ፓኪስታን ኣብ ኢራን ግብረመልሳዊ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣካይዳ

ሚድያ ፓኪስታን

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ፓኪስታን፡ ነቲ ብሰሉስ ብኢራን ኣብ ግዝኣታ ዝተፈጸመ ደብዳብ ብዝሃበቶ ግብረመልሳዊ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

ፓኪስታን ኣብ ኢራናዊት ግዝኣት ሲስታን-ባሎቺስታን ኣብ ዝርከቡ፡ “መሕብኢ ግብረሽበራውያን” መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ገሊጻ ኣላ።

ሃገራዊት ተሌቪዥን ኢራን ድማ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ኣርባዕተ ህጻናትን ከምዝተቐተሉ ጸብጺባ።

ምልልስ እተን ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተደራረብቲ ቅልውላዋት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ምስ ሓማስ ትዋጋእ፡ ከምኡ ድማ ምስ ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ሕዝቦላህ ዶብ ሰገር ልውውጥ ተዅሲ ተካይድ ኣላ፤ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት ሶርያን ዒራቕን ኣብ ወተሃደራዊ ማእከላት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ኣለዉ፤ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዕጡቓት ሑቲ ደብዳብ ኣካይደን እየን።

ኢራንን ፓኪስታንን ካብ ሓድሕደን እናተበገሱ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዕጡቓት ብምዕቋብ ንነዊሕ እዋን ክካሰሳ ጸኒሐን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኣብ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብሓሙስ ከረጋግጽ እንከሎ፡ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን ሳራቫህ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ከምዝተፈጸመ ጸብጺበን።

ፓኪስታን በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት “ግብረ ሽበራውያን” ቀቲለ ኢላ ኣላ።

እታ ሃገር ወሲኻ፡ “ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ኢራን ከምእተኽብር ብምግላጽ፡ እቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ ግን ስግኣት “ሃገራዊ ድሕነት ንምክልኻል” ዘለዋ መትከል ዘንጸባርቕ ከምዝዀነ ሓቢራ።

ፓኪስታን በቲ ብሰሉስ ኣብ ግዝኣታ ብኢራን ዝተፈጸመን ክልተ ህጻናት ከምዝቐተለ ዝሓበረቶን መጥቃዕቲ ቊጠዐኣ ብምግላጽ፡ “ሳዕቤን” ከም ዝህልዎ ኣፍሊጣ ነይራ።

ኢራን ግን እቲ መጥቃዕቲ ዕጡቃት ዓሌት ሱኒ ጀይሽ ኣልኣድል ዒላማ ዝገበረ እምበር ንዜጋታት ፓኪስታን ከምዘይኰነ ገሊጻ።

ኢራን ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን እውን ኣይኤስን ትካል ስለላ እስራኤል ሞሳድን ይርከብዎም ኣብ ዝበለቶም ከባቢታት ሶርያን ዒራቕን መጥቃዕቲ ምፍጻማ ዝዝከር እዩ።

ንዕጡቃት ዒላማ ከምዝገበረ ዝተገለጸ ግብረመልሲ ፓኪስታን ዘገርም ከምዘይኰ እዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

ኣብ ዊልሰን ሰንተር ዳይረክተር መጽናዕቲ ደቡብ እስያ ዝዀነ ሚካኤል ኩገልመን፡ “ግብረመልሲ ፓኪስታን ወጥሪ ዘዕርግ እዩ፤ ግን ድማ ካብ ጫፍ ጎንጺ ናይ ምምላስ ዕድል እውን ዝፈጥር እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ሕጂ እውን እተን ሃገራት ከምኡ እየን ዘለዋ” ኢሉ።

ምስ ክልቲአን ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ቻይና፡ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ካብ ምግዳድ ክቝጠባ ጸዊዓ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘጋጠሙ ቅልውላዋት ንናይዚ ሰሙን መጥቃዕቲ ኢራን ተወሰኽቲ ምኽንያታት ከምዝዀኑ ገለ ተንተንቲ ይገልጹ።

ቴህራን ናብ ዞባዊ ኲናት ክትኣቱ ድልየት ከምዘይብላ ክትገልጽ ዝጸንሐት ኰይና፡ እትድግፎም ዕጡቓት ግን ንፍልስጤማውያን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ደገፍታን መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ኣለዉ።