መንሽሮ ጡብ፡ ኣብ መትሓዝ ጡብክን ዝቕመጥ መመርመሪ እንተዝህሉኸ?

ሕሰባሉ እሞ! ስራሕክን ከየቋረጽክን ወይ ድማ ቡን እናሰተኽን ኣብ ጡብክን ገለ ሕበጥ ነገር እንተሃልዩ ክትምርምራ ትኽእላ ኣለኽን ማለት’ኮ እዩ።

እዚ ቴክኖሎጂ ሕጂ ሕልሚ ጥራይ ኣይኰነን።

ቱርካዊት ሳይንቲስት ዶክተር ካናን ዳግደቫይረን ምስ ተመራመርቲ ጕጅለኣ ኰይና ዘማዕበለቶ መሳርሒ’ዩ።

ዶክተር ካናን፡ ንኽብሪ እታ ብሕማም መንሽሮ ጡብ ዝሞተት ሓትኖኣ እያ ነዚ መሳርሒ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ (ኤምኣይቲ) ኣብ ዝርከብ ኣብ ሚድያ ላብ ኣማዕቢላቶ።

እዚ መሳርሒ'ዚ ኣብ መንጐ ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ ዓመት ሓደ ግዜን ዝግበር ማሞግራም መርመራ ዘይተሓስበ ነገር ከየጋጥም ብቕልጡፍን ብእዋኑን ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ።

መንሽሮ ጡብ እቲ ኣዝዩ ልሙድ ዝዀነ ዓይነት መንሽሮ እዩ። ኣብ 2020 ጥራይ 2.3 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝሓመማን 685,000 ብሰንኪ’ቲ ሕማም ህይወተን ከም ዝሰኣናን ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ሞት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘስዕቡ ጠንቂታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ።

መንሽሮ ጡብ ብኣጋኡ እንተተፈሊጡ ወይ ከይተዘርገሐ እንከሎ እንተተሓኪሙ፡ 99 ሚእታዊት ናይ ምድሓን ተኽእሎ ከም ዘሎ ማሕበር መንሽሮ ኣሜሪካ ይሕብር።

መንሽሮ ጡብ ደንጉዩ እንተተፈሊጡ ግን፡ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል 22 ሚእታዊት ጥራይ እዩ።

ዶክተር ካናን፡ እቲ መሳርሒ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ኣብ ምብራኽ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ብኸመይ ይሰርሕ?

ሳይንቲስትን መሃንድስን ኤምኣይቲ ካናን ዳግደቫይረን፡ ንመጀመርያ ግዜ እዚ ሓሳብ ዝመጸላ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ጥቓ ዓራት ሓትናኣ ኮፍ ኢላ እንከላ እዩ።

ሓትኖኣ ስሩዕ መርመራ ጡብ ገይራ'ኳ እንተነበረት፡ ሓያል ዓይነት መንሽሮ ጡብ ከምዘለዋ ተረጋጊጹ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።

ዶክተር ካናን፡ ኣብ መትሓዝ ጡብ ክተሓሓዝ ዝኽእል ተዓጻጻፍን ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝኽእልን ከምኡ’ውን ክኢላ ዘየድልዮ መሳርሒ’ያ ምሂዛ።

ኣብቲ ከም ስፈ ንህቢ ቅርጺ ዘለዎ መሳርሒ ሽዱሽተ ቀዳዳት ኣለዉ፤ እታ ንእሽቶ ኣልትራሳውንድ ካሜራ ድማ ኣብ መንጐኦም ክትንቀሳቐስ ስለ እትኽእል፡ ንውሽጢ ጡብ ብዅሉ ወገን ትርኢ እያ። ኣልትራሳውንድ ጀል ከየድለያ ድማ ትምርምር።

ክሳብ 0.3 ሰንቲ ሜተር ሰንጣቒት ዘለዎም ጽኪታት ከተለሊ ከም እትኽእልን፡ እዚ ድማ ክንዲ ናይ መጀመርታ ደረጃ ሕበጥ ምዃኑን እታ ዶክተር ትዛረብ። "ዝዀነ ይዅን ምዝንባዕ ዝምልከት ቅኑዕ ውጽኢት ተለሊ ማለት'ዩ" ትብል።

ማሞግራም እንታይ እዩ?

እቲ ልሙድ ሜላ መመርመሪ መንሽሮ ጡብ ማሞግራም እዩ፤ ኣጥባት ራጂ ተላዒሎም ኵነታቶም ንምፍላጥ ይሕግዝ።

ሓደ ሬድዮግራፈር ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ጡብ ኣብ መንጎ 2 ጸፍሒ ጽላት እቲ ማሽን የቐምጦም። እቶም ጽላት ንገለ ደቓይቕ ነቲ ጡብ ኣጽኒዖም ይጸቕጥዎ።

እታ ሰበይቲ ቅሩብ ጸቕጢ ክስምዓን ዘይምቹእ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ንገለ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ቃንዛ ከስዕበለን ይኽእል’ዩ፤ ግን ነዊሕ ዝጸንሕ መስርሕ ኣይኰነን።

ይዅን እምበር፡ ማሞግራም ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብሃገራዊ ስርዓታት ጥዕና ዘይሽፈንን እዩ።

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ቃንዛ ዝስምዐን ስለምንታይ እዩ?

