እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንደቡብ ኣፍሪቃዊ ጅግና ዝቐተለ ዕሉል ኣኽራሪ ስለምንታይ የዘራርብ ኣሎ?
ጃኑስ ዋሉስ፡ ኣብ 1993 ደቡብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ንኹሉ ዜጋ ዘሳተፈ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረት እዋን እዩ፡ ንፀረ- ኣፓርታይድ ተቓላሳይ ክሪስ ሃኒ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ብጥይት ቀቲልዎ።
ንክሪስ ሃኒ ብምቕታል ዝተፈርደ እቲ ወዲ 71 ዓመት፡ ኣብ 2022 ብይቅርታ ቅድሚ ምፍታሑ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ።
የማናዊ ኣኽራሪ ጃኑስ ዋሉስ፡ ናብ ትውልዲ ዓዱ ዝዀነት ናብ ፖላንድ ክባረር ምዃኑ መንግስቲ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብታ ክሳብ ሕጂ ምስ ድሕረ-ኣፓርታይድን ዘርኣዊነትን ትቃለስ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እዚ ትፅቢት ዘይተገብረሉ ውሳነ ሓያል ቁጥዐን ተቃውሞን ኣልዒሉ ኣሎ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሊዮን ሽሪበር፡ ዋሉስ ዓርቢ ምሸት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክወጽእ ምዃኑን፡ መንግስቲ ፖላንድ ድማ ወጻኢታቱ ክሽፍኖ ምዃኑን ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ውሳነ ብመንግስቲ ዝተበየነ ከምዘይኰነን፡ ሕገ-መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳነ የኽብር ከምዘሎን ገሊፁ።
ሽሪበር ኣብ ኤክስ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃውያን "ልቢ ዝሰብር መዓልቲ" ክብል ብምግላጽ፡ እዚ ኣጋጣሚ ነቲ 'ፀልማት እዋን' ኣፓርታይድ ከምዘዘኻኽሮ ሓቢሩ።
በዓልቲ ቤት ሃኒ-ሊምፎ ሃኒ ብወገና፡ መንግስትን ኮሚኒስት ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ነቲ ውሳነ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ከምዘፍለጡዋ ተዛሪባ።
ንሳ ወሲኻ፡ እቲ ገበነኛ ሓሙስ ክፍታሕ ምዃኑ ጥራይ ከምዝተነግራ ገሊጻ።
ሃኒ ቁልፊ መራሒ ናይቲ ንመሰል ፀለምቲ ኣብ ቅድሚት ኰይኑ ዝተቓለሰ፡ ሕዚ ገዛኢ ውድብ-ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ANC)ን ኣባል ኮሚኒስት ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃን እዩ ነይሩ።
ንሱ፡ ንናጽነትን ማዕርነትን ሃገር ህይወቱ ዘበርከተ ጅግና ኮይኑ ይዝከር።
ኤኤንሲ ብቕትለት ሃኒ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምዝካር፡ እቲ ቀታሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍታሑ "እታ ንኣቦናን ብፃይናን ዝቐተለት ጥይት ብልብና ከምዝሓለፈት" መዘኻኸሪ ምዃኑ ገሊፁ።
ወሲኹ፡ "ደም ናይቲ ንሰብኣውነት፣ ንዲሞክራስን ፍትሕን፣ ንናጽነትን ፍቕርን ናይ መወዳእታ ዋጋ ዝኸፈለ ስዉእን ተጋዳላይ ሓርነትን፡ ኣብ ኢዱ ኣሎ" ይብል።
ኣብ 1981 ካብ ፖላንድ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገዓዘ ዋሉስ፡ ዜግነት'ታ ሃገር ተዋሂብዎ ዝነበረ ዀይኑ፡ እቲ ቅትለት ምስ ፈጸመ ድማ ዜግነቱ ተሓዲጉ።
ፈለማ ምስ'ቲ ተሓባበሪኡ ዝዀነ ክላይቭ ደርቢ-ሉዊስ፡ ሞት ተፈሪድዎ እኳ እንተነበረ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ 'ሞት ፍርዲ' ምስ ሰረዘት ግን፡ እቲ ውሳነ ናብ ሙሉእ-ዕድመ ማእሰርቲ ተቐይሩ።
ኣብ 1997፡ ቤት ፍርዲ 'ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን'፡ እቲ ገበነኛ ንሃኒ ዝቐተሎ፡ "እታ ሃገር ክትሕመስን ኣኽረርቲ የማናውያን ስልጣን ንክጭብጡን" ዓሊሙ ምዃኑ ገሊፁ ነይሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስርዓተ ኣፓርታይድ ዘረጋገፀ ልዕልና ፀዓዱ ኣብ ኣጋ ዘብቀዐሉ እዋን፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ጥሒላ ነይራ።
መራሒ ኤኤንሲ ነበር ኔልሰን ማንዴላ፡ ኣብ 1990 ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ፡ ልዕልና ፀዓዱ ኣብቂዑ፡ ናብ ሃገራዊ መረፃ ብዛዕባ ዝግበር ስግግር ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ኣፓርታይድ ኣብ ዝዝትየሉ እዋን፡ ፀዓዱ 'ሕግን ስርዓትን' ክፈርስ እዩ ዝብል ስግኣት ነይሩዎም።
ብፍላይ ምስ ቅትለት ሃኒ ተኣሳሲሩ፡ እታ ሃገር ናብ ዓሌታዊ ጒንፅን ናዕብን ክተምርሕ እያ ዝብል ስግኣት ነይርዎም።
ገሊኦም ድማ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዲሞክራሲ እትገብሮ ስግግር፡ ዳርጋ ኣብቂዑ ኢሎም ተስፋ ቀቢፆም ነይሮም።
ዋና ጸሓፊ ኤኤንሲ ፊኪለ ምባሉላ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ቅትለት "ንደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ዓበይቲመ መራሕቲ ዝስአነ ተግባር" ክብል ገሊጹዎ።
"ተግባራቱን ውዲቱን ምሉእ ብምሉእ ከይተናዘዘ ምስጓጉ ፍትሓዊ ኣይኮነን"።
ምባሉላ "ምሉእ ስፍሓት ናይቲ ገበን ንምቅላዕ" ብዛዕባ እቲ ቅትለት ምሉእ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ። ኮሚኒስት ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ገበነኛ ዋሉስ፡ ብማናውያን-ኣኽረርቲ ፖለቲከኛታት ፖላንድ ኣዝዩ ተፈታዊ ሰብ ኰይኑ ስሙ ይለዓል ኣሎ።
ምስሉ፡ ኣብ ክሳድ ዝእሰሩ መጋየፅቲ፣ ኣብ ቲሸርትን ፖስተራትን ተሓቲሙ ይዝርጋሕ ኣሎ፤ እቲ ዘሕዝን እዞም ፍርያት ኣብ'ታ ጀግናኣ በዚ ገበነኛ ዝሰኣነት ሃገረ- ደቡብ ኣፍሪቃ ከይተረፈ ብሰፊሑ ይሽየጡ ምህላዎም እዩ።
ንዋሉስ ቃለ መሐትት ዝገበረትሉ ጋዜጠኛ ከምዝበቶ፡ ንሱ ንሃኒ ብምቕታሉ ክንዲ ፍረጣፍ ነስሓ ከምዘይስመዖ ተዛሪባ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣኽረርቲ-የማናውያን ድማ፡ ንዋሉስ "ዓቢ ተስፋ ፀዓዱ" ገይሮም ከምዝርእይዎ ኣቃሊዓ።