እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ሱዳን፡ ቍጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ልዕሊ 700 ሽሕ በጺሑ
ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ መንጐ ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ሓይልታት ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 700 ሽሕ ተመዛበልቲ ከም ዘለው ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዅሲ ደው ከብሉ ዘተ ይካየድ'ኳ እንተሎ፡ ውግእ ሓዪሉ ከይቅጽል ግን ስግኣት ኣሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም መጥቃዕቲ ኣየርን ምድራዊ ውግእን ይቕጽል ኣሎ።
ነበርቲ’ውን ከባቢኦም ገዲፎም ይሃድሙ ኣለዉ።
ኣብ ካርቱም 5.4 ሚልዮን ህዝቢ ይነብር ነይሩ፤ እታ ኣብ ሓደ እዋን ሰላማዊት ዝነበረት ከተማ ግን በቲ ብ15 ሚያዝያ ኣብ መንጐ ሰራዊትን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ዝተወልዐ ግጭት ተሃስያ ኣላ።
ብሰሉስ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ማእከል ከተማ ካርቱም ዝርከብ ኣብ ዘመነ ኦቶማን ዝተሰርሐ ቤተ መንግስቲ ብወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝተደብደበ ከሲሱ።
ብዛዕባ’ዚ ግን ነጻ መረጋገጺ የለን።
ሕጂ ቤተ መዘክር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ እቲ ቤተ መንግስቲ፡ ኣብ 1832 ሱዳን ኣካል ግዝኣት ኦቶማን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝተሃንጸ።
እቲ ቤተ መንግስቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ሓላፊ ሰራዊት ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝነብረሉ ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ቤተ መንግስቲ ሱዳን ይርከብ።
ኣብቲ ከባቢ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ብርቱዕ ውግኣት ይካየድ'ኳ እንተሎ፡ ሓደ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ግን እቲ ታሪኻዊ ቤተ መንግስቲ ከም ዝተደብደበ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ።
ካልኦት ነበርቲ ድማ፡ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ውግእ ኣብ መላእ ደቡባዊ ካርቱም ይበራ ከም ዝነበራን፡ ካብቲ ተዓጽዩ ዘሎ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብዙሕ ዘይርሕቕ ማእከላይ ደርቢ ዘለዎ ከባቢ ኣል-ሰሓፋ ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ገሊጾም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን በቲ ግጭት ልዕሊ 600 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 5 ሽሕ ድማ ቆሲሎም እዮም።
ኣብ ክልተ ምስ ካርቱም ዝዳወባ ከተማታት - ባሕሪን ኡምዱርማንን - ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እውን ብርቱዕ ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ይግለጽ።
"ብዙሓት ተመዛበልቲ [ውሽጢ ሃገር] ምስ ኣዝማዶም ክዕቆቡ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መሳጊድን ህዝባዊ ህንጻታትን ይእከቡ ኣለዉ፡" ይብል ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፖል ዲሎን።
ንሱ፡ ሰባት ጥረ ገንዘብን ከም ነዳዲ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ቀረብን ይውድኡ ከምዘለዉ ገሊጹ።
"እተን ኤቲኤማት ኣይሰርሓን እየን፤ ስርዓት ባንክታት'ውን ኣይሰርሕን'ዩ። ነዳዲ ክትረክብ ኣጸጋሚ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ናብ ጐረባብቲ ግዝኣታት ከም ዝሃደሙን፡ ውግእ ደው እንተዘይኢሉ እቲ ቍጽሪ ልዕሊ 800 ሽሕ ክበጽሕ ከም ዝኽእልን ገሊጹ ነይሩ።
ወከልቲ ሰራዊትን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጅዳ ንፈለማ እዋን ፊት ንፊት ዘተ የካይዱ ኣለዉ።
ጀነራል ቡርሃን ብሰኑይ፡ ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ፖለቲካዊ ፍታሕ ቅድሚ ምዝርራቡ፡ ኣብ ካርቱም "ቀዋሚ ተዅሲ ደው ምባል" ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዘለዎ ንኣብ ግብጺ ዝመደበሩ ኣልቓሂራ ኒውስ ተዛሪቡ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንመብዛሕትኡ ክፋል ርእሰ ከተማ ይቈጻጸር ኣሎ፤ እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣየር መርገጺታቱ ንምድኻምን መደላደሊ ንኸይረክብን ዝዓለመ እዩ።