ክልተ ዲግሪን ልዕሊኡን ዝሓዙ፡ ሰራሕተኛታት ማሳጅ፡ ኣበጻጻሕቲ ንብረትን ዓጀብቲ ፊልምን ዝዀኑላ ዘለዉ ሃገር

ኣብ ቻይና፡ ብፊዚክስ ካልኣይ ዲግሪ ዝሓዘ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰራሕተኛ ጽገና፣ ክኢላ ስነ-ኣከባቢ ድማ ሰራሕተኛ ጽርየት፣ ፍልስፍና ዘጽንዐ ኣበጻጻሒ ንብረት [ደሊቨሪ]፣ ካብ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ሳልሳይ ዲግሪ [ፒኤችዲ] ዝተመረቐ ድማ ተሓጋጋዚ ፖሊስ ኰይኑ ክሰርሕ ምርኣይ፡ ልሙድ ዝዀነሉ ኵነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ።

እዚኦም ከም ኣብነት ኣልዒልና እምበር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ልዑል ጸቕጢ ገጢሙዎ ዘሎ ቍጠባ ብዙሓት ታሪኻት እዮም ዘለዉ።

ኣብ ቀረባ ብፋይናንስ ካልኣይ ዲግሪ ዝተመረቐ ሱን ዣን፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ናንጂንግ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ኣሳሳዪ ኰይኑ ስራሕ ክቍጸር ይዳሎ ኣሎ።

"ሕልመይ ኣብ ኢንቨስትመንት ባንክ ምስራሕ እዩ ነይሩ፡" ይብል።

እዚ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ፡ ልዑል ደሞዝ ኣብ ዝኽፈለሉ ቦታ "ብዙሕ ገንዘብ ክረክብ" ተስፋ ገይሩ'ኳ እንተ ነበረ፡ "ከምዚ ዝበለ ስራሕ ደልየ ግን ኣይረኸብኩን፡" ኢሉ።

ኣብ ቻይና፡ ዓመታዊ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተመሃሮ ካብ ዩኒቨርሲቲ ይምረቑ።

እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ዓውድታት ነዚኦም ዝኸውን እኹል ስራሕ የሎን።

ኣገደስቲ ዓንዲታት ቍጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝዀኑ ዓውድታት ሪልስቴትን ማኑፋክቸሪንግን ሓዊሱ ምዝሕሓል ተራእዩ፣ ወይ ድማ ደው ኢሎም ኣለዉ።

ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ብ20 ሚእታዊት ወሲኹ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 2024፡ 18.8 ሚእታዊት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ሕዳር ከኣ ናብ 16.1 ሚእታዊት ወሪዱ ነይሩ።

ብዙሓት በቲ ዝተመረቕሉ ዓውዲ ስራሕ ንምርካብ ዝተጸገሙ ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ፡ ሕጂ ካብቲ ክእለቶምን ብቕዓቶምን ኣዝዩ ትሑት ዝዀነ ዕዮታት ክሰርሑ ይግደዱ ኣለዉ።

እዚ ድማ፡ ካብ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ነቐፌታታት የስዕበሎም ኣሎ።

ሱን ዣን ኣሳሳዪ ምስ ኰነ ወለዱ ኣይተሓጐሱን።

"ስድራይ ዝብሉዎ ንዓይ ዓብዪ ስክፍታ'ዩ ዝፈጥረለይ። ደሓር ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጽቡቕ ቤት ትምህርቲ'ዮም ኣምሂሮምኒ፡" ይብል።

ስድራኡ ብናይ ስራሕ ምርጫኡ ከም ዝሓፍሩን ሰራሕተኛ መንግስቲ ወይ ብዓል ስልጣን ክኸውን ክፍትን ከም ዝመርጹን ይዛረብ።

እንተዀነ፡ "እዚ ናተይ ምርጫ'ዩ፡" ይብል።

ሱን፡ ኣብ ልቡ ዝሓስቦ ካልእ ነገር ኣሎ።

ኣሳሳዪ ኰይኑ እናሰርሐ፡ ናይ ባዕሉ ቤት-መግቢ ንምኽፋት ይሕልን።

ሓሳብ ልቡ እንተ ሰሚርሉ፡ ነቐፌታ ስድራኡ ክቕየር'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

"ኣብ ቻይና ዘሎ ኵነታት ስራሕ ብሓቂ በዳሂ'ዩ፣ ስለዚ፡ ብዙሓት መንእሰያት ትጽቢታቶም ከስተኻኽሉ ዘለዎም እመስለኒ፡" ትብል ኣብ ከተማ ሆንግ ኮንግ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ዝዀነት ዣንግ ጁን።

ብዙሓት ተመሃሮ ዝሓሸ ተስፋ ንኽህልዎም ዝለዓለ ዲግሪ ይደልዩ ከም ዘለዉን፡ እቲ ክውንነት ግን ዘይቃዶ ኰይኑ ይጸንሖም ከም ዘሎን ትዛረብ።

ብምኽንያት ስፖርት ንዝበጽሑ ኣካላዊ መጕዳእትታት ኣገልግሎት ማሳጅ ኣብ ዝህብ ክሊኒክ ትላመድ ዘላ ጓል 29 ዓመት ው ዳን፡ "ስራሕ ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡" ኢላ።

"ማስተርስ ዲግሪ ክመሃር እንከለኹ መማህርተይ ዝነበሩ፡ ንመጀመርታ ግዜኦም ስራሕ ደልዮም ምስ ወጽኡ፡ ንኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ'ዩ ተሳኺዑሎም፡" ትብል።

