መረጻ ሆላንድ፡ ንስደተኛታትን ኣስላምን ዝጸልእ ሰልፊ ምዕዋቱ ኣብ ኣውሮጳ ስንባደ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ሆላንድ፡ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛን ንረብሓ ተራ ሰባት ከምዝቖመ ዝምጉት (ፖፑሊስት) ጊርት ዊልደርስ ምዕዋቱ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ኣዘራራቢ ኮይኑ።
ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝርከቡ መሰል የማናውያን፡ ነቲ ብዝልከዮ ሕብሪ ጸጉርን ዘልዕሎም ኣዘራረብቲ ተረኻትን ምኽንያት ‘ሆላንዳዊ ትራምፕ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፖለቲከኛ 'እንቋዕ ኣሐጎሰካ' ክብልዎ ግዘ ኣይወሰዱን።
እስላምን ግብረሽበራን ኣተኣሳሲሩ ዝተዛረቦ ከምኡ ድማ መሳጊድን ቁርዓንን ክኽልከሉ ዝገበሮም ጻውዒታት ተንዀስቲ ብምንባሮም፡ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ፖሊስ ጸኒሑ።
ድሒሩ'ኳ እንተተቋረጸ፡ ዊልደርስ ኣድልዎ ብምልዕዓል ተኸሲሱ ነይሩ፤ ኣብ 2009 ድማ ናብ ብሪጣንያ ከይኣቱ ቪዛ ተኸልኪሉ።
ሕሉፋት የማናውያን ኣውሮጳ ግና ሓሳባቶም ተቐባልነት ከምዝረኸቡ እዮም ዝኣምኑ።
ኣብዚ ዝምደብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክተር ኦርባን ውጽኢት መረጻ ደች ምስሰምዐ “ለውጢ ነፋስ ኣብዚ በጺሑ ኣሎ” ኢሉ።
ንሱ እውን ከም ጊርት ዊልደርስ ኣንጻር ስደተኛታት ብዘቕነዐ ሓሳባቱ እዩ ዝፍለጥ።
መራሒ 'ፍለምሽ ኢንዲፐንደንት' ናይ ዝተባህለ ኣብ ቤልጅም ተመሳሳሊ ዓወት ክረክብ ዝጽበ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ፡ ቶማ ቫን ግሪከን ድማ “ከም ናትና ዝበሉ ውድባት ኣብ መላእ ኣውሮጳ ኣብ መንገዲ (ዓወት) እዮም ዘለዉ” ክብል ደምዲሙ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
እዚ ዓወት ኣብ ፖለቲካ ሆላንድን ብሓፈሻ ኣብ ኣውሮጳን እንታይ ጽልዋ ክፈጥር ይኽእል?
ጊርት ዊልደርስ ክንድዚ ዝኣክል መናብር ክረክብ እየ ኢሉ ፍጹም ኣይተጸበየን። ነዚ ድማ እዩ ንውጽኢት እቲ ናይ ረቡዕ መረጻ ምስረኣየ ብታሕጓስ ክስዕስዕ ዝተርኣየ።
ጉጅለ ዊልደርስ እቲ መረጻ ሰለስተ መዓልቲታት እንትተርፎ እዮም ከም ናይ ሰልፊ ቤት ጽሕፈት ኮይና እተገልግል ንእሽቶ ገዛ ተኻርዮም። እቲ 'ሰልፊ ናጽነት' ዝበሃል ውድቡ ደንጉዩ እዩ ኣብ ጎስጓዓስ መረጻ ተሓዊሱ።
ሆላንዳውያን ኣድመጽቲ ንምንታይ ክመርጽዎ ክኢሎም?
- ኣብ ምቕናስ ስደተኛታት፣ ምፍታሕ ቅልውላው መንበሪ ገዛን ምምሕያሽ ኣገልግሎት ጥዕናን ኔዘርላንድስ ከምዝሰርሕ ምግላጹ፤ መረጻ እናቐረበ ምስመጸ ድማ ኣንጻር እስላም ዘቕንዑ ኣሉታዊ ተረኻቱ ቀኒሱ
- ምስ ተናሓናሕቲ እንትነጻጸር ኣብ ናይ ቴሌቪዥን ክርክር ዘርኣዮ ዝሓሸ ብቕዓት
- ፍሉጣት ሰልፊታት ብተመሳሳሊ ስደተኛታት ማእከል ዝገበረ ወፍሪ ምክያዶም፡ መረጽቲ “ነቲ በዓል ዋና እቲ ሓስብ” ደኣ ዘይንመርጽ ክብሉ ዝገበረ ይመስል። ኣብ ፖለቲካ ኔዘርላንድስ ብዛዕባ ሰደተኛታት ንነዊሕ እዋንን ብዓውታን ወፍሪ ዘካየደ ጊርት ዊልደርስ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።
መራሒት ማእከላይ የማናዊ ሰልፊ ቪቪዲ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምስ ዊልደርስ ጥምረት ከምእትፈጥር ገሊጻ ነይራ። እዚ ድማ ብጥሩፍነት ዝፍለጥ ምስሊ እቲ ሰልፊ ክልስልስ ገይሩ። ክሳብ ሽዑ እቲ ቀንዲ ሰልፊ ነዘርላንድስ ምስ ሰልፊ ዊልደርስ ሓቢርካ ምስራሕ ከልኪሉ ነይሩ።
እዚ ንኣውሮጳ እንታይ ማለት እዩ?
