ላዕላዋይ መራሒ ኢራን፡ ኣመሪካ መጥቃዕቲ እንተ ፈጺማ ዞባዊ ኲናት ክለዓል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣመሪካ ኣብ ከባቢኣ ሓይላ ኣብ ተጠናኽረሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝግበር ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ዞባዊ ግጭት ከም ዘልዕል ኣጠንቂቑ።

"ኣመሪካውያን ኲናት እንተ ጀሚሮም፡ ኣብዚ ሎሚ ግዜ ዞባዊ ኲናት ከም ዝኸውን ክፈልጡ ኣለዎም፡" ክብል ንማዕከን ዜና ታስኒም ገሊጹ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኢራን ኣብ "ዕቱብ ዘተ" ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ናብ "ቅቡል" ነገር ክበጽሕ ዘለዎ ተስፋ ክገልጽ እንከሎ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ ቴህራን ብዛዕባ ውዕል ንዩክለሳዊ መደባት ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ከም እትኽእል "ርእሰ-ተኣማንነት" ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ትራምፕ፡ ኣብቲ ኢራን ኣብ ምምዕባል ንዩክለር ዘለዋ መደባት ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መንግስቲ 'ጨፍጫፍ' ብምግባራን ጣልቃ ክኣቱ ምዃኑ ኣፈራሪሑ።

"እቲ ዘሕዝን ግን፡ ንኣመሪኻ ከም መሻርኽቲ ዘተ ዝነበረና እምነት ኣጥፊእና ኢና፡" ዝበለ ዓባስ ኣራግቺ፡ ብመንገዲ ፈተውቲ ሃገራት ምስ ዋሽንግተን "ፍረ ዘለዎ" ዝርርብ ንምክያድ ይመቻቻእ ከም ዘሎ ግን ወሲኹ ይገልጽ።

ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ጸጥታ ኢራን ዓሊ ላሪጃኒ፡ ምስ ኣመሪካ ዘተ ንምክያድ ዝግበር ዘሎ ማዕቀፍ ይስጕም ከም ዘሎ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።

ኣመሪካ ከም ኣካል ኣብቲ ዞባ ተሐይሎ ዘላ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ነፈርቲ እትጽዕን ዩኤስኤስ ኣብርሃም ሊንከን ናብቲ ዞባ ከም ዝሰደደትን ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባሕሪ ዓረብ ትንቀሳቐስ ከም ዘላን ገሊጹ።

"[ትራምፕ] መራኽብ ከም ዘምጽአ ቀጻሊ ይዛረብ ኣሎ። ህዝቢ ኢራን ግን በዚ ነገራት'ዚ ኣይክፈርሕን እዩ፡" ክብል ዓሊ ኻመኒ ወሲኹ ገሊጹ።

ኢራን ብሰንበት ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳስን ቀንዲ መስመር ቀረብ ጸዓትን ዝዀነ መጻብቦ ሕርሙዝ ናይ ክልተ መዓልታት ቀጥታዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክትጅምር ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

እንተዀነ፡ ሮይተርስ ንሓደ ብዓል ስልጣን ኢራን ብምጥቃስ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከምዚ ዓይነት ልምምድ ንምክያድ ዝዀነ መደብ ከም ዘይብሉ ንዝገለጸላ ጠቒሳ።

ኣስታት ሓሙሻይ ኢድ ናይቲ ኣብ ዓለም ዝሽየጥ ነዳዲ በዚ ኣብ መንጎ ኢራንን ዖማንን ዝርከብ ኣስታት 33 ኪሎሜትር ስፍሓት ዘለዎ ዝጸበበ መስመር ማይ ይሓልፍ።

ኢራን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ ነቲ መጻብቦ ክትዓጽዎ ምዃና ኣፈራሪሓ እያ።

ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብቲ ጥቓ ሓይልታታ ዘለውዎ ከባቢታት ውሑስ ወይ ሞያዊ ዘይኰነ ነገር ከይትገብር ኣጠንቂቓ።

ኣራግቺ ድማ፡ "ሰራዊት ኣመሪካ፡ እቶም ሓያላት ዕጡቓት ሓይልታትና ኣብ መሬቶም ብኸመይ ናብ ዒላማ ልምምድ ክገብሩ ከም ዘለዎም ክነግር ይፍትን ኣሎ፡" ኢሉ።

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ኢራን ዝተሰምዑ ክልተ ፍንጀራታት ኣብታ ሃገር ስክፍታታት ክዓቢ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ደቡባዊ ወደባዊት ከተማ ባንዳር ዓባስ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ሓደ ሰብ ዝቐተለ 14 ሰባት ድማ ዘቝሰለ ፍንጀራ ዘጓነፈ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ላሕኲ ጋዝ ከም ዘጋጠመ ድማ ሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ ገሊጾም።

ማዕከን ዜና ታስኒም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብቲ ፍንጀራ ሓደ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ ሰውራ ዒላማ ከም ዝዀነ ዝተገልጸ ሓሶት ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ኣሕቫዝ ብኻልእ ፍንጀራ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት መይቶም። እቶም ሰበስልጣን ነቲ ፍጻመ'ውን ምስ ላሕኲ ጋዝ ኣተሓሒዞም ከም ዝገለጹዎ ቴህራን ታይምስ ገሊጻ።