እስራኤል-ቓዛ፡ ቤንያሚን ኔታንያሁ ሃገረ ፍልስጤም ንምምስራት ዝቐረበ ሓሳብ ነጺጉ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ ሃገረ ፍልስጤም ምፍጣር ዝብል ሓሳብ ዳግማይ ነጺጉ።

ኔታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብቴሌፎን ዝገበሮ ዘተ ስዒቡ፡ ኣመሪካዊ መዘናኡ ነቲ ሓሳብ ክቕበሎ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እዚ ዳሕረዋይ ርእይቶ ኔታንያሁ ግን ምስ ኣመሪካ ዘሎ ፍልልይ ዘዕምቆ ይመስል።

ኣመሪካ "ፍታሕ ክልተ ሃገራት" ብዝብል ዝፍለጥ ሓሳብ ንነዊሕ እዋን ንዝጸንሕ ምርግጋእ ኣገዳሲ እዩ ኢላ እያ ትኣምን - እዚ ድማ ኣብ ጎኒ እስራኤል እትርከብ ፍልስጤማዊት ሃገር ምህላው ማለት እዩ።

ዋይት ሃውስ ግን ኣብዚ ሰሙን መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን "ንነገራት ብዝተፈላለየ መንገዲ ከምዝርእይዎም ብንጹር" ተኣሚኑ’ዩ።

ባይደን፡ ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ንፈለማ እዋን ብቴሌፎን ምዝታዮም ስዒቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኔታንያሁ ኣብ ስልጣን ኣብ ዘሎሉ እዋን፡ እቲ ክልተ ግዝኣታት ዝምልከት ፍታሕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝኽል ኣጽኒዑ ነይሩ።

"ብርክት ዝበሉ ክልተ ሃገራት ዝሓቖፈ ዓይነታት መፍትሒ ኣለዉ። ናይ ገዛእ ርእሰን ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይብለን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀና ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣለዋ..." ኢሉ።

ትማሊ ቀዳም ግን ኔታንያሁ ነቲ ንመብዛሕትኡ ፖለቲካዊ ሂወቱ ዝሓዞን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዝደገሞን መርገጺኡ ኣትሪሩ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈቱ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ሓማስ ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ቃዛ ንእስራኤል ስግኣት ከይትኸውን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ጸጥታዊ ቁጽጽር ክትሕዝ ኣለዋ ዝብል ፖሊሲኡ ደጊሙ ኣረጋጊጹ፡ እዚ ጠለብ ድማ ምስ ጠለብ ልኡላውነት ፍልስጤም ዝጋጮ እዩ።"

ብተወሳኺ ብሰንበት ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እስራኤል "ኣብ ልዕሊ ምሉእ ከባቢ ምዕራብ [ሩባ] ዮርዳኖስ" ጸጥታዊ ቁጽጽር ክትሕዝ ኣለዋ ኢሉ፡ እዚ ከባቢ'ዚ ነቲ ብእስራኤል ዝተታሕዘ መሬት ምዕራባዊ ገማግም'ውን ዘጠቓለለ እዩ።

እዞም ርእይቶታት፡ መራሕቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ዳግማይ ዲፕሎማስያዊ ድርድርን መስርሕ ሰላምን ክገብሩ እዮም ዝብል ተስፋ ዘዳኽም እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝካየድ ኲናት ደገፍን ብዛዕባ ዕጫ ናይቶም ክሳዕ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ 130 ዝግመቱ ጅሆ ተቓውሞታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ ተነጽሎ ኔታንያሁ ምስ ሃገራት ወጻኢ ዝውስኽ ዘሎ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ መብዛሕትኦም ሲቪላት ዝዀኑ ኣስታት 1200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 240 ድማ ጅሆ ተታሒዞም እዮም።

ኣዝማድ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዘይተረኸቡ ሰባት ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ትማሊ ቀዳም ኣብ ተልኣቪቭ ተኣኪቦም ኔታንያሁ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ገዝኦም ንኽምለሱ ኣብ ዕርቂ ክበጽሕ ተማሕጺኖም።

ወዲ ሓውቦኡ ብ7 ጥቅምቲ ጅሆ ዝተታሕዘ ጊል ዲክማን፡ "ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ [እቶም ጅሆ ዝተተሓዙ] ከተምጽኦም ከም እትኽእል ንኣምን። ብኣኻ እምነት ኣለና" ኢሉ።

"ነዚ ውዕል ፈሪምካ ኹሎም ዜጋታት እስራኤል ዓወት ክረኽቡ ክትገብር ከምእትኽእል ንፈልጥ ኢና። በይዛኻ ከምኡ ግበር... ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ሃገሮም ምለሶም።"

ሓይልታት እስራኤል ናብ ደቡባዊ ክፋል ቓዛ ምድፋእ ቀጺሎም ኣለዉ፤ ኣብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ስትሪፕ ካን ዩኒስ ተሓቢኦም ዘለዉ ዝበልዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ሓማስ ይደልዩ ከምዘለዉ ድማ ይገልጹ።

ብተወሳኺ ኣብ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ጅሆ ንምዕቋብ ዝውዕል ዝነበረ ቦታ ከምዝወረሩ እውን ገሊጾም እዮም፤ ይኹን’ምበር ኣብቲ እዋን እቶም ጅሆ ኣብኡ ኣይነበሩን።

ሕጂ ትኹረት ናይቲ ውግእ ኣብ ደቡባዊ ቃዛ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊት ከተማ ጃባልያ ዳግማይ ግጭታት ከምዝተለዓሉን እስራኤል ወተሃደራታን ታንክታታን ናብ ደቡብ ከተግዕዝ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ድማ ተዋጋእቲ ፍልስጤም ይግስግሱ ከምዘለዉን ይግለጽ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ምድራዊ ወራር ካብ እትጅምር ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቑጺራ፤ ብሓይልን መሳርሕታትን ካብ ሓማስ ኣዝዩ ዝበልጽ ሰራዊታ ክሳዕ ሕዚ ኣብ መላእ እቲ ግዝኣት ርኡይ ተቓውሞ የጋጥሞ ኣሎ።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፍኦ መግለጺ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብቲ ግዝኣት 25,105 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ።

ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩ ኣሎ።