እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ኣንጻር ሩስያ ንዝቐረበ እማመ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማ
ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንምኹናን ዝቐረበ እማመ ብዓብላሊ ድምጺ ድጋፍ ከሕልፎ እንከሎ፡ ኤርትራን ማሊን ተቓዊመን።
ንኢትዮጵያ እትርከበን ዓሰርተ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ድምጸ ተዓቅቦ መሪጸን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ'ውን ኤርትራ እትርከበን ሓሙሽተ ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ዝቐረበ እማመ ተቓዊመን ምንባረን ይዝከር።
እቲ እማመ፡ ሩስያ ወተሃደራታ ካብ ዩክረይን ክትስሕብን ውግእ ደው ክብልን ዝጽውዕ እዩ።
እቲ ስጉምቲ ብሕጋዊ መገዲ ቀያዲ ኣይኰነን'ኳ እንተተባህለ ፖለቲካዊ ርዝነት ከምዘለዎ ይግለጽ።
ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅመር ሎሚ ሓደ ዓመት መሊኡዎ ኣሎ። ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኣብዚ ዓመት ንክንዕወት ኩሉ ክንገብር ኢና” ኢሉ።
ብተወሳኺ ንሰራዊት ሃገሩን ሓካይምን ሓዊሱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ እትገብሮ ጻዕርታት ንዝሓገዝኣ ሃገራት ወጻኢ ኣመስጊኑ።
"ንኹሉ ስግኣታት፣ ደብዳብ ቦምባን ሚሳይልን፣ ድሮናት ካሚካዝ፣ ምጥፋእን (ማሕበራዊ ኣገልግሎታት) ዛሕልን ክንጻወሮ ኢና። ካብኡ ንላዕሊ ተረርቲ ኢና" ኢሉ።
ትማሊ ሓሙስ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ እቲ ውድብ፡ ወራር ሩስያ ‘ሓባራዊ ሕልና ዓለም ዘጸልምት’ ክብል ኰኒንዎ።
ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ፡ ‘ሩስያ ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክትወጽእ’ ዝጠልብ ብዩክረይንን መሻርኽታን ዝድገፍ እማመ እንትዝትዩ፡ ዩክሬን ነቲ እማመ ብምድጋፍ ሃገራት ምትሕግጋዝ ከርእዩ ተስፋ ገይራ ነይራ።
ሩስያ ብወገና፡ ምዕራባውያን ሃገራት ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ንሩስያ ክስዕራ ይደልያ ክብል ከሲሱ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ ካብ 141 ሃገራት እተን 32 ድምጸ ተዓቅቦ ዝመረጻ ኰይነን፡ ኤርትራ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ድማ ነቲ ረቂቕ ተቓዊመን ድምጸን ኣስሚዐን።
ዳርጋ ፍርቂ ካብተን ድምጸ ተኣቅቦ ዘስመዓ ሃገራት ካብ ኣፍሪቃ እየን።
እዚአን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣልጀርያ፣ ኣንጎላ፣ ብሩንዲ፣ ናሚብያ፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ኮንጎ-ብራዛቪል፣ ጋቦን፣ ጊኒ፣ ሞዛምቢክ፣ ሱዳን፣ ቶጎ፣ ኡጋንዳን ዚምባብወን እየን።
ሰኔጋል፣ ቡርኪናፋሶ፣ ካሜሩን፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ኤስዋቲኒን ጊኒ-ቢሳውን ኣብቲ ድምጺ ምሃብ ኣይተሳተፋን።
ናይጀርያ፣ ኣይቮሪ ኮስት፣ ግብጺ፣ ጋናን ኬንያን፡ ነቲ ናይ ውሳነ ሓሳብ ዝደገፋ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነቲ ንሱ “ሓያል ምልክት ዓለማዊ ደገፍ” ኢሉ ዝገለጾ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢልዎ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ሩስያን ዩክረይንን ነፍሲ ወከፈን ብውሕዱ 100 ሽሕ ወተሃደራተን ሞይቶምን ቆሲሎምን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስደተኛታት ኰይኖም ወይ ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ተመዛቢሎም ይርከቡ።