"ኣጥባት ንዅሉ ሰብ ፍሉያት'ዮም፤ ፍልልይ መጠን ቲሹ ጽኪን ስብሒ ቲሹን'ውን ይፈላለ'ዩ" ትብል ሄለን ዩል ዝተባህለት ኣማኻሪት ሬድዮግራፈር፡ ኣደ መንበር ናይቲ ሞያ ኣማኻሪ ኣካል ዓባይ ብሪጣንያ።

ዝበዝሐ ቲሹ ጽኪ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ እዋን ማሞግራም ካብተን ምሉእ ብምሉእ ስብሒ ዘለዎ ጡብ ዘለወን ዝያዳ ዘይምቹእ ኰይኑ ክረኽባኦ ይኽእላ። ከምኡ’ውን ፍወሳ መተካእታ ሆርሞን (HRT) ምውሳድ ተነቃፍነት ጡብ ከስዕብ ይኽእል’ዩ።

እታ ኣማኻሪት ሬድዮግራፈር፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብዛዕባ ማሞግራም ዘለዋ ትጽቢት እውን ተራ ከም ዘለዎ ትዛረብ።

ኣብ እዋን ማሞግራም ዘይምቹእነት ንምክልኻል ገለ ቀለልቲ መገድታት ኣለዉ፤ ከም ቅድሚ ሰሙን ወይ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ማሞግራም ዘይምግባር ወይ ቅድሚ’ቲ መርመራ ገለ ፓራሲታሞል ምውሳድ።

እቲ መሳርሒ ንመን እዩ?

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ካብ 20-30 ሚእታዊት ካብ ኵሎም ሕሙማት መንሽሮ ጡብ ኣብ መንጐ ስሩዕ ማሞግራም ዝምዕብሉ ሕበጥ ጡብ እዮም። ጕጅለ ኤምኣይቲ፡ እዞም ሕበጥ ካብቶም ኣብ እዋን ስሩዕ መርመራታት ዝረኽብዎም ሕበጥ ዝያዳ ዘጥቕዑ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።

እዚ መሳርሒ ኣብተን ልዑል ሓደጋ መንሽሮ ጡብ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ክዝርጋሕን ኣብ መንጐ ክልተ ማሞግራም ወይ ርእሰ-ምርመራ ነቲ ሕበጥ ንምፍላጥ ክሕግዘንን ይኽእል።

ተመራመርቲ ግን "ዝዀነ ዘይንቡር ነገር እንተተረኺቡ፡ ማሞግራም ኣድላዪ’ዩ" ክብሉ የጠንቅቑ።

ኣበይ እዩ ማዕቢሉ?

ኣብ ኤምኣይቲ፡ ኣብ ክለብሱ ዝኽእሉ መሳርሒታት ጥዕና ዝሰርሕ ጕጅለ፡ ነቲ መሳርሒ ንምምዕባል ንሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ኣሕሊፉ።

ኣብ ነሓሰ ድማ ናይ ኣሜሪካ ፍቓድ ረኺቡ፡ ሕጂ ኣብ ደቂ ሰባት ተወሳኺ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ።

ሓደ መሳርሒ ኣስታት 1000 ዶላር ዝዋጋኡ ኰይኑ፡ እቶም መሃዝቲ ግን ብብዝሒ ምስ ዘፍርይዎ እቲ ዋጋ ክንኪ’ዩ ይብሉ። እዚ ምናልባት ድሕሪ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ማለት እዩ።

ብመሰረት እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቲሹ እንተምርሚርክን" ሓደ መርመራ እኹል ኣመት ይህብ እዩ።

ተስፋ ንደቂ ኣንስትዮ

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ጠንቂ ልዑል መጠን ሞት መንሽሮ ጡብ፡ ዝደንጐየ ምርመራን እኹል ዘይኰነ ኣገልግሎት ጥዕናን እዮም።

ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ልዑል እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ድሕሪ መንሽሮ ጡብ ንሓሙሽተ ዓመት ብህይወት ናይ ምንባር ተኽእሎ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ህንዲ 66 ሚእታዊት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ 40 ሚእታዊት እዩ።

እዚ መሳርሒ ከምቲ ዶክተር ካናን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝጠነሰትሉ እዋን ዕሸላ ንምምርማር ዝተጠቐመትሉ፡ ንኻልኦት ክፋላት ኣካላት ንምምርማር እውን ክውዕል ዝኽእል’ዩ።

"ሓትኖይ ዕድመኣ ንእሽቶ እዩ ነይሩ፡ ጓል 49 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ። ሞት ካብ ኣእምሮኣ ዝረሓቐ ነገር’ዩ ነይሩ። ሓትኖይ ከምዚ ዓይነት መትሓዚ ጡብ ለቢሳ እንተትነብርከ?" ኢላ ትሓትት።