እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ብዘይ ስደተኛታት እንታይ ምመሰለት?
ኣብዚ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ጉዳይ ‘ኢሚግሬሽን’ ዓቢ ዛዕባ ኰይኑ፡ ሕጹያት ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ኣብ ልዕሊ እቶም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ብፍላይ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዝያዳ ተሪር ቍጽጽር ከምዘድሊ ይዛረቡ።
ትራምፕ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ "ወራር" ስደተኛታት ከጠንቅቕ ይስማዕ። ሰነዳት ዘይብሎም ሰባት ድማ ብጅምላ ዝስጐጕሉ መስርሕ ከም ዘተኣታቱ ቃል ኣትዩ። መቀናቕንቱ ዲሞክራት ካማላ ሃሪስ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዙርያ ኢሚግሬሽን "ሃልሃልታ ፍርሕን ምፍልላይን ብምጕህሃር" እኳ ትኸሶ እንተነበረት፡ ግን ድማ ነቲ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝካየድ ህንጸት መንደቕ ዶባት ዘጠቓልል እማመ ጸጥታ ዶብ ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ኣረጋጊጻ’ላ።
እሞ ደኣ ኣብታ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ኣብ ወጻኢ ዝተወልደ ህዝቢ ዝነብረላ ኣመሪካ - ስደት እንታይ ተራ እዩ ዘለዎ? ስደተኛታት እንተዘይህልዉኸ እንታይ ምተፈጠረ?
ብዝሒ ህዝቢ
ብዘይ ስደተኛታት፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣመሪካ ኣዝዩ ምነከየ።
ብዝሒ ናይቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ግን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ኣብ 2023 ብደረጃ ክብረወሰን 47.8 ሚልዮን በጺሑ። እዚ ድማ 14.3 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣመሪካ’ዩ።
ሜክሲኮ ብ10.6 ሚልዮን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ሃገር ኰይና፡ ህንዲ ብ2.8 ሚልዮን ቻይና ድማ ብ2.5 ሚልዮን ይስዕባ።
ቍጽሪ ስደተኛታት ብደረጃ ክብረወሰን ናብ ዝለዓለ ደረጃ እኳ እንተበጽሐ፡ ሓፈሻዊ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣመሪካ ግን ብሰንኪ ምንካይ መጠን ወሊድ ይዝሕትል’ዩ ዘሎ።
እታ ሃገር፡ ኣብ መንጐ 2010ን 2020ን ካብ 1930ታት ንደሓር ካብ ዝዀነ ዓሰርተ ዓመታት ዝተሓተ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣመዝጊባ። ኣብ 1930ታት ዓቢ ቅልውላው ቍጠባ [‘ግሬት ዲፕረሽን’] ኣጋጢሙ ብምንባሩ እዩ መጠን ውልደት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ዝወረደ።
እዚ ማለት ከኣ ኣመሪካ’ውን ከም ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ብድሆታት ምብዛሕ ኣረጋውያን ይገጥማ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ዋጋታት ክንክን ጥዕና እናወሰኸን ኣብ ዕድመ ስራሕ ዝርከቡ ሰባት ቍጽሮም እናነከየን ይርከብ።
