እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታሪኽ ዝሰርሐት ጸገም ምስማዕ ዘለዋ ጠበቓ
ጸገም ምስማዕ (ጽምመት) ዘለዋ ሳራ ሳኒ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ ብሓደ ተግባር ታሪኽ ኣመዝጊባ።
እታ ጓል 27 ዓመት ጠበቓ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንፈለማ እዋን ተርጓሚ ቋንቋ ምልክት ኣብ ክትዕ ክሕግዛ ድሕሪ ምፍቃዱ እያ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ዳኛ ዲ.ዋይ ቻንድራቹድ ብምቕራብ ታሪኽ ሰሪሓ።
ብ6 ጥቅምቲ ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ሳኒ ተርጓሚ ሸይሙላ፤ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ መጀመርታ ኰይኑ’ሎ።
ሳኒ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምህላዋ፡ ስርዓተ ሕጊ ህንዲ ዝያዳ ንዅሉ ዝሓቍፍን ንጠለባት ማሕበረሰብ ጽሙማን ዘተኣናግድን ክኸውን ከምዝሕግዝ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።
ላዕለወይቲ ጠበቓ ሜናካ ጉሩስዋሚ "ናይ ብሓቂ ታሪኻውን ኣገዳስን" ኣጋጣሚ ክትብል ነቲ ኵነታተት ትገልፆ።
ነባሪት ደቡባዊት ከተማ ቤንጋሉሩ (ናይ ቀደም ባንግሎር) ዝኾነት ሳኒ፡ ንኽልተ ዓመት ኣብ ሕጊ ክትሰርሕ ዝፀንሐት ኮይና፡ ኣብ ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ እታ ከተማ ግን ተርጓሚ ቋንቋ ክትጥቀም ኣይፍቀደላን ነይሩ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ዳያኑ ሕጋዊ ኣገላልጻ ንምርዳእ ዘኽእል ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዘይህልዎም ብምግላፆም’ዩ። ስለዚ ሞጎታ ብጽሑፍ እያ እተቕርብ ነይራ።
እታ ምስማዕ እትጽገም ጠበቓ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን ዝትርጉመላ ዝነበረ ሳውራቭ፡ ሕጊ ዘይተማህረ ኰይኑ፡ ንጠበቓታትን ተምሃሮ ሕግን ናይ ምትርጓም ተመኵሮ ግን ኣለዎ።
ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብ ክልተ ጉዳያት ንጽሙማን ጠበቓታት ብትርጕም ንምሕጋዝ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደልሂ ቀሪቡ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሕጋዊ ኣገላልጻታት ዝሰልጠነ ዝዀነ ህንዳዊ ተርጓሚ ቋንቋ ምልክት የለን።
ሳኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ በቲ በጺሓትሉ ዘላ ደረጃ ከም እትሕበን ብምግላጽ "ነቶም ክሰምዑ ዘይክእሉ ሰባት ኣነ ክገብሮ እንተኽኢለ ንሳቶም እውን ክገብርዎ ከምዝኽእሉ ከርእዮም እደሊ" ኢላ።
ኣብ ቤንጋሉር ተወሊዳ ዝዓበየት ሳኒ፡ ፍላይ ማንታኣ ዝዀነት ማርያን ሓዋ ፕራቲክ ኩሩቪላን እውን ጽሙማን እዮም። ሓዋ ኩሩቪላ ኣብ ኣሜሪካ መሃንድስ ሶፍትዌር ክኸውን ከሎ ሕጂ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ብመምህርነት ይሰርሕ። ማርያ ድማ በዓልቲ ሞያ ሕሳብ እያ።