ንሳ'ውን እንተዀነ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ሆንግ ኮንግ ብፋይናንስ ዲግሪ ምስ ረኸበት፡ መወዳእታይ ከምዚ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝርከብ ኣብ ፍርያት ሕርሻ ኣብ ዝነጥፍ ትካል ትሰርሕ ነይራ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ትምህርታ ምስ ወድአት ናብ ቻይና ክትምለስ እንከላ፡ ኣብ ናይ ግሊ ትካል ክትሰርሕ ተመዓዱ ነይራ።

ግን ድማ በቲ ገሊኦም ዘቕረቡላ ኵነታት ደሞዝ ኣይተሓጐሰትን።

ኵሉ ነገር ገዲፋ ድማ ኣብ ሕክምና ስፖርት ስልጠና ክትወስድ ጀሚራ፣ እዚ ግን ስድራኣ ኣይተቐበሉዎን።

"ቅድሚ ሕጂ ጽቡቕ ስራሕ ከም ዝነበረኒ፡ እቲ ደረጃ ትምህርተይ ጽቡቕ ስራሕ ከም ዘምጽኣለይ እዮም ዝሓስቡ። ውሑድ ገንዘብን ትሑት ክእለትን ኣብ ዝሓትት ናይ ጕልበት ስራሕ ዝሰርሓሉ ዘለኹ ምኽንያት ኣይተረድኦምን።"

መጻምድታ ገዛ እንተ ዘይህልዎ ነይሩ፡ እትነብረሉ ቦታ'ውን ክትጽገም ከም እትኽእል እያ ትዛረብ።

ቻይናውያን ተመረቕቲ፡ "ጽቡቕ ቦታ" ተባሂሉ ክውሰድ ዝኽእል ነገር፡ ዝነበሮም ኣረኣእያ ክቕይሩ ይግደዱ ከም ዘለዉ ፕሮፌሰር ዣንግ ትዛረብ።

ኣብቲ ንመንእሰያት "ምልክት መጠንቀቕታ" ተባሂሉ ክውሰድ ዝኽእል ብዙሓት ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያታት ሓዊሱ፡ ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣባሪረን እየን ኢላ።

ብተወሳኺ፡ ዓበይቲ ኣስራሕቲ ኣብ ሓደ እዋን ብብዝሒ ተመረቕቲ ይቘጽሩ ነይሮም።

ሕጂ ግን ነዞም ተመረቕቲ ኣዝዩ ትሑት ኵነታት ስራሕ የቕርቡ ከም ዘለዉን ኣብዞም ዓውድታት ዝነበሩ ጽቡቓት ዕድላት ጠቕሊሎም ይጠፍኡ ምህላዎምን ትዛረብ።

ኣብ መጻኢ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ክሳብ ዝፈልጡ፡ ስራሕ ኣልቦ ተመረቕቲ ናብ ኢንዱስትሪ ፊልምን ተሌቪዥንን ይኣትዉ ኣለዉ።

ብገዚፍ ባጀት ዝስርሑ ፊልምታት ብዙሓት ዓጀብቲ ተዋሳእቲ ከም ዝደልዩ ይፍለጥ።

ኣብታ ካብ ሻንጋይ ንደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ፍልጥቲ ናይ ፊልም ከተማ ሄንግዲያን ድማ ስራሕ ተዋስኦ ዝደልዩ ብዙሓት መንእሰያት ኣለዉ።

ብኤለክትሮኒክስ ኢንፎርሜሽን ኢንጅነሪንግ ዝተመረቐ ው ዢንጋይ ኣብቲ ዝሳተፈሉ ዘሎ ፊልም ዝዛረቦ ቃላት እኳ እንተ ዘይሃለወ፡ ኣብ ጐድኒ መሪሕ ተዋሳኢ ኰይኑ ከም ዋርድያ ብምስርሑ ሕጉስ እዩ።

እዚ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ፡ ደረጃ ትምህርቱ ዘይኰነ መልክዑ ነዚ ስራሕ ክረክብ ከም ዝሓገዞ ይዛረብ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ናብ ሄንግድያን መጺኦም ንሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ከም ዝሰርሑ ይዛረብ።

እዚ ንዕኡ ግዝያዊ ስራሕ እዩ።

"ብዙሕ ገንዘብ ኣይረክብን እየ፣ ግን ናጻ እየ።"

ብምድላው ፊልምን ምጽሓፍ ጽሑፍ-ፊልምን ዝተመረቐን ብዓጃቢ ተዋሳኢ ስራሕ ዝደሊ ዘሎን ሊ፡ "ኣብ ቻይና ዘሎ ኵነታት እዚ'ዩ ሓቀይ? ኣብታ ዝተመረቕካላ ህሞት ስራሕ ኣልቦ ትኸውን፡" ኢሉ።

"ገና ንእሽቶ ከለኹ ስራሕ ክደሊ እየ ናብዚ መጺአ። ምስ ዓበኹ ርጉእ ስራሕ ክረክብ እየ።"

ብዙሓት ግን ጽቡቕ ስራሕ ኣይንረክብን ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ቍጠባ ቻይና ኣንፈቱ ናበይ ከም ዘምርሕ ኣይፈልጡዎን።

ዉ ዳን፡ እቶም ተቘጺሮም ዘለዉ መሓዙታ ከይተረፉ ኣብ ክንዲ ሩፍታ ስግኣት ከም ዝንጸባረቘም ትገልጽ።

"ኣዝዮም ተደናጊሮም እዮም ዘለዉ። መጻኢ ዘይንጹር ኰይኑ ይስምዖም። እቶም ስራሕ ዘለዎም ዕጉባት ኣይኰኑን። ኣብቲ ዘለውዎ ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸንሑ ኣይፈልጡን እዮም። እቲ ሕጂ ዘለዎም ስራሕ እንተ ስኢኖሞ ድማ ካልእ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?"