ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝኣወጀት ሃገር

ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሴራሊዮን፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተስፋሕፈሐ ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕቲታትን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ካብ እትእውጅ ሒደት ዓመታት ተቈጺሮም ኣለው።
ፕሬዝደንት ጅልየስ ማዳ፡ ብ2019 ዓ.ም (ኣ.ኤ) ቘራጽ ዝተባህለ ኣዋጅ ኣዊጁ።
ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲታት ፍትሒ ረኺቦም’ዶ ዝብል ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ መርሚሩ ኣሎ።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ንገለ ኣንበብቲ ክርብሹ ዝኽእሉ ዝርዝራት ሒዙ ኣሎ።
ካብ ርእሰ ከተማ ሴራሊዮን ዝዀነት ፍሪታውን ንኣንፈት ምብራቕ እትርከብ ከተማ ማኬኒ፡ ሓንቲ ንእስቲ ምስ ወዲ ሰለስተ ዓመት ወዳ ኣብ ደገ ኣፌት ገዝኣ ከፍ ኢላ ኣላ።
ንድሕነታ ክንብል፡ ኣኒታ ኢልና ክንጽውዓ ኢና።
እዛ ኣደ፡ ኣብ ህይወታ ብዙሕ መከራ’ኳ እንተርኣየት፡ እቲ ብ2015 ዓ.ም ዘጋጠማ ግን ኣዝዩ ዝኸፍአ ነበረ።
ኣብቲ እዋን፡ ጓል ክልተ ዓመት ጓላ ብደም ጠልቂያ እያ ረኺባታ።
“ተቖጺረ ይሰርሕ ነይረ፤ እታ እተስርሐኒ ዝነበረት ሰበይቲ ቀዳም ንጉሆ ናብ ዕዳጋ ልኢኻትኒ” ብምባል ምስታ በዓልቲ ገዛን ምስ ወዲ 22 ዓመት ወዲ እታ ሰበይትን ገዲፋታ ከም ዝወጽአት ትገልጽ።
“ከረሜላን በሽኩትን ክገዝኣላ ክወስዳ እየ ኢሉኒ፤ ግን እዚ ሓሶት’ዩ ነይሩ” ትብል።
ኣኒታ፡ ካብ ዕዳጋ ክትምለስ እንከላ ጓላ ከም ዝጠፍአት ተረዲኡዋ። ንዝተወሰነ እዋን ምስ ኣለሸት ረኺባታ።
እንተዀነ፡ ጓላ ደም ይፈሳ ነይሩ። ናብ ሆስፒታል ምስ ተወስደት፡ ሓካይም እታ ህጻን ከም ዝተዓመጸት ኣረጋጊጾም።
ማህጸና ክኣ፡ ብኽልተ ዙር መጥባሕቲ ክስፈ ኣለዎ ኢሎም።
“ነርሳት ንጓለይ ምስ ርኣዩዋ ሰንቢዶም፤ ‘ኦ ፈጣሪ! እዚ ሰብ ኣብ ልዕሊ እዛ ህጻን እንታይ’ዩ ፈጺሙ?’ ኢሎም። እቲ ዝሕክማ ዝነበረ ዶክተር በኽዩ” ትብል።
ኣኒታ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ወሲዳቶ፤ እንተዀነ እቲ ዓማጺ ድሃዩ ክርከብ ኣይተኽኣለን። ፖሊስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክረኽቦ ኣይክኣለን።
“እቲ ፕሬዝደንት፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ናብ ቤት ማእሰርቲ ንክኣትው ዝገብር ሕጊ ኣጽዲቑ’ዩ” እትብል ኣኒታ፡ ኣብ ልዕሊ ጓላ ብዝርኣየቶ ነገር ግን እቲ ሕጊ ተግባራዊ ከም ዘይኰነ ትኣምን።
ፕሬዝደንት ጂልየስ ማዳ ባዮ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ጥቡቕ ማእሰርቲ ክፍጸም ዝእዝዝ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ደንጊጉ።
ምኽንያት እዚ ኣዋጅ ዝዀነ ድማ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝተላዕለ ተቓውሞ’ዩ።
ኣብ ከተማ ፍሪታውን ብዙሓት ሰባት፡ “ኢድኩም ካብ ልዕሊ ደቅና ኣልዕሉ” ዝብል ዓብዪ ተቓውሞ ገይሮም።
