ኢትዮጵያ፡ ነጻ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ስልጣኑ ክናዋሕ ዝቐረበ ምሕጽንታ ብዘይፍረ ተሪፉ

ወተሃደር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ስልጣን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸሙ ግህሰታት ንምጽራይ ዝቘመ መርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፡ መጻኢ ሰሙን ከብቅዕ ምዃኑ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቒፈን።

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ እቲ መርማሪ ጉጅለ እቶም ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምጽራይ ዝተዋህቦ ግዜ ንክሕደስ ክደፍኣሉ ዝቐረበ ጠለብ ኣይተቐበለኦን።

እተን ኣባል ሃገራት፡ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንዓለማዊ ጉጅለ መርመራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ይገብሩዎ ካብ ዝነበረ ቀጸዓሊ ደገፍ ንድሕሪት ከም ዘንስሓቡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

እተን ሃገራት፡ ክሳብ ትማሊ 4 ጥቅምቲ 2023 ኣብቲ 13 ጥቅምቲ ዝዛዘም ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሳንአን ከቕርባ ነይርወን።

ኲናት ትግራይ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብወግዒ እኳ ደው እንተበለ፡ እቲ ኮሚሽን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብታ ሃገር፡ ከበድቲ ግፍዕታት ሰብኣዊ መሰላት ሕዚ'ውን ይቕፅሉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ህሉው ኵነታት ኢትዮጵያ "ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ" ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ብርኪ ከምዝርከብ ገሊጹ።

ኣብታ ሃገር "ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸሙ ከበድቲ ገበናት ክቕጽሉ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ልዑል ስግኣት” ምህላው ይጠቅስ።

ከበድቲ ገበናት ዝበሃሉ፡ ከም ምጽናት ዓሌት፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸሙ ከበድቲ ገበናት ዘጠቓልሉ ምዃኖም ይሕብር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ መርማሪ ኮሚሽን፡ ኵሎም ናብዞም ገበናት እዚኦም ከምርሑ ዝኽእሉ ኵነታት ኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ካብዚኦም ቀጻልነት ዘለዎም ከበድቲ ግህሰት መሰላት፡ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፣ ዘይምርግጋእን ተሓታትነት ዘይምህላውን ክጥቀሱ ዝኽእሉ ስግኣታት እዮም ኢሉ።

ዓለምለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት (ICHREE) ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን፡ ገበናት ኲናትን ሰፋሕቲ ጾታዊ መጥቃዕታትን ከም ዝፈጸሙ ይገልጽ።

ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ትግራይ’ውን ብኸቢድ ግህሰታት መሰላት ከሲሱ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መርማሪ ጉጅለ ስልጣኑ ከይሕደስ ዝወሰዶ ውሳነ "ዘሕፍር" ክብል ተቓውምኡ ኣስሚዑ።

ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ቲራና ሓሰን፡ "ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ኮሚሽን ክኢላታት ብዘይምሕዳስ ኣህጉራዊ ምጽራይ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍጸም ከቢድ ግህሰት ዝነበሮም ሓላፍነት ገዲፎምዎ ኣለው። እዚ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተስፋኦም ኣብ ልዕሊ እዚ ኮሚሽን ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ ግዳያት ግህሰት ከቢድ ጽፍዒት'ዩ” ኢላ።

እዚ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ዝቘመ ጕጅለ ሰብሞያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ገበናት ኲናት ከም ዝተፈጸሙ ኣብ ዘውፀኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

ሕጂ’ውን ኣብታ ሃገር ዝቕጽሉ ዘለው ከበድቲ ግህሰት መሰላት፡ ሰፋሕቲ መጥቃዕታትን ንዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ዘይምህላውን "ልዑል ሓደጋ ተወሳኺ ገበናት ከንጸላሉ ገይሩ ኣሎ” ክብል ገምጊሙ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ውግእ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ'ኳ ጠጠው እንተበለ፡ ሕዚ'ውን ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ "ከበድቲ ግህሰታት” ይፍጸሙ ከም ዘለው ኣመልኪቱ።

እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ኣምሓራን ዓፋርን’ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ገበናትን ከም ዝተፈጸሙ እሙናት መረዳእታት ከምዝበፅሕዎ ኣብ'ቲ ኣብ ቀረባ ዘውፀኦ ፀብፃቡ ኣስፊሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ዛጊድ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

ቅድሚ ሕዚ ግን፡ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዝነጸጐ ይዝከር።

ኢትዮጵያ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምቛም እዚ ኮሚሽን ክትቃወሞን ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ’ዩ ክትብልን ጸኒሓ እያ።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ንዝተፈጸሙ ግህሰት መሰላት መንግስቲ ብመሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ ፍታሕ ከም ዝገብረሎም ይገልጽ።

እቲ መርማሪ ኰሚሽን ግን እዚ ሃገራዊ መስርሕ፡ ታህዋኽ ዝበዝሖ፣ ኣሳታፊ ዘይኰነን ጎደሎን ክብል ነቒፍዎ እዩ።