እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቀ'ንስትዮ ዓይንኻ ዘንቍሑ ኣርባዕተ ሓቅታት
ደቀንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ርኡይ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣርእየን እየን።
ኣብ መረጻ ናይ ምስታፍ መሰል ረኺበን፤ ዳርጋ ኣብ ኵለን ሃገራት ድማ ኣባላት ባይቶ ክኣትዋ ክኢለን እየን።
ይኹን'ምበር ብፍላይ ኣብ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት፡ ሕጂ'ዉን ትሑት ውክልና እዩ ዘለወን።
ኣብ ፖለቲካ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ክሳብ ሕጂ ምናልባሽ ዘይትፈልጡዎም፡ ኣርባዕተ ሓቅታት እነሆ።
1. ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይ ምምራጽ መሰል ረኺበን
ክሳብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ውሑዳት ደቀንስትዮ ጥራይ'የን ናይ ምምራጽ መሰል ዝነበረን።
ኣብ መወዳእታ እቲ ክፍለ ዘመን ግን ኵሉ ተቐይሩ፤ ቍጽሪ ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብለን ደቀንስትዮ ጐዲሉ።
ገለ ሃገራት ኣብዚ ክፍለ ዘመን ክስዕባ ጀሚረን ኣለዋ።
እታ ናይ መወዳእታ ነዚ ዘፍቀደት ሃገር ስዑዲ ዓረብ ኰይና፡ ኣብ 2015 ኣብ ከባብያዊ መረፃ ደቀንስትዮ መሰል ምምራጽ ክህልወን ገይራ።
ኣብታ ሃገር ሃገራዊ መረጻ ኣይካየድን'ዩ።
ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝርከባ ደቀ'ንስትዮ ሕጋዊ ናይ ምምራጽ መሰል ኣለወን ማለት እዩ።
ይኹን'ምበር ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጣሊባን እትርከብ ኣፍጋኒስታን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ከልኪላ ኣላ።
"ደቀ'ንስትዮ ኣፍጋኒስታን፡ ቅድሚ ልዕሊ 100 ዓመት'የን ናይ ምምራጽ መሰል ረኺበን። ሕጂ ግን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጣሊባን፡ ካብ ፖለቲካዊ ህይወት ብወግዒ ተኣልየን ኣለዋ፡" ይብል ቤት ጽሕፈት ደቀ'ንስትዮ ሕቡራት ሃገራት።
ወሲዅ፡ "ኣብዚ እዋን ብደረጃ ሃገር ይዅን ዞባዊ ምምሕዳራት ዝዀነ ርኡይ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘለዋ ኣፍጋኒስታናዊት ጓለ'ንስተይቲ የላን፡" ኢሉ።
ክሳብ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ንደቂ ተባዕትዮ ዝተዋህበ ኣድማሳዊ መሰል ምምራጽ'ዉን ሳሕቲ እዩ ነይሩ።
ኣብ ገለ ሃገራት ግን መሰል ምምራጽ እናረኸቡ ምስ ከዱ፡ ደቀንስትዮ ብዓቢኡ ተገሊለን ጸኒሐን።
ኒውዚላንድ ኣብ 1893 ንደቀ'ንስትዮ ምሉእ መሰል ምምራጽ ዝሃበት ፈላመይቲ ሃገር ኰይና፡ ዋላ እኳ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ እንተነበረት ባዕላ ምምሕዳር ጀሚራ ነይራ።
ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ ሲሶ ሃገራት፡ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ምምራጽ መሰል ክረኽቡ እንከለዉ፡ እዚ ንደቀ'ንስትዮ ካብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣብታ ሓንቲ ጥራይ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ትካል መረዳእታ ዓለምለኻዊ ለውጢ፡ መሪሕ ፕሮጀክት ዝዀነ ባስቲያን ሄረ "እቲ ክፍተት ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ዝነበሩ ዓሰርተታት ዓመታት ብቕልጡፍ ተዓጽዩ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝግበር ዝነበረ ኣድልዎ መሰል ምምራጽ ኣብቂዑ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ድማ መሰል ምምራጽ ረኺበን፡" ኢሉ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ መሰል ምምራጽ ደቀንስትዮ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣታተወ እዩ።
