ኣብ መዝሓሊ በረድ ተኸዚኑ ዝነበረ እንቋቑሖ ደቂኣንስትዮ ተባላሽዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሓደ ፍሉጥ ክሊኒክ እንቋቑሖን ድቂን ኣብ በረድ ዘኸዘና ልዕሊ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ መስርሕ ምዝሓል ብዝተፈጥረ ጌጋ ተበላሽዮም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተነጊርወን።
እቲ ኣብ ለንደን ሆስፒታል ጋይስ ዝርከብ ክሊኒክ፡ ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን 2022 ዝተበላሸወ መዝሓሊ ጠራሙዝ ተጠቒሙ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን እቲ ፈሳሲ ጉድለት ከምዘለዎ ግን ክፍለጥ ኣይተኻእለን።
እቲ ተቖጻጻሪ ፍርያምነት ዝዀነ በዓል መዚ ምድቃልን ድቂን ሰባት (ኤችኤፍኢኤ) ነቲ ፍጻመ ይምርምር ከምዘሎ እውን ተገሊጹ።
ብዙሓት ካብተን ዝተጸልዋ 136 ደቂ ኣንስትዮ፡ እንቋቑሖአን ወይ ድቂአን ኣብ በረድ ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ መኻን ክገብረን ዝኽእል ሕክምና መንሽሮ ዘካየዳ እየን። እዚ ማለት ብናይ ገዛእ ርእሰን እንቋቑሖ ክጠንሳ ተኽእሎ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀረባ እዋን ጥራይ እዩ እንቋቑሖአንን ድቂአን በቲ ዘጋጠመ ጌጋ ተበላሽዮም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተነጊርወን።
ኤችኤፍኢኤ ብዛዕባ እቲ ጌጋ ዘለዎ መዝሓሊ ኬሚካል ንኹለን ክሊኒካት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ናይ ድሕነት ምልክታ ከምዝተዋህበ ገሊጹ።
ኤችኤፍኢኤ፡ ኣብ ኣሃዱ ተሓጋጋዚ ጥንሲ ጋይን ሴንት ቶማስን ዝካየድ ዘሎ መርመራ "ቀጻሊ" ከምዝዀነ ገሊጹ ኣሎ።
ኣድላዩ "ዝዀነ ተወሳኺ ስጉምቲ ከምዝወስድ" እውን ጠቒሱ።
ዳይረክተር ምኽባር ሕጊ ኤችኤፍኢኤ ራቸል ካቲንግ፡ "ዝዀነ ፍጻመ ንሕሙማት ዘተሓሳስብ ክኸውን ከምዝኽእል ንግንዘብ" ኢላ።
ኤችኤፍኢኤ፡ እቲ ዝተበላሸወ ከሚካል ናብ ካልኦት ክሊኒካት ዓባይ ብሪጣንያ ተላኢኹ ክኸውን ከምዝኽእል እኳ እንተገለጸ፡ ካልኦት ሕሙማት ክጽለዉ ዝኽእሉሉ ኵነታት ምሃለዉ ግን ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል እቲ ክሊኒክ፡ እቲ ኣገባብ ምፍራይ "ዝዀነ ዝዘሓለ እንቋቑሖ ወይ ድቂ ኣብ እዋን ምውዓይ ናይ ምድሓን ዕድሉ ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ "ንኹሎም እቶም ዝተጸልዉ ሰባት ረኺብናዮም ኣለና፡ ከምኡ ንምግባር ብምድንጓይናን እዚ ከስዕቦ ንዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጭንቀትን ድማ ይቕሬታ ሓቲትና" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







