እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ክረምሊን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኢድ ከምዘይብላ ገሊጻ
ኣመሪካን ዩክረይንን ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘይብለን ኣፍሊጠን።
ሩስያ፡ ዩክረይን ብኣመሪካ ተሓጊዛ ኣብ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ሞስኮ መጥቃዕቲ ድሮን ብምፍጻም ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ክትቀትል ፈቲና ክትብል ትኸስስ።
ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብ ኪቭ ዝተወጠነ ዘይኮነ ኣብ ዋሽንግተን ዝተወጠነ'ዩ" ክብል ከሲሱ።
"ኪቭ ዝተባህለቶ ጥራይ'ያ ትገብር" ክብል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ ኣመሪካ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ዩክረይን ካብ ዶባታ ወጻኢ መጥቃዕቲ ንክትወስድ ከምዘይተተባብዕ ገሊጻ'ላ።
ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ምስ ሲ-ኤን-ኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ፐስኮቭ ዝበሎ ሓቂ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።
"ፐስኮቭ ይሕሱ ከምዘሎ እነግረካ። ማለት'ሲ፡ መስሓቕ ክሲ'ዩ። ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ] ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ዝኾነ ኢድ የብላን። እንታይ ከምዘጋጠመ'ውን ንፈልጦ የብልናን"።
"ግና ከረጋግጸልካ ዝኽእል፡ ኣመሪካ ኣብኡ ዝኾነ ግደ ኣይነበራን" ክብል ኪርቢ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ፑቲን እተን ክልተ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ክረምሊን ኣብ ዝዓነዋሉ እዋን፡ ኣብቲ ቤተመንግስቲ ከምዘይነበረ ዝገለጹ ሰብ መዚ ክረምሊን፡ ምክልኻል ኣየር ሩስያ ክልተ ድሮን ከምዝሃረመ ሓቢሮም።
ፑቲን፡ ድሕሪ'ቲ ፍጸመ፡ ንፈለማ እዋን ሎሚ ንህዝቢ ተራእዩ'ሎ።
ዩክረይን ብወገና፡ እቲ መጥቃዕትታት ሩስያ ባዕላ ዝሰርሓቶ ተዋስኦ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ክስታት ነጺጋቶ።
ኣብ ነዘርላንድስን ቤልጂምን ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሎሚ ናብ ከተማ ሄግ ብምኻድ ኣብ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ በጺሑ።
ፑቲን "ንዝገበሮ ገበናት ኣብዛ ዓለምለኻዊት ርእሰከተማ ሕጊ ክፍረድ ኣለዎ" ክብል ብምጽዋዕ፡ ብሩስያ ተፈጺሙ ንዝበሎ ቅትለት ዝርከቦ ገበናት ዘርዚሩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ቀይዲ ክኣቱ መምርሒ ምሃቡ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ሩስያን ኣብቲ ሩስያ እትቈጻጸሮ ግዝኣታት ዩክረይንን ብርክት ዝበሉ መጥቃዕትታት ድሮን ይፍጸሙ ምህላዎም ይግለጽ።
ብዛዕባ'ቲ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ካብ ዶብ ዩክረይን ከባቢ 400 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኪርየቭስክ ሓንቲ ድሮን ክምእትወርድ ክትግበር እንከላ በቲ ኣጋጣሚ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝቘሰሉ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ሩስያ ጸብጺባ።