ኣብቲ እዋን፡ ዝተዓመጸት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ካብ መዓንጥኣ ንታሕቲ ሽባ ስለ ዝዀነት፡ ንህዝቢ እታ ሃገር ኣሰንቢዱ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ኣሃዝ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዕጽፊ ክውስኽ እንከሎ፡ ካብዚኦም እቲ ሲሶ ህጻናት ከም ዝነበሩ ተገሊጹ።
ካብ ወርሒ ለካቲት 2019 ጀሚሩ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፡ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኣብታ ሃገር ዝተስፋሕፈሐ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምግታእ ሃብቲ መንግስቲ ንከዛውር ኣኽኢሉዎ።
እታ ሃገር ድማ፡ ሕጋጋት ብምምሕያሽ ኣብ ልዕሊ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ተሪር መቕጻዕቲ ደንጊጋ።
በዚ መሰረት፡ ብገበን ጾታዊ ዓመጽ ዝኽሰስ፡ ክሳብ 15 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ፤ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ እንተዀይኑ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ከም ዝፍረድ የመልክት።
ኣብ ርእሰ ከተማ ፍሪታውን ድማ፡ ንጾታዊ መጥቃዕቲታት ቅልጡፍ ክዳንዩ’ዮም ዝተባህሉ ኣብያተ ፍርዲ ተመስሪቶም።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ውሱን ምምሕያሽ ዘሎ ይመስል።
ሓበሬታ ፖሊስ ከም ዘመልክቶ እንተዀይኑ፡ ጾታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ብ17 ሚኢታዊት ምንካይ ኣርእዩ’ዩ፤ እዚ ማለት ኣብ 2018፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሪፖርት ክግበር እንከሎ፡ እዚ ኣሃዝ ኣብ 2023 ናብ 10 ሽሕ ወሪዱ።
ዋላ’ውን ይኹን’ምበር፡ ግንዛበ ምዕባይን ሓደሽቲ መሓውራት ምፍጣርን ሓደ ነገር ንተዀነ፡ ከም ኣንቲ ዝበላ ኣደታት ፍትሒ ክረኽባ ምግባር ካልእ ነገር እዩ።

ሬንቦው ኤኒሼቲው ዝተባህለ ምስ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝሰርሕ ትካል፡ ብ2022 ካብ ሞንጐ ዝመጽኡ 2705 ጉዳያት እቶም ሓሙሸተ ሚእታዊት ጥራይ’ዮም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ይብል።
ናይዚ ቀንዲ ጸገም ድማ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘለዎም ሕጽረት ዓቕሚ ከም ዝዀነ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣኒታ ጉዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ጓላ ሪፖርት ዝገበረትሉ መደብር ፖሊስ ማኬኒ ንክፍሊ ድጋፍ ቤተሰብ ዝመርሕ ዝሰርሕ ሓጋዚ ተቘጻጻሪ ኣቡበከር ካኑ፡ ሰሙናዊ ክሳብ ኣርባዕተ ክስታት ጾታዊ ዓመጽ ህጻናት ከም ዘተኣናግዱ ሓቢሩ።
እቲ ዓብይ ብድሆ፡ ኣባላት ጕጅለኡ ብኣካል ከይዶም ጥርጡራት ንኽኣስሩ ሕጽረት መጓዓዝያ ዘለዎም ምዃኑ እዩ።
ኣብታ ግዝኣት ዘለዋ ሸውዓተ መደበራት ፖሊስ ዘተሓባባር ኣቡበከር፡ ኵለን መኪና ከም ዘይብለን ይዛረብ።
