ኣብ ሆስፒታልን ዕዳጋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰባት ተቐቲሎም

ባርዕ

ምንጪ ስእሊ, Médecins Sans Frontières/Reuters

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሓደ ሆስፒታልን ዕዳጋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ሓደ ጉጅለ ረድኤት ሓቢሩ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ እታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይተምርሕ ኣብ ዝተሰግአሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ።

ማሕበር ኣልቦ-ዶብ ሓካይም (MSF)፡ ኣጽዋር ዝጸዓነት ሄሊኮፕተር ኣብ ኦልድ ፋንጋክ፡ ግዝኣት ጆንግለይ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ቦምባ ብምድርባያ፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዘዕነወቶ ገሊጹ።

ብድሕሪኡ ድማ፡ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ዕዳጋ እቲ ከባቢ ቦምባ ከምዝደርበየት ኤምኤስኤፍ ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ሆስፒታል፡ ኣብታ ልዕሊ 110 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ግዝኣት ፋንጋክ እቲ እንኮ ሆስፒታል ምዃኑን ኩሉ ናውቲ ሕክምና ከምዝዓነወን ኤምኤስኤፍ ሓቢሩ።

እቲ ሰብኣዊ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሞቱ፡ ተወሰኽቲ 20 ሰባት ከምዝቘሰሉ ብምግላፅ፡ "ንጹር ጥሕሰት ዓለማዊ ሰብኣዊ ሕጊ" ክብል'ውን ገሊጽዎ።

ወሃቢ ቃል ኤምኤስኤፍ ማማን ሙስጣፋ፡ መንነት ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕቲ ንምፍላጥ፡ እቲ ትካል ገና ተወሳኺ ሓበሬታ ይእክብ ከምዘሎ ገሊጹ።

መሰኻኽር ዓይኒ ግን ንቢቢሲ ኒውስኣወር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት "ሄሊኮፕተር ሓይልታት መንግስቲ" ምዃና ሓቢሮም።

"እቲ ሆስፒታል ብንጹር ዝተቐመጠ ምልክት ኣለዎ። ንኹሎም ተዋጋእቲ ወገናት ኣፍሊጥናዮም ኣለና፤ ስለዚ ኣቀማምጣ እቲ ሆስፒታል ኩሎም ወገናት ክፈልጡ ተገይሩ እዩ" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።

ቢቢሲ ነቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ርክብ እኳ እንተገበረ፡ ህጹጽ ምላሽ ግን ኣይረከበን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ሓላፊ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኒኮላስ ሃይሶም፡ እታ ሃገር ኣብ ድርኵኺት ኲናት ሕድሕድ ከምዘላ ኣጠንቂቑ።

እዚ ስግኣት እዚ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ምክትሉ ሪክ ማቻርን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ፍሕፍሕ ዘስዐቦ እዩ።

ቅድሚ እቲ ቦምባ ምፍንጃሩ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ፖል ማጆክ ናንግ፡ ሓያሎ ጀላቡ ምስተጨውያ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ማቻር ዝተኣሳሰሩ ዕጡቓት ዝኸስስ ኰይኑ፡ ማቻር ግን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ መልሲ ኣይሃበን።

ማቻር ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ሓያሎ መሻርኽቱ "ጐንፂ ንምልዕዓል ፈቲንካ" ብዝብል ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ።

መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንማቻር ዝድግፉ ግዝኣታት ብምዝርዛር፡ እታ ሃገር ናብ ካልእ ክልተ ዓበይቲ ብሄራት ዘሳተፈ ኲናት ሓድሕድ ከይተምርሕ ስክፍታታት ኣልዒሉ።

ደቡብ ሱዳን ካብ ሰሜን ሱዳን ናጽነታ ዝረኸበት ልክዕ ከም ኤውሮጳውያን ኣቈፃፅራ ኣብ 2011 ኢያ።

እንተዀነ ኣብ ፅባሕ ናፅነት፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ፡ 400 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዜጋታት ድማ ካብ መነባብሮኦም ክመዛበሉ ክኢሎም።

ብድሕሪኡ ብመሰረት ኣብ 2018 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ ክልቲኦም ወገናት ዝተሳተፍሉ ናይ ሓድነት መንግስቲ ተመስሪቱ።

ብመሰረት" ቲ ስምምዕ፡ ሃገራዊ መረፃ ክካየድን ዜጋታት መራሕቶም ክመርጹን እዮም ዝብል ትፅቢት'ኳ እንተነበረ፡ ዛጊድ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ የለን።

እዚ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተላዕለ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ምስ ማቻር ተሰሊፎም ዝነበሩ ዕጡቓት [ግዘኣት -ኒል] ምስ ወተሃደራት ብምግጫዎምን፡ ኣብ ናሲር ንዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር ድሕሪ ምቑፅፃሮምን እዩ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰራዊት ከተውጽእ ዝፈተነት ሄሊኮፕተር ሕቡራት ሃገራት ተሃሪማ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ሞይቶም።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ሰላማዊ ከባቢታትን መሰረተ ልምዓትን መጥቃዕቲ ምፍጻም ደው ከብል ይጽውዑ ኣለዉ።

ርእይቶ ኤርትራውያን

ደቡብ-ሱዳን ካብተን ኣሸሓት ኤርትራውያን ዝንበሩለንን ሰፊሕ ኢንቨስትመት ዘካይዱለንን ሃገራት ሓንቲ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተወከስናዮ፡ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ'ታ ሃገር ዝተቐመጠ ኤርትራዊ መሃንድስ፡ "እቲ ንጥፈታት ንቡር እኳ እንተ'ሎ፡ ስግኣታት ግን ኣሎ። ገለ ምንቅስቓስ ሰራዊት'ውን ተመልኪተ ኣለኹ፡" ክብል ገሊጹ።

እቲ ኵነታት ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእልዶ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ "ኣይመስለንን፣ እቲ መንግስቲ ናብ ሰላም ዝደፍእ ዘሎ ይመስል። በቲ ዘለዎም ፖለቲካዊ ባህሊ ናብ ዘተ እንተ መጺኦም ክፈትሑዎ ይኽእሉ እዮም፡" ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ቀጺሉ፡ "ኵሎም ኣብቲ መንግስቲ ስልጣን ስለ ዝተማቐሉ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈልየ ኵነታት እዩ ዘሎ። ኣብ መንጎኦም ከተግብሩዎ ዝተሰማምዕሉ ውዕል ኣለዎም። ምምቕቓል ስልጣንን ምውህሃድ ሰራዊትን ኣካዪድካ ናብ ምርጫ ምኻድ ንዅላቶም ዘዋጽኦም ይመስልኒ፡" ይብል።

ንሱ፡ እቲ ኩናታት ናብ ሙሉእ-ኲናት ሕድሕድ ዘምርሕ እንተዀይኑ ግን ሳዕቤኑ ከቢድ ከምዝኸውን ይሰግእ።

"እንድሕር ናብ ጐንጺ ከይዶም ግን ኣዝዩ ክፉእ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው ዘሎ ህዝቢ፡ በቲ ዝሓለፈ ኲናት ብዙሕ ተጐዲኡ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ኣብ ሱዳን ምስ ዘሎ ግጭት ተሓዊሱ ነዚ ዞባ ናብ ከቢድ ሽግር ከውድቘ እዩ፡" ይምልእ።