ኮንሰርት ቴይለር ስዊፍት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣስዒቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቴይለር ስዊፍት ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሲያትል ዘካየደቶ ኮንሰርት ምስ 2.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝመጣጠን ምንቅጥቃጥ ከም ዘስዓበ ሓንቲ ክኢላ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ገሊጻ።
እቲ መረዳእታ ኣብቲ ብ22ን 23ን ሓምለ ኣብ ሉመን ፊልድ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢታት’ዩ ተመዝጊቡ።
ክኢላ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ጃኪ ካፕላን-ኣውርባክ፡ እቲ ንጥፈት ብሰንኪ ደገፍቲ ስዊፍት ወይ ስርዓተ ድምጺ ከም ዝተፈጥረ ሓቢራ።
እዞም ምርኢታት ዘስዓብዎ ምንቅጥቃጥ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ከተማ ዝተመዝገቡ ዝዛይድ እዩ።
እቲ ክሳዕ ሕጂ ክብረወሰን ሒዙ ዝጸንሐ ኣብ 2011 ዘጋጠመ’ዩ፤ እዚ ድማ ኣሜሪካውያን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዘጸንበልሉ እዋን ዝተፈጠረ ነይሩ።
እታ ፕሮፌሰር ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ መንጎ እቲ ናይ 2011 ኣብቲ ኮንሰርት ዘጋጠመን ምንቅጥቃጥ ዘሎ ፍልልይ 0.3 ጥራይ ከም ዝነበረ ገሊጻ።
እንተዀነ፡ እቲ "ምንቅጥቃጥ ግን ብዕጽፊ ሓያል እዩ ነይሩ" ኢላ።
እቲ ኮንሰርት ኣብ ውሽጢ ክልተ ለይቲ ብድምር ኣብ ቅድሚ 144 ሽሕ ደገፍቲ እዩ ተኻይዱ።
ብድሕሪኡ ስዊፍት ብኢንስታግራም ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ሲያትል ዝነበራ ኮንሰርት፡ "ብሓቂ ሓደ ካብቶም ዝፈትዎም’ዩ። ስለ ኩሉ ነገር የቐንየለይ” ኢላ።
“ስለ ኩሉ እቲ ዝነበረ ዕልልታ፣ ዝላ፣ ሳዕስዒት፣ ደርፊ" ድማ ንደገፍታ ኣመስጊና።
ስዊፍት ኣብ ሲያትል ዘካየደቶ ዑደት፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ እዋን እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ናይ ሙዚቃ ምርኢታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘስዕቡ ይፍለጥ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







