ኢልሳልቫዶር፡ ኣብ ስታድዮም ብዘጋጠመ ምጽቕቓጥ ብውሕዱ 12 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢልሳልቫዶር ኣብ ስታድዮም ብዘጋጠመ ምጽቅቓጥ ብውሕዱ 12 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር ኣፍሊጦም።
እቲ ክስተት ኣብ ሞንጎ ኣልያንዛን ሳንታ ኣንና ዝብሃላ ክልተ ናይታ ሃገር ጋንታታት፡ ኩስካትላና ኣብ ዝብሃል ስታድዮም ንምግጣም ኣብ ዝዳለዋሉ ዝነበራ እዋን’ዩ ኣጋጢሙ።
ድሕቲ እቲ ክስተት፡ ጸወታ ናይተን ጋንታታት ከም ዝቋረጽ ተገይሩ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ናይብ ቡከለ እቲ ኣጋጣሚ ‘ትጽቢት ዘይተገበረሉ’ ከም ዝዀነ ብምሕባር ጠንቂ እቲ ሓደጋ ብደቂቕ ክምርመር ምዃኑ ሓቢሩ።
ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ መጀመርታ እቲ ሓደጋ፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዝዕድምኦም ዝዀነ ሸውዓተ ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝሞቱ ሓቢሩ ነይሩ።
ብዝሒ ዘለዎም ተዓዘብቲ ናብ ስታድዮም ንምእታው ኣብ ዝፈተንሉ ኩሉ መዓጹ እቲ ስታድዮም ምስ ተዓጸወ ብዝተፈጠረ ምጽቅቓጥ እቲ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ።
ሰብ መዚ ኮሚሽን ስፖርት እታ ሃገር፡ ብገለ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ስኑዕ ትኬት መእተዊ ስታድዮም ኣብ ዕዳጋ ከም ዝተሸጠ ብምሕባር፡ መንቀሊ እቲ ስኑዕ ትኬታት ብዓል መን ምዃኖም ንምፍላጥ ፖሊስ መርመራ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዘርግሐ ኣሳእል፡ ናብ ስታድዮም ንምእታው ብጻዕቒ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ነቲ ኣብ ኣፍደገ ስታድዮዮም ዝነበረ መኸልከሊ ሓጺን ንኽሰብርዎ እናተጋደሉ እንከለዉ የርኢ።
እቲ ጸወታ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ምስቅቓጥ ክቋረጽ እንከሎ፡ ብዙሓት ሰበት ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል እናተወሰዱ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ሰብ ብብዝሒ ይቐባበሉ ነይሩ።
ብዘይካ እዚ ነቶም ተሰቃቒጦም ኣብ መሬት ወዲቖም ዝነበሩ ሰባት ንምሕጋዝ ኩሉ ይጓየ ከም ዝነበረ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ተራእዩ።
ሓደ ካብቶም ብወልነተኦም ምስቶም ነቶም ዝተጎድኡ ንምውጻእ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ዝሰርሕ ዝነበረ ውልቀሰብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እዚ ሓደጋ ናብ ስታድዮም ንምእታው ዕጉግ ኢሎም ብዝነበሩ ሰባት’ዩ ተፈጢሩ። ገና ሰባት ክሳብ ሕጂ በቲ ብምጽቕቓጥ ዝፈረሰ ሓጻዊን ተጸቂጦም ኣለዉ፤ ገለ ናብ ላዕሊ ዝደየቡ ሰባት ግን ነጢሮም ናብ ስታድዮም ብምእታው ህይወቶም ከድሕኑ ክኢሎም ኣለዉ” ኢሉ።
ፕረዚደንት ኢልሳልቫዶር ናይብ ቡከለ “ኩሉ ክምርመር’ዩ - ጋንታታት፡ ማናጀራትን፡ ሰብ መዚ እቲ ስታድዮም፡ እቲ ሊግን ፈደረሽን ኵዕሶ እግርን” ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ብመገዲ ጽሓፊኡ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ዝኾነ ይኹን ነዚ ሓደጋ ጠንቂ ዝዀነ ካብ መቕጻዕቲ ኣይክድሕንን’ዩ” ኢሉ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ 90 ዝዀኑ ሰባት ናብ ሕክምና ኣትዮም ከም ዘለዉ ብምሕባር ፡ ልዕሊ 500 ሰባት ቀዳማይ ረድኤት ተገይርሎም ማህረምቶም ቅልል ዝበለ ስለ ዝዀነ ናብ ነናብ ቤቶም ከም ዝተፋነዉ ገሊጾም።
ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ፍራንሲስኮ ኣላቢ፡ እቶም ኣብ ሕክምና ዘለዉ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ናይ ሞት ጸብጻብ ከም ዘይበጸሖ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር፡ ሎሚ ሰንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኩሉ ጸወታታት ተወንዚፉ ከም ዝጸንሕ ብምግላጽ ንኹሎም ስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋ ምጽንናዕ ተመንዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







