እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጠፊኦም ዝቐነዩ 3 ኣባላት ፖሊስ ሬሳኦም ብኸመይ ተረኺቡ - ምኽንያትከ?
ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንሽዱሽተ መዓልቲ ደሃይ ኣጥፊኦም ዝቐነዩ ሰለስተ ኣባላቱ ሬሳኦም ኣብ ሓደ ሩባ ረኺቡ፤ ነቲ ኵነታት ድማ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቶም ኣባላት ፖሊስ፡ ቦይፐሎ ሰኖገ ጓል 20 ዓመት፡ ሴቤኩሉ ሊንዳን ወዲ 24 ዓመትን፡ ጓል 30 ዓመት ኬኣሞጌትሰ ባይስን ኰይኖም፡ ዝሓለፈ ረቡዕ እዮም ኣብ ከባቢ ጆሃንስበርግ ካብ ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲ ክወጽኡ ንመወዳእታ ግዜ ተራእዮም።
ሬሳኦም፡ ኣስታት 70 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሩባ ሄኖፕስ ብተነቈጥቲ (ዳይቨርስ) ምስ ካልኦት ክልተ ሬሳ ናይ ገና ዘይተለለዩ ሰባት እዩ ተረኺቡ።
ፖሊስ ፈለማ፡ "ጭውያ" ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግን እቲ ሞት ብሓደጋ ዘጋጠመ ድዩ ወይስ ብኻልእ ምኽንያታት ክግምት ከም ዘይክእል ገሊጹ።
እቶም ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ፡ ፖሎ ቮክስ ቫገን ብዝዓይነታ ጻዕዳ መኪና እናተጓዕዙ ሃንደበት ከም ዝተሰወሩ መግለጺ ፖሊስ ይሕብር።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ መሐበሪ መኪና (ትራኪን) ይዅን ሞባይላቶም ጠፊኡ።
ብድሕሪ'ዚ ፍጻመ፡ ሓደ ጕጅለ ኣለሻ ነቲ ዝተጠርጠረ ዞባ ብጽዑቕ ፈቲሹ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ክፋላት ናይ ሓንቲ "VW Polo" ምዃኑ ዝእመን ኣሰር መኪና ከም ዝረኸበን ፖሊስ ይገልጽ።
ብድሕሪኡ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ገምገም ሩባ ሄኖፕስ፡ ካልእ ሬናውልት ዝዓይነታ መኪና ተረኺባ።
እቶም ሰለስተ መኮንናት ፖሊስ፡ ካብ ፍሪ ስቴት ናብ ሊምፖፖ ይጓዓዙ ኣብ ዝነበርሉ እዮም ደሃዮም ጠፊኡ።
ጠለቕቲ ኣብቲ ከባቢ ክፋል ናይቲ ሩባ፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ሰሉስ ኣብ ዝገበሩዎ ተፍትሽ ሓሙሽተ ሬሳታት ረኺቦም።
እቶም ጠለቕቲ ምስ ሬሳ እቶም ሰለስተ፡ ካልእ ሬሳ ናይ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ጸሓፊ ምምሕዳር ፖሊስ ረኺቦም። ንሱ ነታ መኪና ሬኖ ይዝውራ ከም ዝነበረ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሓምሻይ ሬሳ ግን ዝበስበሰ ብምዃኑ ገና መንነቱ ከም ዘይተፈልጠ ተነጊሩ።
ፖሊስ ክሳዕ ሕጂ ኣሰር እታ መኮንናት ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ይደልዩ ኣለዉ።
ነቶም ሃለዋቶም ጠፊኡ ዝቐነየ ኣባላት ፖሊስ ንምድላይ ክግበር ኣብ ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ብቐረባ ክከታተሎ እንከሎ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ ሓባራዊ ጸሎት ክዝርጋሕ ቀንዩ።
ሬሳታት ምስ ተረኽበ ድማ ብዙሓት ሽምዓ ብምብራህ ኣብ ገምገም ሩባ ሄኖፕስ በጺሖም።
ኮምሽነር ፖሊስ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ነዚ ሬሳታት ኣብዚ ሩባ ንኽረኽቡ ዘገደደ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ክንግምት ኣይንደልን፤ ሓደጋ ድዩ ኣይኰነን፡ መኪንኦም ምስ ረኸብና እንገብሮ መርመራ ነዚ ሕቶታት ክምልሶ እዩ፡" ኢሉ።
እዚ ካብቲ ሰንበት ካብ ፖሊስ ዝተሰምዐ ከቢድ መጠንቀቕታ ዓቢይ ለውጢ ቃና ምዃኑ ዝግለጽ። እቲ ኮምሽነር፡ "ገበነኛታት ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ብምጭዋይ ስልጣን መንግስቲ ከዳኽሙ ኣይክእሉን'ዮም። እዚ ከቢድ መጠንቀቕታ'ዩ ወይ ንነብስኹም ኣረክቡ፡ ወይ ባዕላትና ሃዲንና ክንሕዘኩም ኢና፡" ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።