ኣብ ለካቲት እውን ሓንቲ ድሮን ኣብ ቁሸት ጉባስቶቮ (ከባቢ 100 ኪሜ ካብ ሞስኮ) ወዲቓ። እታ ድሮን ንሲቪላዊ ትሕተቅርጺ ዕላማ ዝገበረት ምንባራ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ስእሊ እታ ዝወደቐት ድሮን ናይተን ብዩክረይን ዝፈርያ ዩጄ-22 ዝበሃላ ድሮን ይመስል።
እተን ድሮን ብገዛእ ርእሰን ክሳዕ 800 ኪሜ ርሕቐት ዝበራ'ኳ እንተዀና ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ቍጽጽር ግን ኣዝዩ ዝወሓደ ርሕቐት እየን ክጓዓዛ ዝኽእላ።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ሓደ ካብ ዶብ ዩክረይን ኣስታት 900 ኪሜ ርሒቝ ዝርከበ መደበር ኣየር መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ሰራዊት ሩስያ ሓቢሩ ነይሩ።
ካብዞም መጥቃዕትታት ግን፡ ዩክረይን ሓላፍነት ዝወሰደትሉ ሓደ’ውን የለን።
ይዅን እምበር ሰራዊት ኪቭ፡ ንሎጂስቲክ ሩስያ ምድኻም ኣካል ናይቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ መልሰ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይገልጽ።
ቢቢሲ ንጸብጻባት መራኸቢ ብዙሓን ሩስያ ብምጽናዕ፡ ካብ ፈለማ 2023 ጀሚሩ፡ ልዕሊ 20 መጥቃዕትታት ድሮን ምዃኑ ዝግለጽ ኣብ ሩስያ ወይ ሩስያ ኣብ እትቈጻጸሮ ግዝኣት ዩክረይን መዝጊቡ ኣሎ።
እቲ መጥቃዕታት መብዛሕትኡ ኣብ ዞባታት ብርያንስክን ቤልጐሮድን ሩስያ ከምኡ’ውን ሩስያ ዝጸንበረቶ ግዝኣት ክረምያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ርእሰ ከተማ ሰቫስቶፖል እዩ ተፈጺሙ።
በቲ መጥቃዕትታት ትሕተ ቅርጽታት ነዳዲ፡ መደበራት ኣየርን መገድታት ባቡርን ዕላማ ኰይኖም እዮም።
ዛጊት ኣብቲ ኲናት ድሮናት ብክልቲኡ ወገናት ኣብ ጥቕሚ ክውዕላ እንከለዋ መብዛሕትኡ ግዜ ንክትትልን ዕላማታት ንምልላይን እየን ኣገልጊለን።
ኣብ መዳይ ርሕቐት፡ ካብ ዩክረይን ዝተወንጨፋ ድሮናት ናብ ግዝኣት ሩስያ ክሳዕ ርእሰ ከተማ ሞስኮ (ካብ ዶብ ኣስታት 450 ኪሜ) ክበጽሓ ከምዝኽእላ ክኢላታት ይገልጹ።
“ዩክረይን ወላ’ኳ ሓይልታታ ነቲ መጥቃዕትታት ምፍጻሞም እንተዘየረጋገጸት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝረኣናዮም ሃንደበታዊ መጥቃዕትታት ቅድመ-ምክልኻል ዘረጋግጹልና ነገር፡ ዩክረይን ካብ ውሽጢ ግዝኣታ ናይ ነዊሕ ርሕቐት መጥቃዕትታት ዓቕሚ ከም ዘለዋ እዩ፡” ይብል ኤዲተር ኣቭየሽኒስት ዴቪድ ሰንስዮቲ።
ክኢላ ድሮናት ስቲቭ ራይት እውን፡ ካብ ውሽጢ ዩክረይን ብዝውንጨፍ ድሮን ንቤተመንግስቲ ክረምሊን ምህራም ከምዝከኣል ይገልጽ።
እንተዀነ እቲ ድሮን “ንዝበዝሐ ምክልኻል ሞስኮ ንምውጋድ ካብ ዝያዳ ቀረባ ዝዀነ ቦታ ተወንጪፉ” ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት።
ሚኒስተር ዲጂታዊ ለውጢ ዩክረይን ሚኻይሎ ፎዶሮቭ፡ ብዛዕባ ሃገሩ ዘማዕበለቶ “ካብ ኪቭ ተበጊሱ ሞስኮ በጺሑ ክምለስ ዝኽእል” ኣር18 ዝተባሃለ ድሮን ብሓበን ክዛረብ ተሰሚዑ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ መጥቃዕቲ ድሮን ክፍጸም ጸዊዕካ ንዝብል ክሲ ኣይቅበልን።
ዩክረይን ዝተፈላለዩ ዓይነት ድሮናት ብብዝሒ ከምእትጥቀም ዝገልጽ ሚስተር ሰንስዮቲ፡ ኣብቲ ኲናት፡ ባይራክተር ቲቢ2 ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሩስያ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደትን “ውጽኢታውነታ” ከምዘመስከረትን ይገልጽ።
ዩክረይን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እያ ነተን ባይራክተር ቲቢ2 ዝበሃላ ድሮን ካብ ቱርኪ ዓዲጋ።