እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"በጃኹም ርድኡና"- ካብ ኣመሪካ ዝተሰጉ ስደተኛታት
ክልተ ኣዋልድ ኣብ ፓናማ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ብመስኰት ተቐልቂለን፡ "በጃኹም ርድኡና፡" ዝብል ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ጽሑፍ ሓፍ ኣቢለን ይርኣያ።
እቲ ሆቴል ንዓማዊሉ ናብ ባሕሪ ዘማዕዱ ክፍልታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ክልተ ፍሉይ ቤት-መግቢ፣ መሐንበሲ፣ ስፓን ናይ ብሕቲ መጓዓዝያን ኣለዎ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ግና መዕቈቢ ናይቶም ካብ ኣመሪካ ዝተሰጉ 299 ስደተኛታት "ግዝያዊ መዳጐኒ" ኰይኑ የገልግል ከም ዘሎ፡ መንግስቲ ፓናማ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ።
ሓድሓደ ስደተኛታት ሓርነቶም ከም ዝተሓረሙ ንምምልካት ቅልጽሞም ኣልዒሎም X [ናይ ተቓውሞ መእልክት] ይሰርሑ።
ካልኦት ድማ፡ "ኣብ ሃገርና ውሕስነት የብልናን፡" ዝብሉ መልእኽታት ዝሓዘሉ ንኣሽቱ ምልክታት ይሰቕሉ።
እዞም ስደተኛታት ግዳይ ምምሕዳር ትራምፕ እዮም፤ ሰነዳት ዘይብሎም ሰባት ካብ ኣመሪካ ምስጓግ ዝብል ፖሊሲኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዮም ብሰለስተ በረራታት ናብ ፓናማ ኣትዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፕረዚደንት ጆሴ ራውል ሙሊኖ፡ ሃገሩ ነቶም ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ሰባት "ድንድል" ሃገር ክትከውን ምስ ኣመሪካ ተሰማሚዑ።
እንተዀነ፡ ካብቶም 299 ስደተኛታት (ህንዳውያን፣ ቻይናውያን፣ ኡዝቤኪስታናውያን፣ ኢራናውያን፣ ቬትናማውያን፣ ቱርካውያን፣ ኔፓላውያን፣ ፓኪስታናውያን፣ ኣፍጋናውያንን ስሪላንካውያን) እቶም 171 ጥራሕ እዮም ናብ መበቈል ሃገሮም ክምለሱ ተሰማሚዖም።
እቶም ዝተረፉ ኣብ ዘይንጹር መጻኢ ይርከቡ።
ጸብጻብ መንግስቲ ማናማ ከም ዝሕብሮ፡ ነዞም ሰባት ኣብ ኣውራጃ ዳርየን ናብ ዝርከብ መዓስከር ከሰጋግሮም እዩ።
እዚ መዓስከር'ዚ፡ ናብ ኣመሪካ ዝሰግሩ ስደተኛታት ነቲ ጫካ ቅድሚ ምስጋሮም ንግዜኡ ዘዕርፉሉ እዩ።
እቲ ሆቴል. . .
