እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያን ዩክረይን ውዕል ሰድድ እኽሊ እንተዘየናዊሐን ዓለም ብሕጽረት መግቢ ክትሳቐ እያ
ላዕለወይቲ ሓላፊት ውድብ መግቢ ዓለም ሲንዲ ማከይን፡ ሩስያ ካብቲ ምስ ዩክረይን ዝተሰማምዓቶ ‘ውዕል እኽሊ’ እንተወጺኣ ዓለም ብሕጽረት መግቢ ክትጥቃዕ ምዃና ኣጠንቀቓ።
ሲንዲ ማከይን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ዩክረይንን ሩስያን ንምስግጋር እኽሊ ዝምልከት ክሳብ 18 ግንቦት ዝጸንሕ ውዕል ከምዝፈረማ ብምዝኽኻር፡ እቲ ውዕል እንተዘይተሓዲሱ ዓለም ብሕጽረት መግቢ ክትሳቐ ከምእትኽእል ገሊጻ።
ብመሰረት እዘን ክልተ ሃገራት ዝኣተዋኦ ውዕል፡ ዩክረይን ሚልዮናት ቶናት እኽሊ ንወጻኢ ኣብ ምስዳድ ትርከብ። እንተዀነ እቲ ውዕል ክሳብ 18 ግንቦት ጥራይ ስለዝብል፡ እንተዘይተሓዲሱ ብደረጃ ዓለም ሕጽረት እኽሊ ከጋጥም ከምዝኽእል’ያ እታ ሓላፊት ገሊጻ።
ሩስያን ዩክረይንን ብኣሸማጋልነት ሕቡራት ሃገራትን ቱርክን’የን ኣብ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመትነቲ ውዕል ከቲመናኦ።
ኣብ ለካቲት 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምስ ፈጸመት፡ እታ ብሰደድ እኽሊ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ዩክረይን ብጸሊም ባሕሪ መራኽባ ከይተሕልፍ ብሩስያ ስለዝተኸልከለት፡ ኣብ ዓለም ሕጽረት እኽሊ ተኸሲቱ ምንባሩ ይዝከር።
ነዚ ንምፍታሕ ከኣ፡ ክልቲአን ሃገራት ብመንጐኝነት ሕቡራት ሃገራትን ቱርክን ውዕል ምስግጋር እኽሊ ከቲመን።
እቲ ውዕል ካብ ዝኽተም ክሳብ ሕጂ ዩክረይን ብዘይጸገም ሰደድ እኽሊ ክትገብር ጸኒሓ።
ዩክረይን ብሰደድ ሱፍ፡ ዑፉን፡ ስርናይን ስገምን ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ኰይና፡ ፍርቂ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውድብ መግቢ ዓለም ዝተኸፋፈለ እኽሊ ኣብ ዩክረይን ዝፈረየ’ዩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሕቡራት ሃገራት ንሩስያ’ውን ዘለዋ ሕርሻዊ እትዋትን ድዅዕን ንሰደድ ንኽትልእኽ ክተሓባበራ ጸኒሑ’ዩ።
ሲንዲ ማከይን “ግድን እቲ ውዕል ክሕድስዎ ኣለዎም፡ እዚ እንተዘይገይሮም ይትረፍ ንመላእ ዓለም ነቲ ዞባ’ውን መግቢ ከነቕርበሉ ኣይክንክእልን ኢና” ኢላ።
እታ ሓላፊት፡ “ከምዝፍለጥ፡ ዩክረይን ቆፎ መላእ ኣውሮጳ እናተባሃለት’ያ እትጽዋዕ፣ እቲ ውዕል እንተዘይተሓዲሱ ከኣ ብዙሓት ሃገራት ብኸቢድ ክጽለዋ’የን፡” ኢላ።
እቲ ውዕል፡ ካብ 18 ግንቦት ን120 መዓልታት ክናዋሕ ኣፈናዊ ስምምዕ ተበጺሑ’ኳ እንተነበረ፡ ሩስያ እኽልን ድዅዕን ሰደድ ኣብ ዝገብረሉ ጸገማት የጋጥመኒ ኣሎ ብምባል ነቲ ውዕል ካብ 18 ግንቦት ከምዘይተናውሖ’ያ ተፈራርሕ ዘላ።
ላዕለዎት ሓለፍቲ ሩስያ፡ ዩክረይን፡ ቱርክን ሕቡራት ሃገራትን እቲ ውዕል ዝምልከት ንኽዛተዩ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኢስታንቡል’ኳ እንተተራኸቡ፡ ሩስያ ነቲ ዝቐረበላ እማመ ክትሰማምዓሉ ስለዘይክኣለት ግን እቲ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።
