ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ኣገዳሲ ስምምዕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ፈጺመን

ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ስግኣት ኑክሌራዊ ሰሜን ኮርያ ንምምካት ፍሉይ ስምምዕ ፈጺመን።

ኣመሪካ፡ በብእዋኑ ኑክሌር ዝዓጠቓ ውስጠ-ማያውያን (ሳብማሪናት) ናብ ደቡብ ኮርያ ከተዋፍርን ነታ ሃገር ኣብ ስርሒታት ውጥን ኑክሌር ከተሳትፍን’ያ ተሰማሚዓ።

ኣምሳያኡ ድማ ደቡብ ኮርያ ናይ ገዛእ ርእሳ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይተማዕብል ተሰማሚዓ ኣላ።

እዚ ስምምዕ፡ ንመጥቃዕቲ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምዕጋት ናይ ክልቲአን ሃገራት ምትሕብባር ዘሐይል ምዃኑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ገሊጹ።

ኣብ ክልቲአን ብሰንኪ ሰሜን ኮርያ ዝመጸ ስክፍታታት ኑክሌራዊ ስግኣት እናወሰኸ ከም ዝመጸ ይግለጽ።

ሰሜን ኮርያ ንደቡብ ኮርያ ዒላማ ክገብር ዝኽእል 'ታክቲካዊ' (ንኡስ) ኑክለራዊ ኣጽዋር ኣብ ምምዕባል፡ ከምኡ’ውን ናብ መሬት ኣመሪካ ክበጽሕ ዝኽእል ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኣጽዋራታ ኣብ ምምሕያሽ ትርከብ።

ኣመሪካ ድሮ ንደቡብ ኮርያ ክትከላኸል ዝጸንሐ ውዕል ኣለዋ፡ ኣቐዲማ ኣድላዪ እንተዀይኑ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ቃል ኣትያ እያ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከቡ ገለ ኣካላት ግን ብቅሩብነት ኣመሪካ ብምጥርጣር እታ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክተማዕብል ክጽውዑን ጀሚሮም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ ደቡብ ኮርያዊ መዘናኡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ 'ኣዋጅ ዋሽንግተን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ውዕል፡ ካብ ሰሜን ኮርያ ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምግታእ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ምትሕግጋዝ ዘሐይል'ዩ ኢሉ።

ኣብ ኣመሪካ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኮርያዊ ፕረዚደንት ዩን ሱክ-ዮል ብወገኑ፡ እቲ "መዘና ዘይብሉ" ዝበሎ ውዕል፡ ኣመሪካ ንምክልኻል መሓዙት ሃገራት ንምሕያል፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ መሓዙት ሃገራት ክወርድ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ኑክሌር ክሳብ ምጥቃም ዝበጽሕ ግብረመልሲ ክትህብ ተወፋይነት ከምዘለዋ ዘርኢ እዩ ኢሉ።

ብመርገጺ ኣመሪካ ዘይተሓጎሰት ቻይና፡ ኣንጻር ናይቲ "ኮነ ኢልካ ወጥሪ ምልዕዓልን ምፍርራሕን" ዝተኻየደ ዝበለቶ ስምምዕ ብምቅዋም ኣጠንቂቓ።

እዚ ሓድሽ ስምምዕ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሓያሎ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ድርድር ምዃኑ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ገሊጹ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ኣመሪካ ድሕሪ 40 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኑክሌር ዝዓጠቐት ሳብማሪን፡ ምስ ካልኦት ስትራተጂካዊ ወተሃደራዊ መሳርሒታት፡ እንተላይ ምስ ኑክሌራዊ ዓቕሚ ዘለወን ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲ ናብ ደቡብ ኮርያ ብምልኣኽ ንምክልኻል ዝኣተወቶ ቃል ብዝያዳ ርኡይ ክትገብር እያ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ትልሚ ኑክሌር ዝዝትዩ ጉጅለ ኣማኸርቲ ኑክሌር እውን ከማዕብላ እየን።

ፖለቲከኛታት ደቡብ ኮርያ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም፡ ዋሽንግተን ኣንጻር ሰሜን ኮርያ ብኸመይን መዓስን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዝጥቀሙ ኣብ ምውጣን ዝያዳ ከተሳትፎም ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ዓቐንን ምርቓቕን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ደቡብ ኮርያውያን ባይደን ኣብ ክንድኦም ኑክሌራዊ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝድርኾ እንታይ ምዃኑ ከይፈለጡ ከይጸንሑ ዝገብርዎ ጥንቃቐ እናዓበ መጺኡ ኣሎ።

