ክህደን ዝጸንሐ ፍሉጥ ፓስተር ኣብ ፊሊፒንስ ተታሒዙ

ምስ ገበናት መሸጣ ሰባትን ጾታዊ ዓመጽን ብዝተሓሓዝ ብሰብመዚ ጸጥታ ኣመሪካን ፊሊፒንስን ክድለ ዝጸንሐ ፍሉጥ ፓስተር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ንርእሱ 'ሕሩይ ወዲ ኣምላኽ" ('Appointed Son of God') ምዃኑ ዝገልጽ፡ ፍሊፒናዊ ኣፖሎ ኲቦሎይ፡ ንክልተ ሰሙን ምስ ሰዓብቱ ድሕሪ ዝተገብረ ምፍጣጥ'ዩ ተኣሲሩ ዘሎ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቱ፡ ኣብቲ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ዝተደኮነ ቤተክርስትያኑ ዓሪዶም ሓይልታት ጸጥታ ከይኣትዉ ክከላኸሉ'ዮም ጸኒሖም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት፡ ሓደ ኣባል እቲ ቤተክርስትያን ብዝሓደሮ ወቕዒ ልቢ ከምዝሞተ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ መራሒ 'መንግስቲ የሱስ ክርስቶስ' (KOJC) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤተክርስትያን ዝዀነ ኲቦሎይ፡ ሸውዓተ ሚልዮን ሰዓብቲ ከምዘለውዎ'ዩ ዝዛረብ።

ኣብ 2021 ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ንጾታዊ ርክብ ከገልግሉ ምእንቲ ቈልዑ ምስግጋር፡ ምጥፍፋእ፡ ምስግዳድን ጥረ-ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምስግጋርን ዝበሉ ክስታት ኣብ ልዕሊኡ መስሪቱ ነይሩ። ንሱ ግን ነቲ ክስታት ይነጽጐ።

ፈደራላዊ ትካል ጸጥታ ኣመሪካ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ከምዝብሎ፡ ንጾታዊ ርክብ ዘገልግላ ቈልዑ ኣዋልድን ብጹሓት ደቂኣንስትዮን ካብ ፊሊፒንስ ናብ ኣመሪካ ኣሰጋጊሩ።

ነዚ ንምፍጻም ድማ እተን ግዳያት ንዘየለ ማሕበር ግብረሰናይ ገንዘብ ከምዝእክባ ዝገብር ጉልባብ ከምዝተጠቕመ እቲ ክሲ ይጠቅስ።

'ፓስተራውያን' ተባሂለን ዝፍለጣ ደቂኣንስትዮ ተሓጋገዝቱ ድማ ምስኡ ስጋዊ ርክብ ክፍጽማ የገድደን ምንባሩ ኤፍ-ቢ-ኣይ ይኸስስ።

እዚ ዅሉ እናዀነ ግን፡ ኣብታ ሃገር ተፈላጥነቱ እናዓበየ'ዩ ዝኸይድ ነይሩ፤ ብፍላይ ፕረዚደንት ሮድሪጎ ዱተርተ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ። ኣባት ነፍሲ ናይቲ ፕረዚደንት ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ኣብ 2022 ፕረዚደንት ዱተርተ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ፡ ኵነታት ኣይቀደዎን።

ሰብመዚ እታ ሃገር ብኡ-ንብኡ ኣብ ልዕሊኡ ክስታት ጾታዊ ዓመጽ ቈልዑ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ከምኡ'ውን መሸጣ ሰብ ብምምስራት ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ሂቦም።

ብኸመይ ክተሓዝ ክኢሉ?

ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል፡ ብሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ኣብ 30 ሄክታር ተዘርጊሑ ዝርከብ ቀጽሪ ናይቲ ኣብ ከተማ ዳቫው ዘሎ ቤተክርስትያን ንምእታው ፈተነታት ከካይዱ ጸኒሖም።

ሰዓብቲ ናይቲ ፓስተር ንቀጽሪ ናይቲ ቦታ ከቢቦም ብምዕራዶም ግን እቶም ሓይልታት ጸጥታ ብሰላም ናብ ውሽጢ ክኣትዉ ኣይክኣሉን።

ብመሰረት ትርግታ ልቢ ዝዕቅን መሳርሒ፡ ኲቦሎይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ጉድጓድ ተሓቢኡ'ዩ ቀንዩ።