“ጥርጡራት ኣበይ ከም ዘለው እንፈልጠሎም ኣጋጣሚታት እንተሃለው’ውን፡ ብሰንኪ ሕጽረት መኪና ከይድና ክንሕዞም ኣይንኽእልን” ይብል።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “ቅኑዕ ነገር ኣብ ግቡእ እዋን ክትገብሮ ኣጸጋሚ እዩ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “እኹል ሕጊን ፖሊሲን ኣለና። ይዅን’ምበር እቲ ኣወዳድባን ዓቕሚ ሓይሊ ሰብን ኣብ ውሽጢ ሴራሊዮን ዘለው ጾታዊ መጥቃዕቲታት ንምፍታሕ ኣጸጋሚ ገይሩዎ’ዩ” ይብል።
ገበን ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ቀይዲ እንተውዓሉ’ውን ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ዓብይ ብድሆ እዩ።
ኣብታ ሃገር፡ ክሲ ጥርጡራት ገበን ጾታዊ ዓመጽ ንኽርአ ሰነዳት ዝፍርም ሓደ ሰብ ጥራይ’ዩ፤ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ።
መጀመርታ መደብ ክወጽእ እንከሎ፡ እቲ መስርሕ ንኽቀላጠፍን ብቐጥታ ናብ ቤት ፍርዲ ንኽቐርብን ንምግባር ዝዓለመ’ኳ እንተነበረ፡ እዚ ግን ማሕለኻታት ፈጢሩ።
“ኣብዚ እዋን፡ ዝዀነ በዓል ሞያ ሕጊ ምስ ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዝተሓሓዝ ክሲ ክፍርም ኣይክእልን። ብ2019 ዝተገብረ ምምሕያሽ፡ ኣብዞም ክስታት ዝፍርም ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ጥራይ ከም ዝዀነ ተደንጊጕ’ዩ። ስለዚ ዝተፈላለዩ ክስታት ናብ ቤት ፍርዲ ንምምጻእ ኣዝዩ በዳሂ ገይርዎ ይርከብ” ክብል ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ እሰርሕ ጠበቓ ጆሴፍ ኤኬ ሱሳይ የረድእ።
ሚኒስትሪ ሓበሬታ ቼርኖር ባህ፡ እቲ መስርሕ ፍጹም ከም ዘይኰነ ተኣሚኑ፤ እንተዀነ “ዘለና እናመሓየሽና እንቕጽለሉ መስርሕ እዩ” ይብል።
ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝዀኑ ሰባት ደረጃ ፍትሒ ዝረኽብሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ ምምሕያሽ ኣየርኣየን ምባሎም፡ “ኣብ ገለ ክፋላት ሕብረተሰብ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ከም ዘሎ” ብምግላጽ፡ ምምሐረያሽ ኣይተርኣየን ንዝብል ሓሳብ ግን ይነጽጐ።
“ዘቐመጥናዮም ምምሕያሻት ስርዓት፣ ሓደሽቲ ሕጋጋትን ስጉምቲታትን ኣለው። እዚኦም፡ ከምቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝነበረ ተስፋ ዘቑርጽ ግዜ ኣይኰነን ዝብል ስምዒት ክፍጠር ገይሮም’ዮም” ኢሉ።
ኣኒታ፡ ጓላ ካብ እትዕመጽ ሓደ ዓመት ክመልኣ ቀሪቡ ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ዓማጺ ግን ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ሓድሽ ሓበሬታ ፖሊስ ስለ ዘየሎ፡ ስእሊ እቲ ጥርጡር ኣብ ፌስቡክ ጠቂዓቶ።
“እቲ ውልቀሰብ ደልዮም ንክረኽቡዎ ይሓትት ኣለኹ፤ ኣብ ስቓይ እየ ዘለኹ። ኣብ ልዕሊ ጓለይ ዝበጽሐ ነገር ኣብ ካልእ ክበጽሕ ኣይደልን” ክትብል እቲ ዝሓለፈቶ መከራ ተብርሀ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







