ፒካዱስ፡ ብኢትዮጵያውያን ዝዓመረት ንእሽቶ ከተማ ጅቡቲ

ካብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ 12 ኪሎ ሜተር ተጓዒዝኩም ናብ ፒካዱስ እንተመጺእኹም፡ ብሸነኽ ጸጋም ብርክት ዝበላ ናይ ኢትዮጵያ ቑጽሪ ሰሌዳ ዘለወን መካይን ክጸንሓኹም’የን።

እዘን ብኣማኢት ዝቑጸራ ቃፍላይ መካይን፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘምጽእ ወርቅን ካልእን ምህርታት ሕርሻን ካብ ወደባት ጂቡቲ ከኣ ነታ ወደብ ዘይብላ ኢትዮጵያ ስንቅን ሸቐጣ ሸቐጥን ከመላልሳ ኣብ ፒካዱስ እየን ዝእከባ።

ኣብ ጐነን ድማ፡ በዓል መዚ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእሎ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ኣሎ።

ኣብ ፊቶም ክኣ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ መግቢ ኣለው።

እዞም ኣብያተ መግቢ ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃታት ዝስመዓሎም ብቛንቋ ዓዶም ዝዛረቡ ሰባት ዝእከብሎም፣ ዓዳግን ሸያጥን ብባጤራ ኢትዮጵያ ዝዓዳድግሉ ቦታታት እዮም።

‘ተዛማዲ ናጽነት ዝረኽበሉ ቦታ’ዩ’

ኣብ ፒካዱስ ኣብ ክንዲ ዜጋታት እታ ሃገር ኢትዮጵያውያን ብብዝሒ ይርኣዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጅቡቲ መዓልታዊ ካብ ፖሊስ ክሕብኡ ስለዝረኣዩ መብዛሕቶም ዳርጋ ብዘይሕጋዊ መገዲ እዮም ዝነብሩ ክበሃል ይክኣል።

ጅቡቲ፡ ከም ከብዲ ኢደይ እያ ዝፈልጣ እትብል ጂጂ፡ ‘ ኣብ ፒካዱስ’የ ነጸላ ተኸዲነ ብናጽነት ክንቀሳቐስ ዝኽእል’ ትብል።

ኣብዛ ንእሽቶ ቑሸት ኢትዮጵያውያን፡ ፖሊስ ‘ጸጉረ ልውጥ’ ኢኺ ኢሉ ከም ዘይከታተላ ትገልጽ።

ኣብዚ ከባቢ፡ ኣብ ጅቡቲ ካብ ዝዝረብ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ዓረብኛን ፈረንሳይኛን ንላዕሊ ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛኝ ትግርኛን ብሰፊሑ ይዝረብ።

እቶም ኣብኡ ዘለው ትካላት ንግዲ ብቈርቈሮ ዝተሰርሑ’ዮም።

ካብ ወሎ ከም ዝመጽአ ዝዛረብን ኣብ ፒካዱስ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተቐመጠን መሓመድ ሳኒ፡ ኣብዚ ከባቢ ዝርአ “ልዕሊ 75 ሚኢታዊት መራሒ መኪና’ዩ” ይብል።

እቶም ዝተረፉ ሸቀልቲ፣ ኣብ ትካላት ንግዲ ዝሰርሑ ወይ ብስደት ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ፒካዱስ ክሕብኡ ዝመረጹ’ዮም።

ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከብ [ሽሙ ዝተቀቐየረ]መንእሰይ ምራድ ናይዚ ኣብነት እዩ። ሙራድ ክሳብ 11 ክፍሊ ከም ዝተማህረ ይዛረብ።

ስድርኡ ኣብ ሞንጐ ክልላት ኦሮሚያን ሶማልን ጐንጺ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን ካብ ጅግጅጋ ተመዛቢሎም ናብ ገላን ኣትዮም።

ንሱ’ውን ትምህርቲ ኣሞናጒዩ፡ ካብ ሓው ንንግዲ ጫማ ዝኸውን ገንዘብ ተቐቢሉ ናብ ጅቡቲ ተሰዲዱ።

ግን፡ ኣብታ ኣብ ጅቡቲ ዘላ ንእሽቶ ኢትዮጵያ ተዋሒጡ ተሪፉ።

መራሕቲ ቃፍላይ መኪና፡ ደጀን ፒካዱስ’ዮም፤ ንሳቶም እንተዘይሃልዮም ፒካዱስ ኣይተተንፍስን።

እቶም ኣብያተ መግቢ ንመን ኣሚኖም ኣፍ ደግኦም ክኸፍቱ።

ብርግጽ፡ ንሙራድ ሓዊስካ እዞም ካብ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ናብራ ደልዮም ዝወጽኡ መናእሰይ፡ ስራሕ ስኢኖም፡ ኰን ደዀን ምጽዋት መራሕቲ መኪና እንተረኸብና ኢሎም የማነ ጸጋም ይብሉ።

