ቀነኒሳን ኪፕቾገን- ድሕሪ 20 ዓመታት 'ታሪኽ' ንምስራሕ ኣብ ፓሪስ ዝራኸቡ ክልተ ጐባልል ጉያ

ሓደ ካብቶም ዓብዪ ንሕንሕ ኣትለቲክስ፡ ኣስታት ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ ውድድር ፓሪስ 2024 ክሕደስ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

እዚ አዘራረቢ ዛዕባ ኰይኑ ዘሎ፡ ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ጋንታ ማራቶን ኢትዮጵያ ከምዝተሰለፈ ምስ ተፈልጠ እዩ።

ወዲ 41 ዓመት ኣትሌት ቀነኒሳ፡ ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮን 10 ሽሕ ሜትሮን ሰለስተ ግዜ ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ኰይኑ እዩ።

ካብኡ ግን፡ ኣብ ለንደን 2012 ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ካብ ዝዛም ንደሓር፡ ካብዚ ዓይነት ውድድር ርሒቑ እዩ ፀኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ለንደን ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ቀነኒሳ፡ 10 ነሓሰ ምስ ኬንያዊ ዕንቊ ተወዳዳራይ ኤልያድ ኪፕቾገ ክገጥም እዩ።

ወዲ 39 ዓመት ወናኒ ክብረወሰን ዓለም ማራቶን ኪፕቾገ ብወገኑ፡ ኣብ ሪዮ 2016ን ቶክዮ 2020ን ድሕሪ ዘመዝገቦም ዓወታት ስዒቡ፡ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ማራቶናት ኦሎምፒክ ዝተዓወተ ፈላማይ ኣትሌት ክኸውን ይህቅን ኣሎ።

ንሕነሖም ካብ መዓስ እዩ ዝጅምር?

ምስ ቀነኒሳ ዝካየድ ንሕንሕ፡ እዚ'ውን ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም 2003 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እዩ ዝጅምር።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኪፕቾገ ኣብ 5000 ሜትሮ ጉያ፡ ወርቂ ክዓትር ከሎ፡ ሞሮኮዊ ሂቻም ኤል ጉሩጅ ካልኣይ ደረጃ- ብሩር፡ ቀነኒሳ ድማ ነሓስ ሒዞም ዛዚሞም።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ርሕቀት፡ ኪፕቾገ ነሓስ ዝወሰደ ኰይኑ፡ ቀነኒሳ ደድሕሪ ሞሮካዊ ኤል ጌሩጅ ብሩር ብምውሳድ በሊፅዎ ተረኺቡ።

ኣብቲ እዋን፡ ቀነኒሳ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ሒዝዎ ዝፀንሐ ክብረ ወሰን ኣይተበደሀን።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2008 ኣብ በይጂን ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ድማ፡ ቀነኒሳ ዳግማይ ንኪፕቾገ ክብድሆ ዝኸኣለ ኰይኑ፡ ኣብ 5000 ሜትሮ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ተኸታቲሎም ኣትዮም። ዋንጫ 10 ሽሕ ሜትሮ ድማ ኣፅኒዑ።

ኪፕቾገ፡ ኣብ 2013 ናብ ጉያ ማራቶን ካብ ዝዘውር ንደሓር፡ ኣብ ርእሲ ክልተ ወርቂ መዳልያታት ነዊሕ ርሕቐት፡ ኣብ ኦሎምፒክ 11 ዓበይቲ ውድድራት ብምዕዋት፡ ንነብሱ ናይ ዘልኣለም ብሉጽ ጐያያይ ገይሩ እዩ ፀኒሑ።

ቀኒኒሳ ብወገኑ፡ ኣብ ሚያዝያ 2014 ኣብ ፓሪስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ማራቶን ዓወት ኣብ ዝሓፈሰሉ እዋን፡ ኣብ ርሕቐት 26.2 ማይልስ (42.16 ኪ.ሜ) ሻድሻይ-ዝቐልጠፈ ሰብ ዝብል መዓርግ ዝተጐናፀፈ ኰይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ብሰንኪ መጉዳእቲ ግስጋሰኡ ተዓንቂፉ ፀኒሑ።

'ሮናልዶን ሜሲን' ውድድር ጉያ

ሕጂ ድሕሪ 21 ዓመታት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ- ፓሪስ ኣብ ዘካይዱዎ ቅድድም፡ ቀነኒሳን ኪፕቾጐን ምናልባት ንመወዳእታ ግዜ እዮም ክተሓናነቑ።

ተንታኒ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ናይሮቢ-ኬልቪን ኪማቲ፡ ቀነኒሳ በቀለ ድሕሪ ናይ 12 ዓመት ግልስ ምባሉ፡ ናብ ኦሎምፒክ ምምላሱ ኣብ ፈተውትን ደገፍትን ኣትሌቲክስ ልዑል ፍናን ፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ሓደ ካብቶም ናይ ኵሉ ግዜ ጀግና ስፖርት ዝዀነ ሰብ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ 42 ዓመት ዝመልኦ ዀይኑ፡ ንመወዳእታ ግዜ እዩ ኣብ ዝዓበየ መድረኽ ዝርከብ ዘሎ።

ንሱን ኤሊዩድ ኪፕቾገን ንናይ ነዊሕ ርሕቐት ጉያ ንሓደ ዘመን ዓብሊሎምዎ ኣለዉ።

እዞም ክልተ ናይ ርሕቀት ጉየይቲ፡ ‘ክርስትያኖ ሮናልዶን ሊዮነል መሲን’ ኣትለቲክስ እንተትበሃሉ ኣይንእሶምን- ይብል እቲ ተንታኒ ስፖርቲ።

ብመንጽር ንሕንሕኦም ብዙሕ ኣቓልቦ ዝስሕብ ነገር ኣሎ፤ ኪፕቾጐ ኣብ ሜዳ ማራቶን ቀዳምነት ቅድሚ ምሓዙ፡ ቀነኒሳ ብዓቢኡ ነቲ ዓውዲ ተቖፃፂሩዎ እዩ ፀኒሑ።

ንመወዳእታ ግዜ ዝተቐዳደሙ፡ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ለንደን'ዩ ነይሩ።

ኪፕቾገ ንሳልሳይ ግዜኡ ኣብ ኦሎምፒክ ታሪኽ ንምስራሕ ዓሊሙ'ሎ፤ ቀነኒሳ ዋንጫ ብምምንዛዕ ነዚ ታሪኽ ናይ ምቕያር ተኽእሎ ኣለዎ።