮነ ዕጥቈም ምስ ምዱብ ሓይልታት ምክልኻል ዝወዳደር፡ ሓላፍነቶም ከኣ ካብ ተግባር ፖሊስ ዝተፈልየ ስለዝኾነ በብቕሩብ ስሞም ካብ ፖሊስ ናብ “ፍሉይ ሓይሊ” ተቐይሩ።
እቶም ፍሉያት ሓይልታት ክልላት፡ ንዕጡቓት ተቓወምትን ጕጅለታት ገበንን ንምግታእን ንምጥቃዕን እዮም ክሰርሑ ጸኒሖም።
ኣብ ርእሲኡ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኣብ ዘለወን ክልላት ኣብ ዝፍጠር ግጭት መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም እውን ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብታ ሃገር ብዕጥቂ ዝተወደቡ ፍሉያት ሓይልታት ክልላት ኣወዳድባኦም ኮነ ዕጥቈም ንነዊሕ ዓመታት ከሰሓሕብ ብምጽንሑ ብዝተፈለላዩ ወገናት ህጹጽ ናይ መአረምታ ስጕምቲ ክውሰድ ሓሳብ ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዳርጋ ኣብ ኵለን ክልላት ካብ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ወጻኢ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠናን ዕጥቅን ዝውንኑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ክውደቡ ጸኒሖም እዮም።