መሓመድ ድማ ኣብ ፒካዱስ ‘ኵሉ ኣብ ኢድካ ኵሉ ኣብ ደጋፌትካ’ዩ’ ይብል። ብምቕጻል ‘ጉዳይ ዋጋ እሞ ኣይተልዕሉ፤ ካብ ግዜ ናብ ግዜ’ዩ ዝውስኽ ዘሎ’ ክብል መረርኡ ይገልጽ።

ኢትዮጵያውያን ዘዳልውዎ መግቢ ዝቋደሱ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኰኑ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሶማልያውያን’ውን ኣለው።

ንሶም ከም ዝብሉዎ እንተዀይኑ፡ ኣብ ሕሉፍ ጊዜያት ባጤራ ኢትዮጵያ ኣብ ፒካዱስ ሓያል ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ነይሩዎ።

ብሙዚቃታት ኢትዮጵያ እትለሀ ፒካዱስ

ፒካዱስ ብቋንቋ ፈረንሳ፡ 12 ማለት’ዩ ይብሉ ኣብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮም ሰባት።

እዞም ኢትዮጵያውያን ነቲ ቦታ ቢካዱስ፣ ሚካዱስ ክብሉ ይጽውዑዎ። ደቂ እታ ሃገር ድማ PK-12 (Piquer à douze) ይብሉዎ።

ትርጉም እንተሓቲትካ ብልክዕ ዝነግረካ ኣይትረክብን። ቀጥታዊ ትርጉሙ 12 ምልክታት ማለት’ዩ ጥራይ’ዮም ዝብሉ።

ፒካዱስ ግን፡ ካብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ 12 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ፡ ኣብ የማነ ጸጋም ቀንዲ መስመር እትርከብ ቁሸት ምዃና ምዝራብ ይክኣል።

ኣብ ፒካዱስ ዘለዋ ቃፍላይ መካይን ቖጺርካ’ውን ኣይውድኣን እየን። ኢትዮጵያዊ ከኣ እግሪ እግረን ስዒቡ ኣብታ ከተማ ይነብር ኣሎ።

“ብዙሓት መራሕቲ መኪና’ዮም ዝመጽኡ፤ ካብዚ ወጻእ ግን ናብ ካልእ ኣይኸዱን። ኣብዚ (ጅቡቲ) ቋንቋ ፈረንሳ፣ ዓፋርን ሶማልን ይዝረብ። ኢትዮጵያውያን መራሕቲ መካይን ናይ ቋንቋ ጸገም ስለ ዘለዎም፡ ንጂቡቲ እንተመጺኦም ካብ ፒካዱስ ኣይወጽኡን እዮም” ይብል መሓመድ ሳኒ።

ኣብ ፒካዱስ እንተኣቲኹም፡ ጽምዋን ናፍቖት ዓድን ኣይስመዓኩምን እዩ።

ቡን ምስ ጥዑም ጨናኡ እናተቘለወ፣ ዕጣን እናተኸኸ፣ ውዑይ ሽሮ ብእንጀራ . . . ይቐርበልኩም። እቶም መራሕቲ መኪና ግን ኣብ መካይኖም እዮም ዝድቅሱ።

“ክቡር ክኸውን ይኽእል’ዩ እምበር ዝደለናዮስ ንረክብ ኢና” ክብሉ ተኣኪቦም ቡን ክሰትዩ ዝረኸብናዮም መራሕቲ መካይን ኣውጊዖምና።

ኣብ ገለ መዘናግዒ ቦታታት እንተኣቲኹም ድማ፡ ዜና ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝከታተል፣ ብባህላዊ ሙዚቃታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ዝሰምዕ ኣይትስእኑን።

ኣብቲ ቦታ ናይ ኢትዮጵያውን ድኳናት፣ ኣብያተ ብልዒ፣ መኽዝናት ይርከቡ። ዋናታት እቶእ ትካላት ንግዲ ከኣ ኢትዮጵያውያን’ዮም።

መራሕቲ መካይን፡ እክብ ኢሎም ካርታ ክጻወቱ ወይ ኣብ ሓበራዊ ጉዳይ ክዘራረቡ ይርኣዩ።

ብርሃን፡ ኣብ ፒካዱስ ቡን ኣፍሊሓ ትሸይጥ። ኣብታ ቑሸት ክልተ ዓመት እኳ እንተገበረት ኣብ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እያ ቡን ኣፍሊሓ ክትሸይጥ ጀሚራ።

ንሓደ ፍንጃል ቡን ከኣ 20 ብር ትሸጦ። ዓማዊላ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ መራሕቲ መካይን እዮም።

ትቐልዎ ዘላ ቡን ከይሓራ እናተጠንቀቐት “ኣብዚ ሓበሻን ሶማልን’ዩ ዘሎ፤ ‘ስፕሪስ’ዩ’ “ ብምባል ነቲ ከባቢ ትገልጾ።

ብርሃን ሽሮ ሰሪሓ፣ ቡን ኣፍሊሓ ብእትረኽቦ እቶት ህይወተይ ክመርሕ’የ እንተበለት’ውን “ገንዘበይ ብክራይ ገዛ እዩ ዝውዳእ” ትብል።

