ካብ ጸበባ ዝወጻ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ብምዕማጹ ዝተፈርደ ፓስተር

ኣማኢት ሰባት ካብታ ዕጽውቲ ሰሜን ኮርያ ሃዲሞም ከምዝወጹ ብምግባሩ ናእዳ ዝረኸበ ፍሉጥ ደቡብ ኮርያዊ ፓስተር ብጾታዊ ዓመጽ ተኣሲሩ።

ወዲ 67 ዓመት ቻን ኪ-ዎን፡ ነተን ኣብ ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ሶል ዝነበራ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ብምዕማጹ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ኣሎ።

እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ሰባት ካብ ጸበባ ሰሜን ኮርያ ከም ዝሃድሙ ብምግባሩ ከም "መድሓኒ" ዝቑጸር ዝነበረ ፓስተር፡ ምስቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣይሁዳውያን ካብ ጃምላዊ ምጽናት ዓሌት ናዚ ብምድሓኑ ኣፍልጦ ዝረኸበ ጀርመናዊ ብምምስሳል "ኤስያዊ ሺንድለር" ዝብል ቅጽል ስም ዘጥረየ እዩ።

"መገዲ-ባቡር ትሕቲ-ምድሪ" ብዝብል ስርሒታት፡ ብዙሓት ሰሜን ኮርያውያን ካብቲ ሕሱም ስርዓት ሃዲሞም ናብ ቻይና ክኣትዉ ዝገብር ዝነበረ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ንተነቃፊ ኩነታት ገለ ናይተን ኣብ ኢዱ ዝወደቓ ግዳያት ብምብላጽ ኣብ ልዕሊአን በደል ፈጺሙ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ፖሊስ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ እቲ ፓስተር ኣብ ልዕሊ 6 ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጻ ኣዋልድ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ። ገለ ካብዚአን ኣብቲ ባዕሉ ዝመስረቶ ዱሪሃና ዝተባህለ ማሕበር ዘመሓድሮ ቤትምህርቲ ዝድቅሳ ዝነበራ እየን።

ፓስተር ቻን፡ ነቲ ክስታት ዝነጽጎ'ኳ እንተኾነ፡ ቤትፍርዲ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ ግን መርትዖታት ናይተን ግዳያት ክንጸግ ዝኽእል ከምዘይኮነ ደምዲሙ።

"እተን ግዳያት ርጡብ ምስክርነት እየን ዝህባ ዘለዋ። ገለ ካብዚ ድማ፡ ካብ ውልቃዊ ተመክሮ ወጻኢ ክንገር ዘይክእል እዩ" ክብል ዳኛ ማእከላይ ቤትፍርዲ ሶል ሱንግ-ጀንግ ገሊጹ።

እቲ ፓስተር፡ "ንዝነበሮ ፍጹም ጽልዋ" ተጠቒሙ ነቲ ገበናት ከምዝፈጸሞ'ውን ኣስሚሩሉ።

ካብቲ ዝቐረበሉ ሽዱሽተ ክስታት ከኣ ኣብ ሓሙሽተ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ። ገለ ካብተን ግዳያት ባዕለን ሃዲመን ዝወጻ ኮይነን፡ እተን ዝተረፋ ድማ ብደገፍ እቲ ፓስተር ምስ ስድራቤተን ካብ ሰሜን ኮርያ ዝሃደማ እየን።

ቻን ዝመስረቶ ዱሪሃና ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ንሰሜን ኮርያውያን ካብ ሃገሮም ናብ ቻይና ብምውጻእ ናብ ደቡብ ኮርያ ክሰግሩ ዝገብር ፍሉጥ ደቡብ ኮርያዊ ትካል'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣስታት 1000 ሰባት ካብታ ብጨካን ምልካዊ ስርዓት ስድራቤት ኪም እትማሓደር ሰሜን ኮርያ ከውጽእ ከምዝኸኣለ'ዩ ዝገልጽ። ብስርዓት ፕዮንግያን ብዓይኒ ጽልኢ ከምዝርአ'ውን ይፍለጥ።

ኣብ 2002፡ ሰባት ከውጽእ ተታሒዙ ኣብ ቻይና ንሸውዓተ ወርሒ ምእሳሩ ማዕከናት ዜና ዓለም ተዛሪበናሉ ነይረን እየን።

በቲ ዝመስረቶ ማሕበር ዝተኸፍተ፡ ነቶም ሃዲሞም ዝመጹ ቆልዑ ሰሜን ኮርያ ዘገልግል ፍሉይ ቤት-ትምህርቲ፡ ከም ቢቢሲ፡ ሲ-ኤን-ኤን፡ ኒውዮርክ ታይምስን ናሽናል ጆኦግራፊን ዝበሉ ማዕከናት ዜና ሰነዳዊ ፊልምታትን ጸብጻባት ዝሰርሕሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ዝወጽእ ዝነበረ ጸብጻባት ሚዲያ ድማ ብቐጻሊ ነቲ ፓስተር ምስ ኦስካር ሺንድለር የመሳስሎ ነይሩ።

ወናኒ ኢንዱስትሪታትን ገባሪሰናይን ዝነበረ ጀርመናዊ ኦስካር ሺንድለር ኣባል ናዚ ፓርቲ ኮይኑ፡ ንኣስታት 1200 ኣይሁዳውያን ናብ ፋብሪካታቱ ክሰርሑ ከምዝደሊ ብምምሳል ካብ ህልቂት ከምዝድሕኑ ብምግባሩ ክብሪ ዝረኸበ ሰብ'ዩ። "ሺንድለርስ ሊስት" ዝብል ኣብ 1993 ዝወጸ ፊልም ሆሊውድ'ውን ንሓቀኛ ዛንትኡ መሰረት ብምግባር ዝተሰርሐ'ዩ።

ስለዚ ድማ'ዩ፡ ማእሰርቱ እዚ ፓስተር ኣብ ደቡብ ኮርያን ካልእ ዓለምን ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ፣ መስርሕ ፍርዱ'ውን ብተመሳሳሊ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ጸኒሑ።

ጻዕዳ ክዳን ማእሰርቲ ተኸዲኑ፡ ኣእዳዉ ተኣሲሩ፡ ብፖሊስ ተዓጂቡ ኣብ ቤትፍርዲ ክቐርብ ምርኣዩ ብዙሓት ዘይተጸበይዎ ኣንጻራዊ ፍጻመ'ዩ ኮይኑ።