ዋሽንግተን ንደቡብ ኮርያ ዘይክትድግፍ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ድማ፡ እታ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከተማዕብል ጻውዒታት ክቐርብ ምኽንያት ኰይኑ ይርከብ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ግን ፕረዚደንት ዩን ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ነዚ ሓሳብ ናብ መኣዲ ዘቕረበ ፈላማይ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ምስ ምዃኑ ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ኣመሪካ ክጥንቀቑ ገይሩ እዩ።

ድሕሪ ደጊም ዘረጋግኡ ቃላት ከምዘይሰርሑ ተረዲኦም፤ ደቡብ ኮርያ ናይ ገዛእ ርእሳ ቦምባታት ከተማዕብል ካብ ምድላይ ክትዓግት እንተዀይና ድማ ጭቡጥ ነገር ከተቕርብ ከም ዘለዋ ሃንደበት ንኣመሪካ ንጹር ኮይኑ።

ካብዚ ሓሊፉ ፕረዚደንት ዩን "ዝጭበጥ" ምዕባለታት ኣመዝጊቡ ናብ ዓዱ ክምለስ ትጽቢት ከም ዘለዎ ብንጹር ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ሓደ 'ማእከል ሓድሽ ጸጥታ ኣመሪካ' ዝተባህለ ትካል እትሰርሕ ዱዮን ኪም፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ ውጥን ኑክሌር ክትሳተፍ "ዓቢ ዓወት" ከም ዝረኸበት ገሊጻ።

ኣመሪካ ኑክሌራዊ ሓበሬታ ኣዝዩ ምስጢራዊ ከም ዝዀነ እያ ትቖጽሮ፡ እንተዀነ ግን ሰሜን ኮርያ እተፍርዮ ዘላ ዓይነታት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ሃዋህው ልምምድን ስልጠናን ምክያድ ኣገዳሲ'ዩ።"

እዚ ሓድሽ ኑክሌራዊ ኣማኻሪ ጉጅለ፡ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ክሓቶ ዝጸንሐ ወሰኽ ተሳትፎ ክህብ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ሕቶ ግን ጭንቀት እቲ ህዝቢ ከህድእ ድዩ ዝብል እዩ።

ሰሜን ኮርያ እንተድኣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኮርያ መጥቃዕቲ ፈጺማ፡ ኣመሪካ ነታ ሃገር ንምክልኻል ኑክሌር ክትጥቀም ፍጹም ዘገድድ ቃል ኪዳን ኣይኰነን።

ይኹን እምበር ትማሊ ረቡዕ ባይደን፡ "ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ወይ ደገፍታን መሻርኽታን እትፍጽሞ ኑክሌራዊ መጥቃዕቲ ቅቡል ኣይኰነን፡ ዝዀነ ስርዓት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ እንተዀይኑ ድማ ፍጻሜኡ ዘስዕብ'ዩ" ኢሉ።

ብምላሹ ኣመሪካ፡ ደቡብ ኮርያ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከየማዕበለት ክትቅጽል ጠሊባ ኣላ። እዚ ንኣመሪካ ኣገዳሲ’ዩ፡ ካልኦት ሃገራት ኣሰራ ክስዕባ ስለዘይትደሊ።

እዚ ቃል ኪዳን ግን ነቲ ጽልዋ ዘለዎን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን ጉጅለ ምሁራት፡ ሳይንቲስትን ኣባላት ገዛኢ ሰልፊ ደቡብ ኮርያን ከዕግብ ዘለዎ ተኽእሎ ድሩት'ዩ።

ደቡብ ኮርያ ኑክሌር ክተማዕብል ዝጉስጉስ ዶክተር ቸኦንግ ሴንግ-ቻንግ፡ እቲ ኣዋጅ ብዙሕ እወታዊ መዳያት እኳ እንተሃለዎ፡ "ደቡብ ኮርያ ካብ ውዕል ዘይምስፍሕፋሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር" ናይ ምስሓብ መሰላ ብግልጺ ምግዳፋ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ሰሜን ኮርያ ናብ መኣዲ ድርድር ንምምላስ ኣመሪካ ከተካይዶም ዝጸንሐት ጻዕርታታ ትቕጽል ከምዘላ ገሊጹ። ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንምዝርራብ ዝቐረበላ ብዙሕ ሕቶታት ዕሽሽ ከም ዝበለት ትገልጽ።

ኣሜሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ኑክሌራዊ ኣጽዋራ ንክትገድፍ ከተእምን ተስፋ እኳ እንተሃለዋ፡ ዝሓለፈ ዓመት መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ግን ኒኩሌራዊ ኩነታት እታ ሃገር ንድሕሪት "ዘይምለስ" ምዃኑ ኣዊጁ’ዩ።

ገለ ክኢላታት፡ ሕጂ ካብ ምውጋድ ኑዩክሌር ንላዕሊ፡ ኣብ ምቁጽጻር ኣጽዋር ምዝታይ ዝያዳ ትርጉም ከም ዝህብ ይዛረቡ።