መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ሲቪላዊ በረራታት ዘስዓቦ ጸገማት

ናብ እስራኤልን ኣብቲ ዞባ ናብ ዝርከባ ካልኦት ሃገራት ክኸዱ ዝደልዩ ገያሾ፡ ብሰንኪ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ምትዕንቓፍ ከምዘጋጠሞም ይግለጽ ኣሎ።

'ኢዚ ጀት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉጥ መንገዲ ኣየር ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ናብ እስራኤላዊት ከተማ ተል-ኣቪቭ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ክሳብ ድሕሪ 21 ሚያዝያ ከቋርጾ ተገዲዱ'ሎ።

ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ መንገዲ ኣየር 'ዊዝ ኣየር' ብወገኑ፡ ጽባሕ ሰሉስ 16 ሚያዝያ ናብታ ከተማ ዘካይዶ በረራታት ዳግማይ ክጅምሮ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግን "ገያሾ ናይ ግዜ ምቅይያራት ከጋጥሞም ከምዝኽእል" ኣጠንቂቑ።

"ነቲ ኩነታት ብቐረባ ንምክትታል ምስ ዝምልከቶም ሰብመዚ ብምዃን ንዝፍጠር ናይ ግዜ ምቅይያራት ንገያሾ ክንሕብር ኢና" ክብል'ውን ዊዝ ኤር ቃል ኣትዩ'ሎ።

"ኩሎም በቲ ምቅይያር ሰዓታት ጉዕዞ ዝተጸልዉ ገያሾ፡ ሓድሽ ዝጓዓዝሉ ግዜ ክመርጹ ወይ ገንዘቦም ናይ ምምላስ ኣማራጺታት ክወሃቦም እዩ" ይብል እቲ መንገዲ ኣየር።

ኢራን ብቀዳም 13 ሚያዝያ ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ምፍጻማ፡ እስራኤል ንክሊ ኣየራ ክትዓጽዎ ተገዲዳ'ያ።

እቲ ብሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ዝተሰነየ ደብዳባት ነቲ ብ1 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኢራን ኣብ ሶርያ ዝተፈጸመን ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኢራን ዝቐተለን መጥቃዕቲ ኣየር ሕነ ንምፍዳይ ዝተኻየደ'ዩ። ዋላ'ኳ እስራኤል ንኸምዚ ዝበለ መጥቃዕትታት ብወግዒ ዘይትእመነሉ እንተኾነት፡ ባዕላ ዘካየደቶ'ዩ ተባሂሉ'ዩ ብሰፊሑ ዝእመን።

እስራኤል ካብ ሰንበት ኣትሒዛ ንክሊ ኣየራ ክትከፍት እንከላ፡ በረራታት ደው ከምዝብል ገይረን ዝነበራ ዮርዳኖስ፡ ዒራቕን ሊባኖስን'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ሰማያተን ኣርሕየን ኣለዋ።

ፍሉጥ ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብወገኑ፡ ነቲ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ ናብ ተል-ኣቪቭ፡ ዓማንን ኢብሪልን (ሰሜናዊ ዒራቕ) ዘካይዶ ስሩዕ በረራታት ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ ከምዝቕጽሎ ሓቢሩ።

ናብ ጣህራንን በይሩትን ዘካይዶም ዝነበረ በረራታት ግን ብውሕዱ ክሳብ 18 ሚያዝያ ተቋሪጹ ክጸንሕ ምዃኑ ሉፍታንዛ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሆላንዳዊ (ነዘርላንድስ) መንገዲ ኣየር ከይ-ኤል-ኤም ድማ ነቲ ካብን ናብን ተል-ኣቪቭ ዘካይዶም ዝነበረ በረራታት ክሳብ ጽባሕ ሰሉስ ኣቋሪጽዎ ይርከብ።

ካልኦት መንገዲ ኣየራት'ውን ብሰንኪ'ቲ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣንፈት ጉዕዞ በረራታት ክቕይራ ተገዲደን ኣለዋ። እዚ ድማ ኣብተን ትካላት ይኹን ገያሾ ተወሳኺ ጸቕጥን ምንዋሕ ግዜን ኣስዒቡ'ሎ።

ኣውስትራልያዊ መንገዲ ኣየር 'ኳንታስ'፡ ነፈርቱ ንክሊ ኣየር ኢራን ንምውጋድ ተዃሊለን ክበራ ከምዝተገደዳ ገሊጹ።

ብሪጣንያዊ መንገዲ ኣየር 'ቨርዢን ኣትላንቲክ' እውን "ኣብዚ እዋን'ዚ ብሰማያት ዒራቕ፡ ኢራን ወይ እስራኤል ምብራር ገዲፍናዮ ኣለና። ኣብ ንጥፈታትና ዘምጽኦ ጽልዋ ንምግምጋም ግን ነቲ ኩነታት ንከታተሎ ኣለና" ኢሉ።

እቲ ብዝተፈጥረ ሓድሽ ኩነታት ንተጓዓዝቱ ይቕሬታ ዝሓተተ ቨርዢን ኣትላንቲክ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘቋረጾ ናይ እስራኤል በረራታቱ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ዳግማይ ክጅምሮ መደብ ከምዘለዎ ኣፈኛ እቲ መንገዲ ኣየር ተዛሪቡ።

ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሎ ዘሎ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ (ብሪትሽ ኤርወይስ) ግን፡ ንሎሚ በረራ ከምዘካየድ ሓቢሩ ነይሩ።

እታ ኣርማ ብሪጣንያ ዝኾነት መንገዲ ኣየር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብን ናብን እስራኤል በረራታት ድሕሪ ምቁራጻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ'ያ ዳግማይ በረራታታ ቀጺላ።

መንገዲ ኣየር 'ኣይበርያ ኤክስፕረስ' ብወገኑ፡ ሰንበትን ሰኑይን በረራታት ከምዘቋረጸ ክገልጽ እንከሎ፡ መንገዲ ኣየር ፊንላንድ (ፊንኤር) ድማ፡ ብክሊ ኣየር ኢራን ዝግበር በረራታቱ ንዘይተወሰነ እዋን ኣወንዚፍዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ትካል ድሕነት ኣቬሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ፡ መንገዲ ኣየራት ንሓደጋታት ክሊ ኣየር ኢራንን እስራኤልን ብዕቱብ ክከታተልኦን ድሕነት በረራታተን ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስዳን ተማሕጺኑ ነይሩ።

መንገዲ ኣየር ቐጠር ግን፡ ናብ ሓያለ ከተማታት ኢራን ትገብሮ ዝነበረት በረራታት ዳግማይ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ'ላ።