ኣብ ንግደት ኣይሁዳውያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ በጻሕቲ ተቐቲሎም

ኣብ ደሴት ቱኒዝያ ድጀርባ ኣብ ጥቓ እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ምኩራብ ኣፍሪቃ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ በጻሕትን ክልተ ሓለውቲ ጸጥታን ሞይቶም።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ዓመታዊ ናብታ ካብ ኤውሮጳን እስራኤልን ዝመጹ ኣይሁዳውያን በጻሕቲ እትስሕብ ደሴት ኣብ ዝግበር ንግደት እዩ ተፈጺሙ።

ሓደ ሓላዊ ጸጥታ፡ ንመሳርሕቱ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ጥቓ እቲ ምኩራብ ኣብ ዝርከቡ በጻሕትን ሓይልታት ጸጥታን ተዅሲ ከፊቱ።

ካብቶም ዝተቐትሉ በጻሕቲ ሓደ ዜጋ ፈረንሳ እዩ። ካልኦት ኣርባዕተ በጻሕትን ሓሙሽተ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ቆሲሎም።

ቀጺሉ ድማ ንባዕሉ ቀቲሉ።

እዚ ንምፍጻም እንታይ ከም ዝደረኾ ንጹር ኣይኰነን።

እቶም በጻሕቲ ናብ ምኩራብ ግሪባ ዝበጽሑ ነገድቲ ድዮም ኣይኰኑን ኣይተፈልጠን። ብነጻ ዘይተረጋገጸ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ በጻሕቲ ድምጺ ጠበንጃ እናተሰምዐ ክጎዪ የርኢ።

ኣብቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ ንግደት ግሪባ ልዕሊ 5 ሽሕ ኣይሁድ ከም ዝተሳተፉ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንኣዳለውቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ን2500 ዓመታት ዝጸንሐ ምኩራብ ዒላማ ክግበር እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኰነን።

ኣብ 2002 ብእስላማውያን ዕጡቓት ኣልቃዒዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ኣብታ ደሴት ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይዝከር።

እቲ ዓመታዊ ንግደት ናብ ድጀርባ ድሕሪ እቲ ቦምባ ምፍንጃሩ ጽኑዕ ጸጥታ ኣለዎ።

ቱኒዝያ ዝበዝሑ ኣስላም ዝነብሩላ ሃገር ኰይና፡ እታ ካብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝ ኣስታት 500 ኪ.ሜ ርሒቝ ትርከብ ድጀርባ ግን ኣማኢት ኣይሁድ ዝነብሩላ ከተማ እያ።