ብመሰረት ትንበያታት ቤት ጽሕፈት ባጀት ኮንግረስ ኣመሪካ፡ ኣብ 2040 ሞት ካብ ልደት ንላዕሊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ድሕሪኡ ኢሚግሬሽን ኣብ ሓፈሻዊ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ወሳኒ ክኸውን እዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ገለ ክኢላታት ስነ-ቍጠባን ደገፍቲ ኢሚግሬሽንን ብፍላይ ኣብ ገጠር ከባቢታት ድሌታት ቍጠባ ንምምላእ ስደት ክውስኽ ክፍቀድ ኣለዎ ይብሉ።
ቍጠባዊ ጽልዋ
ቍጠባ ኣመሪካ ብዘይ ስደተኛታት ምተሃስየ ይብል ኣብ ቦስተን ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ስነ-ቝጠባ ታረክ ሓሰን።
"ስደተኛታት ምሉእ ብምሉእ እንተተወጊዶም ኣብ ሓፈሻዊ ሃብቲ ውሽጢ ሃገር (‘ጂዲፒ’) ካብ ኣስታት ሓሙሽተ ክሳብ 10 ሚእታዊት ብዛዕባ ምንካይ ኢና ንዛረብ ዘለና። በዚ ከኣ ሃብቲ ነብሲ ወከፍ ሰብ ምነከየ። ጠቕላላ ‘ጂዲፒ’ ድማ ብሰንኪ ምውሓድ ሰባት ኣዝዩ ትሑት ምዀነ" ክብል የረድእ።
ሓሰን ወሲኹ፡ መጽናዕቱ ከም ዝሕብሮ፡ ኢሚግሬሽን “መሃዝነት ይውስኽ፤ እዚ ድማ ኣብ ብዙሕ መዳያት ኣፍራይነት የዕቢ” ይብል።
መብዛሕትኦም ስደተኛታት እውን ኣብ ዕድመ ስራሕ ዝርከቡ ናይ ምዃን ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ። መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ከምዝሕብሮ ስደተኛታት ንኣስታት 14 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣመሪካ ክውክሉ እንከለዉ፡ ዳርጋ 19 ሚእታዊት ካብ ሲቪላዊ ሓይሊ ስራሕ (31 ሚልዮን ሰራሕተኛታት) ይሽፍኑ። ካብቶም ተወለድቲ ዜጋታት ዝለዓለ መጠን ተሳትፎ ናይ ጉልበት ስራሕ እውን ኣለዎም።
ሃገራዊ ክፍሊ ዕዮ ኣመሪካ ምስ ምውፋር ስራሕቲ ሕርሻ ብዝተሓሓዝ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ 70 ሚእታዊት ካብ ሰራሕተኛታት ሕርሻ ስደተኛታት ከምዝዀኑ የመልክት። ዋላ’ኳ ብዙሓት ካብኣቶም ሰነዳት ዘይብሎም እንተዀኑ።
ስለዚ ነዚኦም ምስኣን ማለት፡ "ብዙሓት ወነንቲ ሕርሻታት፡ ኣብ ጽዑቕ ወቕቲ ኣእካል ንምዝራእ፡ ፍረታትን ኣሕምልትን ንምእካብ ይዅን ፍርያቶም ናብ ኣመሪካውያን ተጠቀምቲ ንምቕራብ እኹል ጉልበት ክረኽቡ ክጽገሙ ይገብሮም" ትብል ኣብ ቤት ምኽሪ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ዳይረክተር መጽናዕቲ ናን ዉ።
ሓደ ካብ ነቐፍቲ ኢሚግሬሽን ዝቐርብ ምጕት፡ ዋሕዚ ናይቶም ብትሑት ደሞዝ ክሰርሑ ድልዋት ዝዀኑ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት፡ ንደሞዝ ተወለድቲ ዜጋታት ‘የጉድሎ’ ዝብል እዩ።
ግን ከኣ ኣብ 2014 ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ - ዳቪስ - ቍጠባዊ ጽልዋ ስደት መሰረት ብምግባር ካብ ዘካየዶም 27 መጽናዕቲታት፡ ጽልዋ ስደት ኣብ ደሞዝ ተወለድቲ ዜጋታት ዜሮ ምዃኑ ይድምድም።
ግብሪ
ኣብ 2022፡ ስደተኛታት ስድራቤታት ካብቲ ሽዑ ዝተኣከበ ኵሉ ግብሪ ዳርጋ ሓደ ካብ ሽድሽተ ዝኸውን (ኣስታት 580 ቢልዮን ዶላር) ሸፊኖም ከምዝነበሩ ቤት ምኽሪ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ዘካየዶ ዳህሳስ ይሕብር።
ብሕጋዊ መንገዲ ዝመጹ ስደተኛታት ጥራይ ኣይኰኑን ኣብ ግብሪ ኣበርክቶ ዝገብሩ፡ ትብል ናን ዉ ካብቲ ትካል።
ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣስታት 23 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ስደተኛታት ኰይኖም ኣስታት 11 ሚልዮን ሰባት ይበጽሑ። ካብኣቶም ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ድማ ካብ ሜክሲኮ ከምዝዀኑ ይግለጽ።
