እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ስለምንታይ’ያ ንእስራኤል ኣጥቂዓታ?
ኢራን ናይቲ ብ 1 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ደማስቆ ዝርከብ ቆንስላኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ’ያ ብቀዳም ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕትታት ድሮንን ሚሳይልን ፈንያ።
እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ቆንስል ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ብወግዒ ኣይሓበረትን። እንተዀነ ነቲ መጥቃዕቲ ባዕላ ከምዝፈጸመቶ ብብዙሓት ይእመን።
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።
እንተዀነ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ክተፋነናን ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ንሓድሕደን ክጠቃቕዓን ዝጸንሓ ’የን።
ብፍላይ ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽሙ፡ እቲ ምትፍናነን እናብኣሰ ክኸይድ ጸኒሑ።
እስራኤልን ኢራንን ንምንታይ’የን ንሓድሕደን ጸላእቲ ኰይነን?
እዘን ክልተ ሃገራት ክሳብ 1979 መሻርኽቲ እየን ነይረን።
ኣብቲ ዓመት እስላማዊ ሰውራ ኢራን ስልጣን ምስ ሓዘ ግን ኣብ ስነ ሓሳቡ ንእስራኤል ከም ቀንዲ ጸላኢት ኢራን ገይሩ ስለዘቐመጣ ምፍሕፋሕ እዘን ሃገራት ብወግዒ ጀሚሩ።
ኢራን ንእስራኤል ከም ሃገር ኣፍልጦ ኣይትህባን ጥራይ ዘይኮነስ "ክትጠፍእን ክትህሉ ዘይብላ ሃገርን" ኢላ’ያ ትገልጻ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ኢራን ኣያቱላህ ዓሊ ከማኒ ኣቐድም ኣቢሉ ንእስራኤል “ሕበጥ መንሽሮ” ኢሉ ብምግላጽ “ካብ ሱራ ክትብርቆቕን ክትዓኑን’ዩ ዘለዋ” ኢሉ ነይሩ።
እስራኤል’ውን ንኢራን ከም ቀንዲ ስግኣት ህላወኣ ገይራ’ያ ትገልጻ።
ኢራን፡ ንእስራኤል ንምጥፋእ ንሓማስን ንሕዝቡላህን ከምእተዕጥቅን ኒዩክለራዊ ኣጽዋራት ተማዕብል ከምዘላን’ያ እስራኤል ብተደጋጋሚ ትኸስስ። ኢራን ግን ነቲ ምምዕባል ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝብል ክሲ ከምኡ ዓይነት ጥሙሕ ከምዘይብላ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ትስማዕ።
ፈዳይ ሕነ መጥቃዕቲ ኢራን
ኢራን ብቀዳም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዘካየደቶ ድሮናትን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ፡ ነቲ እስራኤል ብ1 ሚያዝያ ሞት ላዕለዎት ጀነራላት ኢራን ዘኸተለ ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ከምዝሃበትሉ’ያ ሓቢራ።
እቲ ኣብ ደማስቆ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመን ንልኡላውነታ ዝግሃሰን ከምዝዀነ ትገለጽ። እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመቶ’ኳ ብወግዒ እንተዘይገለጸት ብዙሓት ግን ከምዝፈጸመቶ ይኣምኑ።
በቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ደማስቆ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ካብኦም ንሕዝቡላህ ኣብ ምዕጣቕ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ብርጋደር ጀነራል መሓመድ ረዛ ዛሀደ ይርከቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ’ውን ኣብ ሶርያ ሓያለ ወተሃደራውያን ሓላፍቲ ኢራን ተቐቲሎም ምንባሮም ይዝከር።
ኢራን ብሶርያ ኣሕሊፋ ንሕዝቡላህ ምዕቡላት ሚሳይላት ዝርከቦ ሓያለ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ከምእተዕጥቆም’ዩ ዝገልጽ።
እስራኤል ከኣ ዓብላልነት ኢራን ኣብ ሶርያ ንምድኻምን ነቲ ካብ ኢራን ተበጊሱ ብሶርያ ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሕዝቡላህ ዝበጽሕ ናይ ኣጽዋር ሓገዛትን ንምብራኽ’ያ ትፍትን ዘላ።
መሻርክቲ ኢራን በዓል መን’ዮም?
ኢራን ህላወ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝቃወሙ ‘ኪዳን ተቓውሞ’ ኢላ ዝሰመየቶም መሻርኽቲ ክትፈጥር ክኢላ’ያ። ዕላማኣ ንምትግባር ከኣ ካብ ምዕጣቆም ድሕር ኣይትብልን።
ሶርያ ቀንዲ መሻርኽቲ ኢራን’ያ።
ኢራን ከኣ ምስ ሩስያ ብምዃን ንመንግስቲ በሻር ኣል ኣሳድ ብምድጋፍ ኣል ኣሳድ ኣብቲ ኣብ ሃገሩ ካብ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ከይተሰዓረ ክቕጽል ኣኽኢለንኦ።
ኣብ ሊባኖስ ጸላዊ ሓይሊ ዝዀነ ሕዝቦላህ’ውን ብኢራን’ዩ ዝድገፍ።
ሕዝቡላህ፡ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ካብ ዝውላዕ ንሓማስ ብምድጋፍ ናብ ውሽጢ ዶብ እስራኤል ዘቕነዐ መጥቃዕትታት ክፍኑ ጸኒሑ’ሎ።
ብሰንኪ’ዚ ኣብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቡላህ ዝቈጻጸሮ ክፋል ሊባኖስ ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ይርከቡ።
ኢራን ነቶም ኣብ ኢራቕ፡ ሶርያን ዮርዳኖስን ዝርከብ መዓስከራት ኣመሪካ ብሮኬታት ኣብ ምጥቃዕ ዝርከቡ ምሊሻታት ሺዓ’ውን ትድግፎም’ያ።
ኣብ የመን ንዝርከቡን ንዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ተቆጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ’ውን ኢራን’ያ ተስንቆምን ተዕጥቆምን።
ሑቲ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ ናይ ንግዲ መራኽብ ተደጋጋሚ ናይ ድሮንን ሚሳይልን መጥቃዕትታት ብምፍናው ብውሕዱ ሓንቲ መርከብ ኣጥሒሎም’ዮም።
ከም ግብረ መልሲ፡ ኣመሪካን እንግሊዝን’ውን ንመዓስከራትን መበገስን ሑቲ ዝበላኦ ቦታታት ምድብዳበን ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ ኢራን ነቶም ምስ እስራኤል ኣብ ዲቕ ዝበለ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ሓማስ’ውን ወተሃደራዊ ስልጠና ከምእትህብን ኣጽዋር ከምእተዕጥቘምን’ዩ ዝፍለጥ።
ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራንን እስራኤልን ተወዳዳሪ ድዩ?