እቲ ቀጽሪ፡ ካቴድራል፡ ቤትምህርትን ሃገንገርን ዝርከቦ 40 ህንጻታት ዘለዎ'ዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት በንሁር ኣባሎስ፡ እቲ ሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝጸንሐን፡ ተገዲዱ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን ተዛሪቡ።

ገለ ሰባት ኣገዳሲ ሓበሬታ ብምሃቦም ክተሓዝ ከምዝኸኣለ'ውን እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ጠበቓ እቲ ሰባኺ፡ እስራኤሊቶ ቶርዮን፡ ግን ዓሚሉ "ሕጊ-ኣልቦ ጎነጽ ክቕጽል ስለዘይደለየ" ኢዱ ከምዝሃበ'ዩ ዝገልጽ።

ሓላፊ ፖሊስ እቲ ዞባ ብርጋዴር ጀነራል ኒኮላስ ቶረ ብወገኑ "ብምትሕብባር ኵሎም ተሳተፍቲ ኣካላት" ክተሓዝ ከምዝኸኣለ ተዛሪቡ።

ኲቦሎን ኣርባዕተ ምስኡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ብጾቱን ናብቲ ኣብ ርእሰከተማ ማኒላ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ሃገር ተወሲዶም ኣለዉ።

ቅድሚ ማእሰርቱ፡ እቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕጋዊ ብድሆ "ድያብሎስ" ዘንቀሎ'ዩ ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

ኤፍ-ቢ-ኣይ ኣብ ውልቃዊ ጉዳዩ ኢዱ ምእታዉ'ውን ይነቅፍ።

ፕረዚደንት ፈርዲናንድ ማርኮስ፡ ንሕጂ ሃገሩ ነቲ ሰብ ናብ ኣመሪካ ኣሕሊፋ ናይ ምሃብ ውሳነ ከምዘይወሰደት ኣፍሊጡ።

እቲ ጉዳይ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጐ'ቶም ኣብ ፊሊፒንስ ዓቢ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዘለዎም ስድራቤታት ማርኮስን ዱተርተን ተገይሩ'ዩ ዝዝረበሉ ዘሎ።

ሰብመዚ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ዱተርተ ከረክቦም'ኳ ሓቲቶም እንተነበሩ፡ ማርኮስ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ'ዩ ብዕቱብ ክድለ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ነበር ዱተርተ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ፓስተር ኣበይ ተሓቢኡ ከምዝነበረ ከምዝፈልጥን እንተዀነ ክሕብር ከምዘይደልን ተዛሪቡ ነይሩ።

ናይ ወልቂ ነፈርቲ

ኣብ 1985 ኣፖሎ ኲቦሎይ ኣብቲ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ሰባኺ ቢል ግራሃም ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ኣምላኽ "ክጥቀመልካ'ዩ" ክብል ሕሹኽ ከምዝበሎ ብምግላጽ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ከተማ ዳቫኦ "መንግስቲ የሱስ ክርስቶስ" ዝብሃል ትካል መስሪቱ።

ካብታ ከተማ ኣብ ዝወጽኣሉ፡ ብናይ ብሕቱ ነፋሪት ክጓዓዝ'ዩ ዝርአ።

ክሰብኽ እንከሎ፡ ኣብ ሓደ ብቬትሮ ዝተኸበበን ናብቲ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ዝተደኮነ "ገነት ኤደን ተሓዲሱ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቀጽሪ ናይቲ ቤተክርስትያን ዝጥምትን መድረኽ'ዩ ደው ዝብል።

ብመገዲ ተለቪዥን፡ ራድዮን ማሕበራዊ መራኸቢታትን'ውን ስብከታቱ የመሓላለፍ'ዩ።

ብዘይካ ንፕረዚደንት ነበር ዱተርተ ዘለዎ ደገፍ፡ ንካልኦት ሕጹያት ተወዳደርቲ ፖለቲከኛታት ብምድጋፍ'ውን ይፍለጥ'ዩ። ኣብታ ሃገር መራሕቲ ሃይማኖት ፖለቲካዊ ጸግዒ ክወስዱ ልሙድ ምዃኑ ይግለጽ።