ከምኡ’ውን ብኢንስቲትዩት ግብሪን ቍጠባዊ ፖሊሲን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 2022 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ግብሪ ፈደራል፡ ግዝኣታውን ከባብያውን ከፊሎም።
ይዅን እምበር ኣብ ትካል ቍጠባዊ ፖሊሲ ዳይረክተር ሕጊ ኢሚግሬሽንን ምርምር ፖሊሲን ዝዀነ ዳኒኤል ኮስታ፡ ቍጠባዊ ጽልዋ ኢሚግሬሽን ብሃገር ደረጃ ኣወንታዊ ክኸውን ጽልዋ ዘለዎ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ግዝኣታት ብፍላይ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣሉታዊ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።
ምህዞን ፈጠራ ስራሕን
ርኡይ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ወይ ደቆም ኣብ ኣመሪካ መሪሕ ሰብ ሃብቲ ኰይኖም ኣለዉ።
ካብተን ‘ፎርቹን 500’ ብዝብል ዝስርዓ (ዓመታዊ ዝርዝር ናይተን ብዝለዓለ እቶት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ 500 ኩባንያታት ኣሜሪካ) ኣስታት 45 ሚእታዊት ብስደተኛታት ወይ ደቆም ዝተመስረታ እየን። ብተወሳኺ 55 ሚእታዊት ካብተን ብ1 ቢልዮን ዶላር ወይ ልዕሊኡ ዝግመታ ጀመርቲ ትካላት ኣመሪካ ብስደተኛታት እየን።
ስደተኛታት ኣብ ዓለማዊ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ እውን ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ብዙሓት ከኣ ከም ዓለምለኻውያን ተምሃሮ ኰይኖም ናብ ኣመሪካ ዝመጹ እዮም።
ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2022-2023 ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዓለምለኻውያን ተምሃሮ ንቍጠባ ኣመሪካ 40 ቢልዮን ዶላር ኣበርኪቶም።
ህዝባዊ ርእይቶ
ስደተኛታት፡ ዋላ'ኳ ኣብ ቍጠባ ኣመሪካ ዝጻወትዎ ተራ እንተሃለወ ኣብ ቀረባ እዋን ‘ጋሉፕ’ ብዝተበሃለ ትካል ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 55 ሚእታዊት ኣመሪካውያን ቍጽሪ ስደተኛታት ጐዲሉ ክርእዩ ይደልዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ስደት ዝግበር ቍጽጽር ብፍላይ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጽኑዕ ክኸውን ዝጠልብ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ኣሎ።
ፕሮፌሰር ጂዮቫኒ ፐሪ፡ ክኢላ ኢሚግሬሽን ቍጠባን ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ፡ ገለ ፖለቲከኛታትን ሚድያታትን ንኢሚግሬሽን ኣብ ክንዲ ምስ ሰፊሕ ጽልዋታት ኣብ ዘይሕጋዊ ምእታው ብምትኳር ምስ "ኣብ ዶብ ዝፍጠር ህውከት" ማዕረ ገይሮም ከምዝስእልዎ ይዛረብ።
ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ተራ ስደተኛታት ኣብ ቍጠባ ንዲሞግራፊያዊ ምንቁልቋል ዝህልዎ እወታዊ ጽልዋን እውን ዝዝረብ፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ደቡባዊ ዶብ ከም ዝመጽእ 'ውሕጅ' እዩ ንሰባት ብዛዕባ ስደት ዝንገሮም። ስለዚ ልዕሊ መጠንን ጎዳኢን’ዩ ዝመስሎም" ክብል ይውስኽ።