ብሰንኪ ‘ዝሰኸሩ’ ሰባት መገዳ ክትቅይር ዝተገደደት ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ለንደን ናብ ኒውጀርሲ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ክልተ “ሰካራማት” ዝመስሉ ተሳፈርቲ ብሰንኪ ዘልዓልዎ ህውከት ኣብ ሜይን ክትዓልብ ከም ዝተገደደት መንገዲ ኣየር ዩናይትድ ገሊጹ።
በረራ ‘ዩኤ 883’ ዓርቢ ንግሆ ካብ ሄትሮ ተበጊሳ ኣብ ኒውወርክ ክትዓልብ ነይርዋ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባንጎር ክትዓልብ ተገዲዳ።
መንገዲ ኣየር ዩናይትድ ንቢቢሲ ብኢመይል ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት ፖሊስ ነቶም ክልተ ተሳፈርቲ ካብታ ነፋሪት ከም ዘውረዶም ሓቢሩ።
እቶም ሰባት ንቐጻሊ ካብ ዝዀነ ይኹን በረራታት መንገዲ ኣየር ዩናይትድ ክእገዱ እዮም።
ድሕሪ ናይ 7 ሰዓታት ጉዕዞ ኣትላንቲክ፡ ብቑጽሪ በረራ ዩኤ883 ናብ ኒውዮርክ ዝወስድ መንገዲ እትሕምበብ ዝነበረት ነፋሪት ቅድሚ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ምቕንዓ ናብ ባንጎር ገጻ ርእሳ ከም ዝተጠወየ መረዳእታ ፍላይት ራዳር የርኢ።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ነፋሪት ዩናይትድ 883 ብሰንኪ ክልተ “ዝሰኸሩ” ዝመስሉ ተሳፈርቲ ዝፈጠርዎ ህውከት ሎሚ ንግሆ ኣብ ባንጎር ዓሊባ” ኢሉ።
"ኣኽበርቲ ሕጊ ነቶም ክልተ ተሳፈርቲ ኣውጺኦምዎም፡ እታ ነፋሪት ድማ ድሮ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኒውዮርክ ሊበርቲ ዳግማይ ተበጊሳ ኣላ። እቶም ዓማዊል ነዚ ጉዳይ እናገምገምና ኣብ መጻኢ ካብ በረራታት ዩናይትድ ክእገዱ እዮም" ድማ ኢሉ።
እታ ነፋሪት 150 ሰባትን 10 ኣባላት ሰራሕተኛታትን ዝነበራ ኰይኑ ካብ ለንደን ተበጊሳ፡ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 10 ኣብ ሜይን ብሰላም ከም ዝዓለበት ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







