እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን ናይ ግዛእ ርእሳ ድሮን ሃሪማ ኣውዲቓ
ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይና ኣብ ሰማያት ኬቭ ትበርር ንዝነበረት ናይ ገዛእ ርእሱ ድሮን ሃሪሙ ከምዘውደቓ ገሊጹ።
ብሓሙስ ኣብ ሰማያት ርእሰ ከተማ ዩክረይን፡ ኪቭ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ደቓይቕ ዝኸውን ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ኮይና ትበርር ንዝነበረት ድሮን ንምውቓዕ ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ብብርቱዕ ተኵሲ ከምዝተናወጸ ነበርቲ ሓቢሮም።
ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣማስይኡ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ፡ እቲ ብርቱዕ ተኵሲ ነታ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ኮይና ዝነበረት ድሮን ንምህራም ዝተተኮሰ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ መግለጺኡ እታ ባይራክተር ቲቢ2 ዩኤቢ ዝዓይነታ ድሮን፡ ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ጀሚራ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ምስ ኰነት ንምህራማ ከምዝወሰነ ኣብሪሁ።
ኣብቲ መግልጺ፡ እታ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ኮይና ዝነበረት ድሮን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ እንተወዲቓ ዓቢ ዕንወት ከተኸትል ከምእትኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ክትህረም ከምዝተወሰነት ኣብሪሁ።
ብሰንኪ እታ ድሮን ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየለ ዝሓበረ እቲ ሓይሊ ኣየር፡ ብምንታይ ምኽንያት ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ከምዝኾነት ይምርምሮ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።
ነታ ዶሮን ንምህራም ዝትኮስ ዝነበረ ከበድቲ ብረታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ብዙሓት ነበርቲ እታ ከተማ ዓቢ ስንባደ ክፈጥር ክኢሉ’ዩ።
ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ሸሪሂ ፖፕኪ፡ እታ ድሮን ምስ ተሃረመት ኣብ ሓደ ህንጻ ዓሊባ ባርዕ’ኳ ኣንተፈጠረት እቲ ባርዕ፡ ብሰራሕተኛታት ምጥፋእ ባርዕ ቀልጢፉ ከምዝጠፈአ ገሊጹ።
እዚ ክስተት ሩስያ፡ 'ዩክረይን ንፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቲን ንምቅንጻል ብረቡዕ ኣብ ክረምሊን ናይ ድሮን ደብዳብ ኣካይዳ' ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ ዘጋጥም ዘሎ።
ትማሊ ሓሙስ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ድሜትሪ ፔስኮቭ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ እዋን እቲ ናይ ዩክረይን ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ፕረዚደንት ሩስያ ቫላዳሚር ፑቲን ኣብቲ ህንጻ (ክረምሊን) ከምዘይነበረ ብምሕባር፡ እቲ መጥቃዕቲ ‘ብዘይ ጥርጥር’ ኢድ ናይ ኣሜሪካ ከምዘለዎ ከሲሱ። እንተኾነ ዝኾነ መርትዖ ከቕርብ ኣይክኣለን።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ፡ ንክሲ ሩስያ መልሲ ኣብ ዝሃበሉ “መስሓቕ ዝኾነ ክሲ” ኢሉ።
ዩክረይን ብወገና ነቲ ኣብ ልዕሊ ክረምሊን ናይ ድሮን መጥቓዕቲ ተፈጺሙ ዝብል ክሲ ሩስያ ብምንጻግ፡ ኣብቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ መጥቓዕቲ ዝኾነ ኢድ ከመይዘይብላን፡ ሩስያ ነቲ ዘሎ ኵናት ንምብእኣስ ኮነ ኢላ ዝፈብረኸቶ ከምዝኾነን ገሊጻ።