ብስፍሓት መሬት ኢራን ካብ እስራኤል ኣዝያ ዝገዘፈት’ያ።
እቲ 90 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኢራን’ውን ዳርጋ ዓሰርተ ዕጽፊ ብዝሒ ህዝቢ እሰራኤል’ዩ። እንተዀነ እዚ ንወተሃደራዊ ዓቕመን ዝጸሉ ኣሃዝ ኣይኮነን።
ኢራን ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ምምስራሕ ዘይተኣደነ ንዋት’ያ ኣፍሲሳ።
ባዕላ ዘፍረየቶም ኣዝዮም ብዙሓት ከበድቲ ኣጽዋራት ኣለዋ። እንተዀነ ካብቲ ዘፍረየቶ ኣጽዋራት ንሑቲ፡ ሕዝቡላህን ሓማስን ኣብ ምዕጣቕ’ያ ተጓድሎ።
እንተዀነ ኢራን ዘመናዊ ዝዀነ ጸረ ነፈርትን ዘመናውያን ናይ ውግእ ነፈርትን ይሓጽራ’ዩ።
ሩስያ ኣምሳያ ናይቲ ኢራን ትህባ ዘላ ሚሳይላትን ድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ጸረ-ነፈርትን ክትህባ ከምዝእትኽል ይእመን።
ምስ ኢራን ብምንጽጻር እስራኤል ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ዝማዕበለ ሓይሊ ኣየር’ዩ ዘለዋ።
ብመሰረት ካብ 'ኣይኣይኤስኤስ' ዝተረኸበ ሓበሬታ እስራኤል ኤፍ15፡ ኤፍ 16 ከምኡ ከኣ ኤፍ 35 ዝሓቘፈ 14 ጭፍራ ነፈርቲ ውግእ ከምዘለዋ ይግመት።
ሓደ ጭፍራ ነፈርቲ እስራኤል ከኣ ኣማኢት ነፈርቲ ውግእ ዝሓቘፈ’ዩ።
ብዘይካ’ዚ እስራኤል ናብ ተኣፋፊ ቦታ ከይተረፈ ኣትያ ናይ ምጥቃዕ ውህሉል ተመኵሮ ኣለዋ።
ኢራንን እስራኤልን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣለወን ድዩ?
እስራኤል ናይ ገዛእ ርእሳ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምዘለዋ ይግመት፤ እንተዀነ ብወግዒ ከምዘለዋ ኣይትገልጽን።
ኢራን ግን ኑክሌራዊ ኣጽዋር የብላን፡ ነቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ትፍትን ኣላ ዝብል ክስታት’ውን ብተደጋጋሚ ክትነጽጐ’ያ ትስማዕ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓለማዊ ተቘጻጻሪ ኑክሌር ኣብ ኢራን 83.7 ሚእታዊት ዓቐን ዩራንየም ዘለዎ ንጥረ ነገር ከምዝረኸበ ገሊጹ ነይሩ፤ እዚ ደረጃ ዓቐን ከኣ ናብ ደረጃ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣዝዩ ዝተቓረበ’ዩ።
ኢራን ኣብ 2015 ምስ ሓያል ሃገራት ዓለም ዝተገብረ ስምምዕ ኒክሊየር ብምጥሓስ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብግልጺ ክሳብ 60 ሚእታዊት ባህሪ ዩራንዮም ዘለዎ ንጥረ ነገር ከተፍሪ ጸኒሓ።
ኢራን እንታይ መልእኽቲ’ያ ከተሕልፍ ደልያ?
ንብዙሓት ቀዳሞት ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኣማኻሪ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኰይኑ ዝሰርሐን ኣምባሳደር ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረን ቶም ፍሌቸር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "እቲ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ክሳብ ኣበይ ክትበጽሕ ከምእትኽል ዘርኢ’ዩ" ይብል።
ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዘለዉ መራሕቲ፡ “ካብ ህዝቦም ጸቕጥን ዓለምለኻዊ ኩነኔን ኣለዎም፤ ብሓዊ ክጻወቱ ድሕር ዝብሉ ኣይኰኑን” ክብል ይውስኽ።
እንተዀነ ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ብጥንቍቕ ዓቐን ከምዘካየደቶ ይትንትን።
“ኢራን ነዚ መጥቃዕቲ ከተካይዶ እንከላ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘለዋ ንምርኣይ ደኣ’ምበር እቲ ረስኒ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክኸይድ ድልየት የብላን” ይብል ቶም ፍሌቸር።
ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክንዲ ብመንገዲ ሕዝቡላህ ብቐጥታ ባዕላ ምፍጻማ’ውን ‘ብኣወንታ’ ከምዝርአ ይገልጽ።