ኢትዮጵያ፡ ቀንዲ ደጋፊ ኣቢይ ኣሕመድ ዝነበረ ብዓልስልጣን ካብ መዝነቱ ተሰናቢቱ

ሓደ ካብ ቀንዲ ደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝነበረ ሚኒስተር ታየ ደንደኣ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰናበተ ኣፍሊጡ።

'ዲኤታ' ሚኒስተር ሰላም ዝኾነ ኣቶ ታየ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ደው ክብል ንምሕታት ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ምኽልካሉ ድሕሪ ዘቕረቦ ተቓውሞ'ዩ ስልጣኑ ስኢኑ ዘሎ።

ሎሚ ሰኑይ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኡ ሓበሬታ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ካብ መዝነቱ ከምዘውረዶ ዝበጽሖ ወግዓዊ ደብዳበ ብምስናይ ሓቢሩ።

እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝመጸን ፌርማ ኣቢይ ኣሕመድ ከምዘለዎን ዘመልክት ሓጺር ደብዳበ፡ "ካብ 28 መስከረም 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትሪ ሰላም ብምዃን ንዘበርከትካዮ ኣስተዋጽኦ እናመስገንኩ፡ ካብ 1 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ሓላፍነት ካብ ዝወረድካ አፍልጠካ" ይብል።

ኣቶ ታየ በወገኑ ነቲ ስጉምቲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ዝተዛረብካዮን ዝጸሓፍካዮን ናይ መደመር ሓሳብ ኣሚነ ተኸቲለካ። ሕጂ ግን ኣብ ዝተዛረብካዮ ዘይትጸንዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደም ሰብ እትጻወት ኣረመኔ ምዃንካ ተረዲአ ኣለኹ" ክብል ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቒፉ።

"ሓቂ መሲሉኑ ብስም ህልውና ሃገር ተካይዶ ንዝነበርካን፡ ኢትጵያውያን ካብ ምቅታል ሓሊፉ ነታ ሃገር ዘዳቐቓን ኮንቱ ኲናት የዳምቐልካ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ተመጉሰኒ ኔርካ።

"ሕጂ ግን፡ ናይ ኣሕዋት ምቅትታል ደው ንኽብል ኣብ ጎኒ ሰላም ብምውጋነይ ካብ ስልጣነይ ኣልዒልካኒ። ንመንበርን መኪናን ተገዚአ ንኦሮሞ ብኦሮሞ ንምጥፋእን፡ ኦሮሞ ምስ ኣሕዋቱ ንምጽላእን እትጻወቶ ጠላዕ እናራኣኹ ሱቕ ብዘይምባለይ ሕጉስ እዩ። ንዝነበረና ሓጺር ጻንሒት አመስግን" ኢሉ።

ብሰንበት ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ “ ከበሮ ኲናት ኣብ ዝወቓዕናሉ ኣደባባይ፡ ዜጋታት ብሰላማዊ መንገዲ ኲናት ከይቃወሙ ምኽልካል ሕማቕ ትርጒም ኣለዎ” ኢሉ ነይሩ።

እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ማሕበራዊ ሚድያን ንመንግስቲ ብምኽሳስ ዝፍለጥ ሚኒስተር፡ ትማሊ ረፋድ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ምኽልካል እቲ ሰልፊ “ንምምላሱ ዝኸብድ ሕቶ ከልዕለልና ይኽእል እዩ” ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።

እቲ ኣባል ዝዀነሉ መንግስቲ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኣብታ ሃገር ዝተፈጠሩ ኲናታት፡ ግጭትታትን ዓፈናን ብምጥቃስ፡ “ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዲሞክራሲ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ኣራኺስና ኢና” ክብል ነቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኮኒኑ።

ፖሊስ ካብቶም ነቲ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰልፊ ዘተሓባብሩ ዝነበሩ እቶም ኣርባዕተ ብሓሙስ 27 ሕዳር 2016 ዓ/ም [ግእዝ] ከምዝኣሰሮም ክግለጽ እንከሎ፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ 97 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ሓደ ዝዀነ ኣቦ መንበር ኢህኣፓ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝናቡ ኣበራ፡ ማእሰርቲ እቶም ኣተሓበበርቲ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ነቲ ዝተተለመ ሰላማዊ ሰልፊ ንምትዕንቓፍ እዩ” ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን “ኣብ ምፍሳስ ደም ተዋፊሩ” ዝበልዎ ሰራዊት ምክልኻል ናብ መዓስከራቱ ክምለስ፣ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሲዳማን “ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ኣምሓራ” ክፍትሑ ከምኡ ድማ “ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘለዉ ተፈናቐልቲ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ምሕታት” ዕላማታት ናይቲ ትማሊ ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ሰልፊ ከምዝዀነ እቶም ኣተሓባበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

መንግስቲ ብግደኡ እቶም ኣተሓባበርቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም “ሰላማዊ ሰልፊ ጉልባብ ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ብሕቡእ እናተንቀሳቐሱ ናይ ዝነበሩ ጕጅለታት ሽርሒ ከምዘበርዐነ” ገሊጹ።

እቶም ኣርባዕተ ኣተሓባበርቲ ካብቶም ዝተኣሰሩ ብዛዕባ ምዃኖም ግን ኣብቲ መግለጺ ኣይተጠቐሰን።

እቲ ትማሊ ክካየድ ዝተሓስበ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘይተፈለጠ እዋን ከምዝተናውሐ እውን ተሓቢሩ።

ኣቶ ታየ ደንደኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ምድጋፍን ተቓውሞ ምግላጽን ዓንዲ ዲሞክራሲ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ “ኢህወደግ ሰላማዊ ሰልፊ ይኽልክል ኣብ ዝነበረሉ መላኺ ኢልና ንኸሶን ንዅንኖን ነይርና፤ ሎሚ ድማ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ሰልፊ ከይግበር ከልኪልና ኣለና” ብምባል ኣብቲ ንሱ ዘለወሉ መንግስቲ ዝሓሸ ነገር ከምዘየለ ኣብሪሁ።

ንሱ፡ ዜጋታት ብሰላማዊ መንገዲ ኲናት ከይቃወሙ ዝኸልከሉ ኣካላት ተሓተትቲ ክዀኑ ይግባእ እውን ኢሉ።

ኣቶ ታየ ደንዳኣ ነቲ ንሱ ዝኣባሉ መንግስቲ ዝኸሱን ዝምጒቱን ሓሳባት ብምሃብ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ መንግስቲ ምስቲ ግብረሽበራዊ ክብል ዝበየኖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ታንዛንያ ዳሬ ሰላም ዘካየዶ ዘተ ንዘይምዕዋቱ ንመንግስቲ ተሓታቲ ገይሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈጠሩ ጸገማት ስግኣቱ ከምዝገለጸ ዝጠቅስ ኣቶ ታየ “ሰማዒ ስኢነ” እዩ ዝብል።

ኣቶ ታየ ደንደኣ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ (ጨፈ) ከምኡ እውን ኣብቲ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ኣባል ማእከላይ ኮሚተ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።