እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከሰጋግሩ ዝፈተኑ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
መኪና ፖሊስ ተጠቒሞም ካብ ኢትዮጵያ 13 ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ከስግሩ ዝተረኽቡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ሰብመዚ ኬንያ ገሊጾም።
እቶም መኮንናት ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያንን ሓደ ዜጋ ሱዳንን ብናይ ኣሃዱ ፖሊስ ዶብ ኬንያ ከስግሩ ከም ዝተተሓዙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።
እቶም ኣጽዋር ፓሊስ ዝዓጠቑ መኮንናት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ኣብ እትርከብ ምስ ኢትዮጵያ እትዳወብ ኣውራጃ ቱርካና እዮም ተታሒዞም።
ሰብመዚ እታ ሃገር፡ እቶም 13 ሰባት እውን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተውዎም’ዮም ሓቢሮም።
ኣብ ቤት ፍርዲ ኬንያ ክቐርቡ ወይ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተኽእሎ ኣሎ።
እቶም ሰባት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምኻድ ብኬንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ እዮም።
ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ ንኬንያ ከም መሰጋገሪ ክጥቀሙ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኬንያ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ከም ዝዀነ ዝተጠርጠረ ኢትዮጵያዊ ን31 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ምጽብጻበን ይዝከር።
ይበቃል ጌታቸው ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ገዝኡ ብሰንሰለት ዝተኣሰሩ 12 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተረኺቦም።
ኣብቲ እዋን ፖሊስ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ መንበሪ እቲ ኣዲናን መሓመድ ጋላኖ ብዝብል ተወሳኺ ስም ዝጽዋዕ ይበቃል ጌታቸው ተኣሲሮም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰጋገሩ ይጽበዩ ከም ዝነበሩ ገሊጹ’ዩ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብተወሳኺ ብምድንጋር ሰነድ’ውን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክእሰር ከም ዝተፈርዶ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።
ብዘይካ'ዚ ይበቃል ጌታቸው መንግስቲ ኬንያ ንወጻእተኛታት ዝህቦ ዓይነት ናይ ሓሶት መለለዪ መንነት ሒዙ'ዩ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ።
እቶም ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝተረኸቡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ እውን ተገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኢስሊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ 30 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።