ኣብ ፒካዱስ ንመግቢ ሽሮ ካብ 160 ክሳብ 200 ብር፣ ማይ ካብ 70 ክሳብ 100፣ ጥብሲ ስጋ ክሳብ 400 ብር ይበጽሕ፤ ቡን ከኣ 20 ብር ይሽየጥ።

ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ኢትዮጵያውያን፡ ንሕማቕ ግዘ ኢሎም ዑቁብ ይኣትው። ኣብ ጥቓኦም ድማ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ኣሎ።

መተዓዳደጊ ባጤራ ኢትዮጵያ እትጥቀም ፒካዱስ

ኣብዚ፡ ካብ ሽቶ ክሳብ ጸባ፣ ካብ ክዳን ክሳብ ሽኮር፣ ካብ ሳሙና ክሳብ ሻምፑ ኣሎ።

ድፍር ዝበለ መራሒ መኪና፡ ኣብዚ ቦታ እዩ ንስድርኡ ዝዀኖ ኣስቤዛ ዝዕድግ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክቡር’ዩ ወይ ኣይርከብን ዝበሉዎ ኣብዚ ንምዕዳግ ግን ፍራንክ ጅቡቲ ኣየድልዮምን፤ ባጤራ ኢትዮጵያ እንተሃልዩካ እኹል’ዩ።

100 ብር ብ150 ፍራንክ ጅቡቲ ዘሽርፋ ሶማልያውያን’ውን ኣለዋ።

እዘን ገንዘብ ዘሽርፋ ብቋንቋ እታ ሃገር ሳሪፍሌ (sarifley) ይብሃላ።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ ንሓላፊ መገዲ ብኣዒንተን እናተማሕጸና ገንዘብ ከሽርፍ ዝደሊ ሰብ ክረኽባ ይጽዕራ። እዘን ኣብ ቦርሳአን ብር፣ ዶላር፣ ዩሮን ፍራንክ ጅቡቲን ዝሓዛ ነጋዶ ክልተን ልዕሊኡን ኰይነን እየን ኰፍ ዝብላ።

መራሕቲ መካይን ከም ዝብሉዎ፡ ቅድሚ ሕጂ ባጤራ ኢትዮጵያ ሓያል ስለ ዝነበረ ዝደለዩዎ ነገር ብሕሳር ዋጋ ዓዲጐም ይምሰሉ ነይሮም።

ሕጂ ግን ዋጋ ብር እናነከየ ብምምጽኡ ኣብ ጅቡቲ ዝዕድጉዎም ነገራት ይኸብሮም ከምዘሎ ይዛረቡ።

ፒካዱስ፡ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ 200 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ እቲ መገዲ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ ብሸነኽ ጋላፊ ክልተ መዓልቲ፣ ብድሬዳዋ ድማ ሓደ መዓልቲ ከም ዝወስድ ኣብቲ ከባቢ ዘዘራረብናዮም መራሕቲ መካይን ይገልጹ።

ንሸውዓተ ዓመታት ናብዚ ከባቢ ከም ዝተመላለሰ ዝገልጽ መራሒ መኪና ኪሮስ፡ ልዑል ወሰኽ ዋጋታት ከም ዝተዓዘበ ይሕብር።

እቶም መራሕቲ መካይን ኣብ ፒካዱስ ብውሑድ ካብ 7 ክሳብ 10 መዓልታት ከም ዝጸንሑ፤ ጽዕነት እንተተሳኢኑ ድማ ክሳብ ክልተ ወርሒ ክጸንሑ ከም ዝኽእሉ ኣውጊዖምና።

ከምዚ ዓይነት ጸገም ከጋጥም እንከሎ ግን ንዝበልዑዎ’ውን ከም ዝጽገሙ ኪሮስ ይገልጽ። ኣብዚ እዋን፡ እቲ ምስጉን ባህሊ ምትሕግጋዝ ይቕልቀል።

ገንዘብ ወዲአ ንዝብል መራሒ መኪና፡ “ኢትዮጵያዊ እንተዀይኑ መራሕቲ መኪና ጥራይ ዘይኰነ ሆቴላት’ውን እዮም ዝህቡዎ” ይብል ኪሮስ።

ኣብ ፒካዱስ ባንኪታት ኢትዮጵያ የለውን፤ ስለዚ ገንዘብ ዝወድአ መራሒ መኪና ኣብ ዶብ ጋላፊ ክሳብ ዝበጽሕ ምስቶም ካልኦት ተማቒሉ’ዩ ዝጸንሕ።

ኪሮስን ናብቲ ምስ ካልኦት መራሕቲ መኪና ዝጀመሮ ጸወታ ካርታ ተመሊሱ፤ ብርሃን’ውን ትቐልዎ ዝነበረት ቡን ወዲኣ መግቢ ተዳሉ።

ሙራድ ግን ንመጻኢ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኣይፈልጥን።

ስቕ ኢሉ ኣብታ ንኡሽቶ ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸል ነበርቲ ተሓቢኡ ዝረኸቦ እናበልዐ ወጊሑ ይመስዮ።