ጊርት ዊልደርስ መራሒ ናይቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ነዘርላንድስ ዝበዝሐ መናብር ዝሓዘ ሰልፊ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ በይኑ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ድምጺ ግን ኣይረኸበን። ሰሙናት ዝወስድ ፖለቲካዊ ድርድራት ይጽበዮ እዩ ዘሎ።
ጊርት ዊልደርስ፡ ፖለቲካዊ መሻርኽቲ ንምርካብ ንገሊኦም ፖሊሲታቱ ዳግመ ግምት ክገብረሎም ከምዝኽእል ኣእንፊቱ እዩ። ንሱ ቀጻሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔዘርላንድስ ከምዝኸውን ኣብዛ ሰዓት እዚኣ መረጋገጺ የለን።
እንተኾይኑ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ብብዙሕ ምኽንያታት ብርቱዕን ኣከራኻርን ክኸውን እዩ።
ዊልደርስ፡ ነዘርላንድስ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትወጽእ ነዊሕ ጎስጒሱ እዩ።
ዋላኳ ብዙሓት ሆላንዳውያን ከምዘይድግፍዎ ዝኣምን እንተኾነ ነዘርላንድስ ካብቲ ሕብረት እትወጸሉ ሪፈረንደም ነክዚት (ከምቲ ብሪጣንያ ዝወጸትሉ ብረክዚት) ክካየድ ክደፍእ ይኽእል።
ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ውጽኢት መረጻ ሆላንድ ከምዘየሻቐሎ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ኤሪክ ማመር ኣብቶም መስረትቲ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾኑ ሆላንዳውያን “እምነት” ከምዘለዎ ተዛሪቡ።
ቤልጅየም ግና ሓድነት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ምሕጋዝ ዩክረይን የሻቕላ እዩ ዘሎ። እቲ ሓገዝ ኣዝዩ ክቡር እዩ።
ከምቶም ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኾኑ መራሕቲ ሃንጋሪን ስሎቫክያን፡ ዊልደርስ እውን ናብ ኪቭ ወታሃደራዊ ሓገዝ ምልኣኽ ኣይድግፍን።
ጊር ዊልደርስ “ንኔዘርላንድስ ናብ ህዝቢ ደች ንምምላስ” ንኔዘርላንደስ ቀዳምነት ክህብ ከምዝደሊ እዩ ዝገልጽ። እዚ ምስቲ “ኣመሪካ ደጊምካ ዓባይ ምግባር” ዝብል ተረኽ ትራምፕን “ቀዳምነት ንጥልያንን ጥልያናውያንን” ዝብል ጭርሖ ጆርጂያ ሜሎኒን ዝመሳሰል እዩ።
ነቶም ብከም ሜሎኒ ዝበሉ ዝዝረቡ ኣውሮጳ ኣብ ጉዳያት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ተሪር ሕጊ ክህልዋ ዝስምዑ ደምጺታት ተወሳኺ ክኸውን እዩ።
ዊልደርስ “ማዕበል ስደት” ኢሉ ክዛረብ እዩ ዝስማዕ።
ሕሉፋት ማናውያን ንፖለቲካ ኣውሮጳ ይቆጻጸሩ ኣለዉ ኢልካ ምድምዳም ክኸብድ ይኽእል እዩ።
ኮይኑ ግና ኣብ መላእ ኣውሮጳ ትኹረት መረጽቲ ‘ስደት. . . ስደት . . . ስደት . . . ምኽባር ናብራ ‘ ዝብሉ እዮም።
ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዑ ፖሊሲታት ዘለዎም ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊታት ኣብ ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን ሓዊሱ ድምጺ ይረኽቡ ኣለዉ። ዋላኳ መንግስታዊ ስልጣን እንተዘይሓዙ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ውድባት ጸቕጢ ንምፍጣር ይጥቀሙሉ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