ኣብ ገለ ካልኦት ሃገራት፡ ብዘገርም መገዲ እቲ ገደባት ንነዊሕ እዋን ጸኒሑ፡ኣብ ኣመሪካ ብዙሓት ጸለምቲ ደቀንስትዮ (ደቂ ተባዕትዮን) ክሳብ 1965 መሰል ምምራጽ ክኽልከላ እንከለዋ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ክሳብ'ቲ ኣብ 1971 ዓ.ም ዝተኻየደ ፌደራላዊ መረፃ ደቀ'ንስትዮ ድምጸን ክህባ መሰል ኣይነበረን።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ጸለምቲ ደቀንስትዮ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1993 ድምጸን ክህባ ተፈቒዱለን።
"ኣብ ገለ ሃገራት ወይ ዞባታት፡ ደቀንስትዮ ሕጋዊ ናይ ምድማጽ መሰል ኣለወን፡ እንተዀነ ብሕብረተሰባዊ ስርዓታት፡ ኣብ መረፃ ብዝፍጸም ምግፋዕን ዓመጽን ወይ ድማ ብጸቕጢ ሰብኡተን ይኽልከላ፡" ይብል ዘይመንግስታዊ ትካል ወርልድ ፖፑሌሽን ሪቪው።
ግብጺ መረጽቲ መለለዪ መንነቶም ከርእዩ ዝጠልብ ሕጊ ከም ዘለዋ ይሕብር።
ደቀ'ንስትዮ ግን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብዝተፈለየ ሕጋዊ መለለዪ መንነት ናይ ምርካብ ተኽእሎአን ኣዝዩ ትሑት እዩ፤ እንተሃልየን ድማ ብሰብኡተን እዩ ዝትሓዝ ይብል።
እዚ ድማ፡ ሰብኡት፡ እተን ደቀ'ንስትዮ ክመርጻ ድየን ኣይመርጻን ዝብል ናይ ምቍጽጻር ስልጣን ይህቦም።
2. ኣብ ባይቶ ኣብ 3 ሃገራት ጥራይ'የን ዝበዝሐ ድምጺ ዘለወን
ክሳብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፡ ደቀንስትዮ ካብ ሃገራዊ ባይቶታት ምሉእ ብምሉእ ይግለላ ከም ዝነበራ ኣብ ሽወደን ዝመደበሩ ፕሮጀክት ቫይረይቲስ ኦፍ ዲሞክራሲ (V-Dem) ይሕብር።
ፊንላንድ፡ ኣብ 1907 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ደቀንስትዮ ኣባላት ባይቶ ዝመረጸት ሃገር እያ።
ብደረጃ ዓለም፡ ድሕሪኡ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ቀስ ብቐስ'ኳ እንተወሰኸ፡ ኣብ መወዳእታ መበል 20ን መጀመርታ መበል 21ን ክፍለ ዘመን ግን ልዑል ናህሪ ኣርእዩ።
ኣብ 2008 ዓ.ም፡ ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ኣባላት ባይቶ ኰይነን ተመሪጸን።
ሎሚ ካብ 193 ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት፡ ሩዋንዳ፣ ኵባን ኒካራጓን፡ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ጥራይ እዩ ደቀንስትዮ ልዕሊ 50% መናብር ባይቶ ሒዘን ዘለዋ።
ብመሰረት ጸብጻብ መዐቀኒ ሓይሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካልኦት ሰለስተ ሃገራት፡ ሜክሲኮ፣ ኣንዶራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ኣብ ሓጋጊ ባይቶአን 50/50 ጾታዊ መቐሎ ኣርእየን ኣለዋ።
"ካብዘን ላዕለዎት ሽዱሽተ ሃገራት፡ እተን ሓሙሽተ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶአን ዝለዓለ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ንምድንፋዕ ግብራዊ ዝዀነ ገለ ሕጋዊ ኰታ ኣለወን፡" ትብል ሰራሕተኛ መዐቀኒ ሓይሊ ደቀንስትዮ ኖኤል ጀምስ።
ኣብዚ፡ ኵባ ጥራይ'ያ ነዚ መስርሕ ዘይብላ።
ባይቶ ኢማራት ዓረብ ብሕጊ 50 ሚእታዊት ደቀንስትዮ ክሕዝኦ ኣለወን ክብል እንከሎ፡ ፍርቀን ዝተመርጻ ፍርቂ ድማ ብመንግስቲ ዝተመዘዛ እየን።
ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ድማ ኣስታት ፍርቂ ዜጋታት እታ ሃገር ጥራይ እዮም ድምጾም ክህቡ መሰል ዝነበሮም።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ መረጻ ክሳተፋ ዝደልያ ደቀ'ንስትዮ ብድሆታት የጋጥመን ከም ዘሎ ይሕብር።
"ጐዳእቲ ልምዲታትን ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻትን ፡ ንፖለቲካዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ይዕንቅፉ'ዮም፤ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝረአ ጽልዋታት ድማ 'ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝናአሰ ብቕዓት ኣለዎን' ዝብል ሓሳብ ዘቐጽል'ዩ፡" ይብል።
ፖለቲካዊ ውድባት'ዉን መብዛሕትኡ ግዜ ደቀ'ንስትዮ ሕጹያት ገይረን ኣይመርጻን።
