ሱዳን፡ ዘተ ሰላም እናተኻየደ ከተማታት ብነፈርቲ ይድብደባ

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዘተ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ዝካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም፡ ኣልባሕርን ኡምዱርማንን ደብዳባት የካይዳ ከም ዘለዋ ይስማዕ ኣሎ።

ብመሬት ድማ፡ ኣብ ክልተ ከባቢታት ባሕር-ሻምባትን ሓለፍያን፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ውግእ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ኣብ ሻምባት ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሓለፍያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይሊ ወሃቢ ደገፍ ንዝርከብ ሓደ ወሳኒ ድልድል ንምቍጽጻር ዝዓለመ ይመስል።

እዚ ውግእ ሰባት ኣብ ራዕዲ ሸሚሙ ኣብ ገዛኦም ክሕብኡ ኣገዲድዎም ኣሎ።

ዋላ’ኳ ሓደ ስሙ ዘይተረቝሐ ዲፕሎማሰኛ ስዑድ ዓረብ ክሳብ ሕጂ “ዓቢይ ምዕባለ” ከምዘየለ ንኤኤፍፒ እንተገለጸ፡ ብዙሓት ግን እቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ተዅሲ ደው ናብ ምባል ከምርሕ ከም ዝኽእል የተስፍዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ንሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ይድግፉ’ዮም ኢሉ ዝኸሰሶም ክልተ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።

መሳርሕቲ እቶም ተሓለቕቲ ግን፡ እቲ ክሲ ስኑዕ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ብህጹጽ ክፍትሑ ሓቲቶም።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ጀነራላት ኣብቲ ዝሓለፈ 15 ሚያዝያ ውግእ ካብ ዝውላዕ ንነጀው፡ ኣብ ሱዳን ዲሞክራሲ ንምስፋን ዝቘሙ ኮሚቴታት ተቓውሞ ከባቢታት (Neighbourhood resistance committees) ንነበርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዕዙዝ ግደ ኣበርኪቶም እዮም።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ኣብ 2021 ብልፍንቲ ዕልዋ መንግስቲ ’ኳ እንተካየዱ፡ ሕጂ ግን ስልጣን ንምጭባጥ ኣብ ውግእ ኣትዮም ኣለዉ።

እዚ ድማ ነቲ ናብ ስቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዝነበረ ተስፋ ኣማህሚንዎ'ሎ።