ክረምሊን ድሕሪ ምብታን እቲ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቲን ኣገዳሲ እንተዀይኑ ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ክዘራረብ ከምዝኽል’ኳ እንተገለጸ፡ ብዛዕባ እንታይ’ዮም ክዘራረቡ ግን ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ውድብ መግቢ ዓለም ሲንዲ ማከይን፡ ወድብ መግቢ ዓለም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝረኸቦ እኽሊ የከፋፍል ከምዘሎ’ኳ እንተሓበረት፡ እቲ ካብ ዩከረይን ዝርከብ እኽሊ እንተተቋሪጹ ግን እዚ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ተወሲኽዎ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ገሊጻ።
እታ ኣብ ዝሓለፈ ሓላፊት ወድብ መግቢ ዓለም ኰይና ዝተመዘዘት ሲንዲ ማከይን፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሓረስቶት እታ ሃገር ብኸቢድ ከምዝጸልዎም ብምሕባር፡ “ከምዝፍለጥ ኣብ ዩክረይን ውሑዳት ሓረስቶት ጥራይ’ዮም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝርከቡ፣ እቲ ዝበዝሐ ንሕርሻ ዝኸውን ክፋል ዩክረይን ኲናት’ዩ ዝካየደሉ ዘሎ፣ መሬት ከኣ ብነተጕቲ'ዩ ተዘሪኡ ዘሎ” ኢላ።
እታ ሓላፊት ኣስዒባ፡ “እቲ ኲናት ዋላ ሎሚ ደው እንተበለ፡ ነቲ ፈቐድኡ ተዘሪኡ ዘሎ ነተጕቲ ንምጽራይ ዓመታት ክወስድ’ዩ” ኢላ።
ሩስያ ነቲ ውዕል ንምንዋሕ ክትሰማማዕ ዘሎ ተኽእሎ ሓምሳ ሓምሳ ከምዝዀነ ዝገለጸት እዛ ሓላፊት፡ “እቲ ውዕል ክናዋሕ እንተዘይክኢሉ ኣዝዩ ዘሻቕል’ዩ” ኢላ።
ሚኒስተር ምክልኻል ቱርኪ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ካብ ዩክረይን ብመንገዲ ጸሊም ባሕሪ ዝሓልፍ እኽሊ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝተገበረ ዝርርብ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ተክኒካዊ ጉዳያት ንምዝታይ ኣርባዕተ ግዜ ኣኼባ ከካይዱ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ ኣሎ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክረይን ኦሌክሳንደር ኩብራኮቭ ብወገኑ፡ እቲ ውዕል ንነዊሕ እዋን ክናዋሕን ክሰፍሕን ጠለቦም ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ እቲ ምስ ሩስያን ኣሸማገልቲ ወገናትን ዝግበር ኣኼባ ብማንዛ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።
ሩስያ ብወገና ቅድሚ ነቲ ውዕል ንምንዋሕ ምስምማዓ ክፍጸመለይ ኣለዎ ዝበለቶ ቅድመ ጠለባት ኣቕሪባ ከምዘላ ገሊጻ ኣላ።
ገለ ካብኡ ሕርሻዊ ምህርታ ናብ ወጻኢ ክትሰድድ ክፍቐደላን፡ እቲ ብመንግዲ ወደብ ዩክረይን ብትቦ ናብ ዩክረይን ትሰዶ ዝነበረት ኣሞንያ ዳግማይ ክጅምርን ዝብል ይርከቦ።