ምስ ሰራዊት ዩክረይን ተሰሊፉ ክዋጋእ ዝጸንሐ እንግሊዛዊ ወተሃደር ተማሪኹ

ምስ ዩክረይን ተሰሊፉ ኣንጻር ሩስያ ዝተዋግአ እንግሊዛዊ ብሓይልታት ሩስያ ከምዝተማረኸ ጸብጻባት የመልክቱ።
እቲ ወዲ 22 ዓመት ወተሃደር እንግሊዝ ከምዝነበረ ዝገልጽ ጀምስ ስኮት ራይስ ኣንደርሰን፡ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ተራእዩ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ታስ፡ ንሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ፡ እቲ “ዕሱብ ዓባይ ብሪጣንያ" ኢሉ ዝጸውዖ ወተሃደር፡ ኩርስክ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢታት ሩስያ’ዩ ተማሪኹ።
እቲ ዝተማረኸሉ ቦታ ዩክረይን ኣብ ነሓሰ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንደሓር ኣብ ቍጽጽራ ኣእትያቶ ካብ ዝነበረት ግዝኣታት ሩስያ እዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ "ንስድራቤት እቲ እንግሊዛዊ ወተሃደር ይድግፍ ከምዘሎ" ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቴሌግራም ዝተለጠፈ ቪድዮ፡ ኣንደርሰን፡ ካብ 2019 ክሳብ 2023 ኣብ ሰራዊት እንግሊዝ ወተሃደር ኰይኑ ብውልቁ ከምዘገልገለ ብድሕሪ ካሜራ ኰይኑ ንዝሓቶ ሰብ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ስራሕ ምስ ሰኣነን ብዛዕባ እቲ ኲናት ኣብ ተሌቪዥን ሓበሬታ ምስረኸበን ናብቲ ብወጻእተኛታት ዝቘመ ወተሃደራዊ ኣሃዱ ከምዝተጸንበረ ይዛረብ።
እቲ ኢንግሊዛዊ ምሩኽ ወተሃደር ካብ ሉተን ናብ ክራኮቭ ብነፋሪት ከምዝበረረን ካብኡ ድማ ብኣውቶቡስ ናብ ዶብ ዩክረይን ከምዝተጓዕዘን ይዛረብ።
ዩክረይን ብ6 ነሓሰ ናብ ኩርስክ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ክሳብ 29 ኪሎ ሜተር ገስጊሳ ኣስታት 1000 ትርብዒት ኪሎሜተር መሬት ሩስያ ተቘጻጺራ።
ሩስያ ናብቲ ዞባ ኣስታት 50 ሽሕ ወተሃደራት ዘዋፈረት ኰይና፡ ኣብ መንጐ እቲ ዝካየድ ዘሎ ብርቱዕ ውግእ ዝተወሰዳ ግዝኣት ከተምልስ ጀሚራ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







