ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ትራምፕ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ክስጕግ ፈቒዱ

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስደተኛታት ካብ ዓዶም ወጻኢ ናብ ካልኦት ሃገራት ምስጓግ ዳግማይ ክጅምር መንገዲ ከፊትሉ።

እቶም ደያኑ 6 ብ 3 ድምጺ ብልጫ፡ ነቲ ንስደተኛታት ድሕሪ ምስጓጐም ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋታት ንከረድኡ "ትርጕም ዘለዎ ዕድል" ክወሃቦም ኣለዎ ዝብል ብታሕተዋይ ቤትፍርዲ ዝቐረበ ውሳነ ውዱቕ ገይሮምዎ።

ሰለስተ ሊበራላውያን ደያኑ፡ ነቲ ብቤትፍርዲ ዝተዋህበ ውሳነ "ሕጊ ኣልቦነት ዘግዝም እዩ፡" ብምባል ተቓውሞኦም ገሊጾም።

እቲ ጉዳይ ካብ ሚያንማር፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኩባ፡ ሜክሲኮ፡ ላኦስን ቬትናምን ዝመጽኡ ሸውዓተ ስደተኛታት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት ናብ ደቡብ ሱዳን ትኸይድ ኣላ ብዝተባህለት ነፋሪት ተሰጒጐም። ምምሕዳር ትራምፕ እቶም ስደተኛታት "ካብ ዝኸፍኡ ዝበኣሱ፡" ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ ቦስተን ዝሰርሕ ዳኛ ብራያን መርፊ፡ እቲ ምስጓግ ኣብ ሚያዝያ ዘውጽኦ ሕጊ ከም ዝጠሓሰ ገሊጹ። እቲ ሕጊ፡ ስደተኛታት፡ ዋላ'ውን ካልኦት ሕጋዊ ይግባያታቶም ድሮ እንተ ዘይተዓወተ፡ ናብ ሳልሳይ ሃገራት እንተ ተላኢኾም ክሳቐዩ ወይ ክቕተሉ ይኽእሉ እንተዀይኖም ክዛረቡ ክኽእሉ ኣለዎም ይብል።

ደያኑ ሶንያ ሶቶማዮር፡ ኤሌና ካጋንን ኬታንጂ ብራውን ጃክሰንን ነቲ ብኣብዝሓ ድምጺ ዘይተፈረመ ውሳነ ትማሊ ሰኑይ ብምንቃፍ፡ "ዓቢይ ግህሰት፡" እዩ ኢሎም።

ሶቶማዮር ከም ዝጸሓፎ፡ "እቲ ቤትፍርዲ፡ መንግስቲ ከሰስቲ ብሕግን ብሕገ-መንግስትን ዝግብኦም ግቡእ ምልክታን ኣሰራርሓን ክህብ ምስ ኣዘዘ፡ ኣውራጃዊ ቤትፍርዲ ካብ ስልጣኑ ንላዕሊ ዝኸደሉ ዕድል፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ዝምለሱዎ ርሑቕ ቦታታት ዓመጽ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ዝመርጽ ይመስል፡" ኢሉ።

"ነዚ ፍርዲ እዚ ምጥቃም፡ ንምርዳኡ ኣጸጋምን ጌጋን እዩ፡" ይውስኽ።

ክፍሊ ድሕነት ሃገር፡ እቲ ብይን "ንድሕነትን ጸጥታን ህዝቢ ኣመሪካ ዓወት'ዩ፡" ኢሉ።

ወሃቢት-ቃል እቲ ትካል ትሪሻ ማክላውሊን፡ ነተን ስደተኛታት ዝመልሳ ነፈርቲ "ጀምርወን፡" ኢላ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ እቶም ሸሞንተ ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ቅትለት፡ ምቅጻልን ዕጥቃዊ ምዝማትን ሓዊሱ "ጽዩፍ ገበናት" ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ።

ጠበቓታት ናይቶም ስደተኛታት ግን ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ዘቕረቡዎ ጥርዓን፡ ብዙሓት ካብቶም እሱራት ገበናዊ ፍርዲ ከም ዘይብሎም ገሊጾም።

ንኸሰስቲ ወኪሉ ዝጸንሐ ሃገራዊ ኪዳን ክሲ ኢሚግሬሽን፡ ነቲ ቤትፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ፡ "ዘስካሕክሕ" ክብል ገሊጹዎ።

ፈጻሚት ዳይረክተር ትሪና ርያልሙቶ፡ እቲ ውሳነ ነቶም ዓማዊሎም ናብ "ስቅያትን ሞትን" ከም ዘቃልዖም ገሊጻ።

ትራምፕ ነቲ ጉዳይ ናብ ደያኑ ዘቕረቦ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቦስተን ዝመደበሩ ቤትፍርዲ ይግባይ ንውሳነ ታሕተዋይ ቤትፍርዲ ክዓግቶ ድሕሪ ምእባዩ እዩ።

ብባይደን ዝተመርጸ ዳኛ መርፊ፡ መጀመርታ ኢዱ ኣእትዩ። እቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቶም ስደተኛታት ኣብታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዘለዋ ሃገረ ጅቡቲ ከም ዝጸንሑ ገይርዎም።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ጆን ሳውር ንላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወከልቲ ኢሚግሬሽን፡ "ንሓደገኛታት ገበነኛታት ዝኸውን ግዝያዊ መዳጐኒ ክምስርቱ ከም ዝተገደዱ፡" ገሊጹ።

ሳውር፡ መንግስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንዓመጽቲ ገበነኛታት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልሶም ዘይክእል፡ "እተን ሃገራት ምውሳድ ስለ ዝኣብያ እየን፡" ኢሉ። እዚ ድማ እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑን ንጹሃት ኣመሪካውያን ክጐድኡን ከም ዘኽእሎም ገሊጹ።

እዚ ናይ ትማሊ ውሳነ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ስደተኛታት ናይ ምስጓጕ ድላዩ ስለ ዘሳኽዓሉ ካልእ ዓወት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ንትራምፕ ንቬንዙወላውያን ስደተኛታት ዝኸውን ግዝያዊ ዕቝባ ደው ከብሎ ፈቒድሉ። እዚ ድማ ንኣስታት 350,000 ሰባት ጸልዩዎም።

ኣብ ግንቦት ኣብ ዝሃብዎ ካልእ ውሳነ፡ እቶም ደያኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ካብ ኩባ፡ ሀይቲ፡ ኒካራጓን ቬንዙወላን ዝመጽኡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ንኽልተ ዓመት ክጸንሑ ዘኽኣለ ሰብኣዊ መደብ ንግዜኡ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ገሊጾም።