ኣብ ንቡር እዋን፡ በጻሕተኛታት ናብቲ ሆቴል ብቐሊሉ ክኣትዉን ክወጽኡን ይኽእሉ እዮም።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ግና ኣባላት ሓይሊ ኣየርን ባሕርን ፓናማ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ኰይኖም ነቲ ህንጻ ብጽኑዕ ይሕልውዎ ኣለዉ።
ኣብቲ ጐደና ኴንካ ናብቲ ሆቴል ከተማዕዱ ከለኻ ኣብ መስኰት ዝተሓጽቡ ነገራት ይርኣዩ። ሓደ ካብኡ ቍጽሪ 24 ዝተጻሕፎ ብጫ ማልያ ናይ ኵዕሶ ሰኪዐት (ናይ ጋንታ ሌከርስ) ኰይኑ፡ ስሙያ ተጻዋታይ ኮቢ ብራያንት ዝለብሶ እዩ።
ኣብ ካልእ መስኮት፡ ዓበይቲ ሰባትን ሰለስተ ቈልዑን ኣጻብዕቶም ኣብ ከብዲ ኢዶም ብምንባር፡ ነቲ "ሓገዝ ደልየ" ዘስምዕ ዓለምለኻዊ ምልክት ይገብሩ።
ኣብቲ መስትያት ናይቲ መስኰት ድማ "ሓግዙና" ዝብል ብቐይሕ ዝተጻሕፈ ይርአ።
ክልተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ድማ ገጾም ተሸፊኖም፡ "በጃኹም ኣዋልድ ኣፍጋናውያን ኣድሕኑ፡" ዝብል መልእኽቲ ዝተጻሕፎ ወረቐት ኣልዒሎም ይርኣዩ።
"ኣዚና ሰጊእና ኣለና"
ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ፓናማ እትነብር ኢራናዊት ጓል ኣንስተይቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ምስ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ሆቴል ዝነበሩ ስደተኛታት ትራኸብ ከም ዝነበረትን ናብ ኢራን ክምለሱ ብምዃኖም ኣዝዮም "ተሰናቢዶም" ምንባሮምን ገሊጻ።
ከም ተርጓሚት ቋንቋ ፋርስ ሓገዝ ንኽትገብረላ ናብቲ ሆቴል እኳ እንተ ከደት፡ ኣብ ውሽጢ ሆቴል ተርጓሚ ኣለና ኢሎም ከም ዝመለሱዋን ድሒራ ከም ዘርጋገጸቶ ድማ ተርጓሚ ከም ዘይብሎምን ትዛረብ።
እታ ኢራናዊ ሰበይቲ ከም ዝገለጸቶ፡ ብከኣቲ ሆቴል ወጻኢ ምስ ዘለዉ ሰባት ምርኻብ ስለ ዘይፍቀድ፡ ብሕብእቲ ተለፎን ምስ ሓንቲ ካብኣቶም ኣብ ዝተራኸበቶ፡ "ሓያሎ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ተዓጽዮም" ከም ዘለዉ፡ ጠበቓ ክገብሩ ከም ዝተኸልከሉን ዋላ ክምገቡ ካብ ክፍሎም ክወጽኡ ከም ዘይፍቀደሎምን ከም ዝነገረታ ትሕብር።
ዛንታ ናይቶም ዝተሰጐጉ ሰባት ንመጀመርታ ግዜ ብማዕከናት ዜና ብሰሉስ ምስተ ዘርግሐ፡ ሓለዋ ጸጥታ ከም ዝኸረረን እቶም ስደተኛታት ዝጥቀምሉ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከም ዝተቛረጸን እታ ኢራናዊት ጓል ኣንስተይቲ ገሊጻ።
ቢቢሲ ናብ ሆቴል ደፓሊስን መንግስቲ ፓናማን ብዛዕባ እዞም ተኣሲሮም ዝርከቡ ስደተኛታትን ዘለውሉ ኵነታትን እኳ እንተ ሓተተ፡ ዛጊት መልሲ ኣይተላእከሉን።
እንተዀነ፡ ምኒስተር ህዝባዊ ድሕነት ፓናማ ፍራንክ ኣብሬጎ ነቲ ስደተኛታት ካብቲ ሆቴል ክወጽኡ ኣይፍቀደሎምን እዩ ዝብል ክሲ ምላሽ ሂብሉ ኣሎ። መንግስቱ ድሕነትን ሰላምን ፓናማውያን ከረጋግጽ ኣለዎ ክብል ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ዶብ ሰጊሮም ናብ ኣመሪካ ምስ ኣተዉ፡ ናብ ቴክሳስ ክውሰዱ ምዃኖም ምስ ተነግሮም፡ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ፓናማ ከመይ ከም ዝተኣስሩ ብቛንቋ ፋርስ ክገልጽ ከሎ ዘርኢ እዩ።
እታ ኣብቲ ቪድዮ ዘላ ሰበይቲ፡ መንግስቲ ሕነ ክፈዲ ስለ ዝኽእል፡ ናብ ኢራን እንተ ተመሊሶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ገሊጻ።
ሓሳባ ፖለቲካዊ ዕቝባ ንምሕታት ምዃኑ ድማ ገሊጻ።
