እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሽሮ፡ ኩባንያ ምድላው መግቢ ጃፓን ድሌት ብምርኣዩ ደረጃ ተገይሩሉ
ሓደ ኣዳላዊ ምግቢ ኩባንያ ወጻኢ ሃገር፡ ጸብሒ ሽሮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፋብሪካ ኣዳልዩ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ጠለብ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ደረጃ ምድላው ሽሮ ከም ዘድለየ፡ ኢንስቲትዩት ደረጃታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ጸብሒ ሽሮ ብተወሳኺ፡ “ፍርያት ውሽጢ ዓዲ” ናብ ሃገራት ወጻኢ ሰደድ ንምግባር፡ ድሕነት ምግብን ዓይነትን ትሕዝቶን እቲ ፍርያትን ንምፍላጥ ደረጃታት የውጽእ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሽሮ፡ በርበረ፡ ጥሕኒን ሜስን፡ ዓለምለኻዊ መለክዒታት መሰረት ብምግባር ኣብ ትሕዝቶኦም መጽናዕቲ ብምግባር ዝተደረጁ ምግብታት እዮም።
እዞም ፍርያታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተደረጁ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ “ፍቓድ ዝተደረኸ” ቍጽጽር ከም ዝግበረሎምን፡ እቲ ዝወጻሎም ደረጃ ዘስገድድ ከም ዘይኰነን እቲ ኢንስቲትዩት ኣነጺሩ።
መራሒ ምድላው ደረጃታት እቲ ኢንስቲትዩት ኣቶ ይልማ መንግስቱ፡ ደረጃ ሕሩጭ ሽሮ ሰለስተ ክፍልታት ዝሓዘ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ትሕዝቶን ራሕስን እቲ ምግቢ፡ ክጠሓንን ክዕሸግን እንከሎ ዘሎ ምትንኻፍ ከምኡ’ውን ኣብ መዐሸጊኡ፡ እቲ ትሕዝቶ ምግብን ዘብቅዐሉ እዋንን ዝሕብር መግለጺ ዘካተተ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
ኣነባብራ እቲ ማሕበረሰብ ይቕየር ብምህላዉን፡ ሽሮ ካብ ምጥሓን፣ ምዕዳግ ዝያዳ እናተለምደ ይመጽእ ብምህላዉ፡ እዚ ደረጃ ምውጻእ “ወሳኒ” ከም ዝዀነ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ርእሱ ዝኸኣለ መስርሕ ሓሊፉን ተወሰኽቲ እታወታት ብምጥቃምን ንምግብነት ዝውዕል ጸብሒ ሽሮ’ውን፡ ጽሬቱን ደሕነቱን ንክሕሎ ደረጃ ይዳለወሉ ከም ዘሎ፡ እቲ ሓላፊ ኣረዲኡ።
ኣቶ ይልማ፡ እቲ ደረጃ ሽሮ “ትሕዝቶ እቲ ጸብሒ ክፍለጥ ኣለዎ። ኣብ ውሽጡ እንታይ ኣለዎ? ትሕዝቶ ፕሮቲን ከ? ክቕሎ ወይ ክበስን እንከሎ፣ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ከሸግን ወይ ኣብ መስርሕ እቲ ፍርያት ዝመጽኡ ንጥዕና ጐዳእቲ ዝዀኑ ነገራትን ንከላኸለሉ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ደረጃ፡ መጠን እቲ ዝኣቱ ጨው፡ ኣብ ረብሓ ዝውዕለሉ ግዜን ንኣገልገሎት እዋን ተባሂሎም ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ እታወታትን፡ ድሕንነት ምግቢ ዘማልኡ ምዃኖም ዘረጋግጽ ከም ዝዀነ ተገሊጹ።
“ኣብቲ (መዐሸጊ) ትሕዝቶ እቲ ምግቢ ብልክዕ ክፍለጥ ኣለዎ። ዘፍረዮ ኣካል፣ እቶም እታወታት፣ ራሕሱን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕለሉ ግዜን (Expired Date) ይጥቀስ።”
እዚ ድማ ድሕነት እቲ ተጠቃሚ ካብ ምሕላው ሓሊፉ፡ እታ ሃገር ክብርታት ብምውሳኽ እቶም ፍርያታት ናብ ሃገራት ወጻኢ ሰደድ ንኽትገብር ከም ዘተባብዕ ገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ደረጃታት ምግቢ ዘይምህላዉ “ኣጸጋሚ” እዩ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ደረጃ ጸብሒ ሽሮ፡ ኣብ ምድላው ምግቢ ንዝሰርሑ ትካላት ንምስሓብ ዓሊሙ ከም ዝተሰርሐ ሓቢሩ።
ብጠለብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ይዳሎ ከም ዘሎ ዝተገለጸ እዚ ደረጃ፡ ንጸብሒ ሽሮ ሰሪሕካ ንምሻጥ ካብ ጃፓናዊ ኩባንያ ጠለብ ከም ዘሎ፡ እቲ ሓላፊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“. . . ሓደ ኩባንያ ጃፓንን ሓደ ናትና ፓርክ ኢንዳስትሪን፡ ኣብ ቢሾፍቱ ፋብሪካ ንምቛም ኣብ መስርሕ ይርከቡ። እቲ ኩባንያ ደረጃኡ ዝሓለወ ጸብሒ ሽሮ ብምድላው ዓሺጉ ንምቕራብ እዩ መበገሲ ገይሩ ዘሎ። ስለዚ፡ እዚ ደረጃ፡ ነዚ ድሌት ንምሕጋዝ እዩ ዝወጽእ” ኢሉ።
እዚ ደረጃ፡ ንኢንዳስትሪ ምግቢ ንምቕያር’ውን ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ይእመን።
ካብ በዓልስልጣን ቍጽጽር ምግቢ መድሃኒትን ኢትዮጵያ፡ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ተቘጻጸርቲ ኣካላትን ትካላት ትምህርትን ከምኡ’ውን ኣብያተ ፈተነ ብኣባልነት ዝሓዘ ኮሚቴ ሰብሞያ፡ ኣፈናዊ ደረጃ ኣዳልዩ ከም ዝወድአ ድማ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ኣፈናዊ ደረጃ፡ ካብ ህዝቢ ርእይቶ ንምቕባል ን60 መዓልታት ክፉት ከም ዝኸውንን፡ ድሕሪኡ ንባይቶ ደረጃታት ቀሪቡ ምሰ ጸደቐ ናብ ተቘጻጸርቲ ኣካላት ከም ዝቐርብ ኣቶ ይልማ ተዛሪቡ።
እቲ ደረጃ ዘስገድድ እንተዀይኑ ዝተሓተተ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ኢንስቲትዩት “ዘስገድድ ገበሮ ኣይግበሮ፡ ብመሰረት ኣዋጅ በዓል ስልጣን ምግቢ መድሃኒትን ዘስገድድ እዩ” ኢሉ።
ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያንን ከም ቀንዲ መግቢ ዝዝውተር ጸብሒ ሽሮ፡ ደረጃ ይወጻሉ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ኰይኑ ኣሎ።
ካብ ቀረባ እዋን ንነጀው፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ጸብሒ ሽሮ ብምኽሻን ናብ ዓማዊል ዘቕርባ ኣብያተ ብልዒ ብብዝሒ ይርከባ፤ ዋጋኡ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ድማ ይግለጽ።