ብተወሳኺ መብዛሕትኡ ግዜ "ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ፖለቲካዊ ደገፍን" ከም ዘይረኽባ ይሕብር።
እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት፡ ካብ ፖለቲካ ከርሕቐን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሸሞንተ ሃገራት ኣብ ሃገራዊ ሓጋጊ ባይቶአን ፈጺመን ደቂ ኣንስትዮ የብለንን፤ እዚአን ድማ ኣፍጋኒስታን፣ ኣዘርባጃን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሃንጋሪ፣ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፣ ቫኑዋቱ፣ የመንን ቱቫሉን እየን።
3. ትሕቲ 15 ሚእታዊት ህዝቢ ብደቀንስትዮ ይምራሕ
ክሳብ ሓደ ታሕሳስ 2024፡ ካብ 193 ሃገራት እተን 26 ጥራይ እየን ጓል ኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ወይ መንግስቲ ዝነበረን።
እዚ ድማ ትሕቲ 15 ሚእታዊት ካብ ሃገራት ዓለም ምዃኑ መዐቀኒ ሓይሊ ደቀንስትዮ ይሕብር።
ከምኡ'ውን ደቀንስትዮ፡ ኣብ 15 ሃገራት ጥራይ'የን ፍርቂ ወይ ልዕሊኡ ጽፍሕታት መንግስቲ ሒዘን ዝርከባ።
4. ካብ 1946 ጀሚሩ 80 ሃገራት ጓለንስተይቲ መራሒት ነይሩወን
ካብ 1946 ጀሚሩ፡ 80 ሃገራት፡ ብግምት 40 ሚእታዊት ጓለንስተይቲ መራሒት ሃገር ወይ መንግስቲ ከም ዝነበርን መዐቀኒ ሓይሊ ደቂ ኣንስትዮ የመልክት።
እዚአን ኵለን፡ ክሳብ ኣብ ሲሪላንካ፡ ሲሪማቮ ባንዳራናይከ ኣብ 1960 ኣብ ዓለም ፈላመይቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸት ጓለንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኰይና እትምረጽ፡ ስልጣን ካብ ንጕሳውያን ስድራቤት ዝወርሳ እየን ነይረን።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ትካል መረዳእታ ዓለምለኻዊ ለውጢ፡ መሪሕ ፕሮጀክት ዝዀነ ባስቲያን ሄረ፡ "ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ሓንቲ ጓለንስተይቲ ከም ዋና ፈጻሚት ስራሕ ሒዘን ኣለዋ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ብዲሞክራስያውያን ሃገራት ዝመጽአ ዝንባለ'ዩ፡" ይብል።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ደቀንስትዮ ብቝጽሪ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣዝየን ይበዝሓ ኣለዋ።
"ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ዳርጋ ኵሎም ቀንዲ ሓለፍቲ ፖለቲካ፡ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ነይሮም፡" ኢሉ።
ውክልና ደቀንስትዮ ስለ ምንታይ ኣገዳሲ ይኸዉን?
ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ምህላወን ኣወንታዊ ለውጢ ከም ዝመጽእ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ኣብ 2021 ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ቦልደር ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ሃገራዊ ሓጋጊ ኣካላት ዝያዳ ጽልዋ ምስ ዝህልወን፡ ሃገራት ኣብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዝያዳ ወፍሪ ክገብራ ይኽእላ።
ብተመሳሳሊ ኣብ 2020 ኣብ ኬምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከቡ ሓጋጊ ኣካላት ኣፍሪቃ፡ ቍጽሪ ደቀንስትዮ እናወሰኸ ምምጽኡ ምስ ምውሳኽ ወጻኢታት ክንክን ጥዕናን ምጕዳል ሞት ህጻናትን ዕሸላትን ከም ዝትሕሓዝ ጠቒሱ።
ከምኡ'ውን ኣብ 2019፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ከርቲን ኣውስትራልያ፡ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ባይቶታት ዝሓየለ ፖሊሲታት ክሊማ ከም ዝሓንጸጻ ገሊጾም።
ይኹን እምበር፡ ደቀንስትዮ ምምራጽ ነዚ ውጽኢት ውሕስነት ከም ዘይህብ ተገንዝብ።
ኩለን ደቀ'ንስትዮ፡ ሓደ ከም ዘይኰና ትምጕት፤ ኵለን ንጾታዊ ማዕርነት፣ ሰላም ወይ ምትሕብባር ይድግፋ ማለት ኣይኰነን።