መንግስቲ ፓናማ ናብዞም ዝተሰጉ ሰባት ናይ ምብጻሕ ፍቓድ ከም ዘይህብ ምስ ኣፍለጠ፡ ጠበቓ ከይረኸብካ ዕቝባ ምሕታት ኣጸጋሚ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
"ግዝያዊ ማእሰርቲ"
ኣብሬጎ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰበስልጣን እታ ሃገር ንግዜኡ ኣብ ፓናማ ከም ዝጸንሑ እዩ።
"ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተሰማማዕናሉ ነገር እንተ'ልዩ፡ ኣብዚ ከም ዘለዉን ንሓለዋኦም ኣብ ግዝያዊ ቍጽጽርና ከም ክጸንሑን እዩ፡" ኢሉ።
እቶም ናብ መበቈል ሃገሮም ክምለሱ ዘይደልዩ ስደተኛታት'ውን ሳልሰይቲ ሃገር ክመርጹ ከም ዘለዎም ኣጠንቂቑ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM)ን ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)ን ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ሓላፍነት ከም ዝወስዱ ገሊጹ።
ኣብሬጎ ቀጺሉ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሆቴል ደካፖሊስ ዝቕመጡ ዘለዉ፡ እቲ ሆቴል ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ስለ ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሩ።
ካልእ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ድማ ንኻልእ ተወሳኺ በረራታት ኣብ ስምምዕ ስለ ዘይተበጽሐ፡ "ዝያዳ ስደተኛታት ክመጽኡ ትጽቢት ኣይግበርን፡" ይብል።
ፓናማ ኣብ ምስጓግ ስደተኛታት ተሓባቢሪት ትኸውን ዘላ፡ ትራምፕ ልዑላውነት መትረብ ፓናማ 'ክምለስ' እናበለ ኣብ ዘፈራርሓሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ወሃቢ-ቃል ዓለማዊ ውድብ ስደተኛታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ትካል ካብ ኣመሪካ ንዝተሰጐጉ ሰባት "ኣገዳሲ ደገፍ ናይ ምሃብ፡" ሓላፍነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
"ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ብምትሕብባር፡ ነቶም ዝተጐድኡ ንምሕጋዝ ንሰርሕ ኣለና። እቶም ዝሓተቱ ብፍቓዶም ንኽምለሱን ነቶም ካልኦት ከኣ ውሑስ ኣማራጺታት ንምፍታሽን ንሕግዝ፡" ኢሉ።
"ኣብ ምእሳር ወይ ምድራት ምንቅስቓስ ሰባት ቀጥታዊ ተሳትፎ እኳ እንተ ዘይብልና፡ ኵሎም ስደተኛታት ብኽብርን ብመሰረት ኣህጉራዊ ደረጃታትን ከም ዝተሓዙ ንምርግጋጽ ቃል ኣቲና ኣለና፡" ክብል ኣብሪሁ።
ኣብ ትካል ፖሊሲ ስደተኛታት ላዕለዋይ ተመራማሪ ሙዛፋር ቺሽቲ፡ ብዙሓት ካብቶም ካብ ኣመሪካ ዝተሰጐጉ፡ ካብተን ዜጋታታተ ክምለሱወን ኢደን ዘይዝርግሓ ሃገራት ዝመጽኡ ምዃኖም ገሊጹ።
"እዚ ምስተን መንግስታት ቀጻሊ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ከም ዘድሊ ዘመልክት እዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣመሪካ ነቶም ስደተኛታት ናብ ፓናማ ብምልኣኽ፡ ካብ ስእሊ ወጻኢ ኰይና ኣላ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። "ነቲ ዘተ ክትመርሖን እተን ሃገራት ከም ከም ዝቕበልኦም ከተረጋግጽን እዚ ንፓናማ ሕማም ርእሲ እዩ።"
ኣብዚ ሰሙን፡ ካልኦት ዝተሰጐጉ ስደተኛታት ዝጸዓነት ነፋሪት ናብታ "ድንድል" ክትከውን ተሰማሚዓ ዘላ ኮስታሪካ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።