ወለዶም፡ ደቆም ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ቈልዑ ክመሃሩ ኣይደለዩን ነይሮም። ነቶም ሰለስተ ኣሕዋት ክወስዶም ፍቓደኛ ዝኾነ ትካል ምርካብ ከቢድ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ንዓኣቶም ዝምጥን ቦታ ተረኺቡ።
ሳኒ ኣብ ክፍሊ ምንቅስቓስ ከንፈር ብምንባብን ብሓገዝ መሓዙታን እያ ትመሃር ነይራ። "ካልኦት ዘላግጹለይ እውን ነይሮም እዮም ግን ኵሉ ግዜ ምስኦም ይካታዕ ነይረ" ትብል።
ቀጺላ ኣብ ቤንጋሉር ኣብ ዝርከብ ኮለጅ ቅዱስ ዮሴፍ ሕጊ ተማሂራ። ኣደኣ ድማ ኣብ እዋን ትምህርቲ ትሕግዛ ነበረት፤ ካብ ሓንቲ ዓርካን ኣሕዋታን እውን ደገፍ ከምዝረኸበት ትዛረብ።
ወለዳ ንሰለስቲኦም ደቆም ብማዕረ ስለዝናበይዎምን "ኣብ ማዕርነት ስለዝኣምኑ ኣብ ንቡር ቤት ትምህርቲ ስለ ዘእተዉዎምን" ተመስግኖም።
ኣስዒባ "እዚ እዩ ሕልመይ ክስዕብ ርእሰ ተኣማንነት ዝሃበኒ" ትብል።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ጽሙማን ብሰንኪ ምግላልን ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ተርጐምቲ ዘይምህላዎምን መብዛሕትኡ ግዜ ሞያ ሕጊ ክመሃሩ ከምዘይክእሉ ክኢላታት ይዛረቡ።
ኣብ መስከረም፡ ካልእ ዓይነ ስዉር ጠበቓ ክልተ ክኢላታት ቋንቋ ምልክት (እቲ ሓደ ንጠበቓታት እቲ ካልኣይ ድማ ንደያኑ) ክቐርቡ ድሕሪ ምሕታቱ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ተርጐምቲ ምሻም ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ነቶም ተርጐምቲ ዝኸውን ፕሮቶኮላት ክሕንጽጽ ንማሕበር ተርጐምቲ ቋንቋ ምልክት ህንዲ ሓቲቱ።
ምስ ሳኒ እትሰርሕ ጠበቓ ሳንቺታ ኣይን፡ ክኢላታት ነቶም ጽሙማን ጠበቓታትን ተማጐትቲን ዝሕግዝ ሕጋዊ ኣገላልጻታት ብቋንቋ ምልክት ህንዲ ንምፍጣር እውን ይጽዕሩ ከምዘለዉ ትሕብር።
ንሳኒ ዝሕግዛ ሮይቾውዱሪ ዝተባህለ ተርጓሚ፡ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ "ጽሙማን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለዎም ክግንዘቡ" ከምዝኽእል ገሊጹ’ሎ።
ንሱ "ብመሰረት ቆጸራ ህዝቢ 2011 ኣብ ህንዲ 18 ሚልዮን ጽሙማን ወይ ጸገም ምስማዕ ዘለዎም ሰባት ነይሮም። ጽሙማን ንመሰሎም ተበጻሕነት ንኽረኽቡ ኣብ ቋንቋ ምልክት ትዅረት ምግባር ጽቡቕ'ዩ" ይብል።
ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝያዳ ተርጐምቲ ክህልዉ ኣብ ዝጥለብ ድማ ዝያዳ ዕድል ስራሕ ከም ዝኸፍተሎም ወሲኹ ኣረዲኡ።
ካብ እትውለድ ኣትሒዛ ምስማዕ እትጽገም ኣብ ሓደ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ (ኣይ.ቲ) ኩባንያ እትሰርሕን ራንጂኒ ራማኑጃም፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ዝወሰዶ ስጕምቲ "ባርኾት"ን "መሰናኽል ዘወግድን" ኢላቶ’ላ።
ወሲኻ፡ "እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ንጽሙማን ድምጺ ኰይኑ’ሎ። ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት እውን ክስዕባኦ ዝግባእ ኣብነት እዩ ኣንቢሩ" ክትብል ተዛሪባ።