ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢራን ‘ብመጥቃዕቲ እስራኤል’ ተቐቲሎም

ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ኢራን፡ እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ ሶርያ ከምዝፈጸመቶ ብዝተጠርጠረ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ተቐቲሎም።

ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ሶርያ ከምዝቐተለ ብምግላጽ ንእስራኤል ወቒሱ።

እስራኤል ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን። እንተዀነ ንዓመታት ኣብ ሶርያ ምስ ኢራን ኣብ ዝተኣሳሰሩ ዒላማታት መጥቃዕቲ ኣካይዳ እያ።

ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ካብ ዝጅምር ንደሓር ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እናሓየለ መጺኡ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ዝተፈጸመ ተግባር "ዓመጽን ትንኰያን" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዓለምለኻዊ ኣካላት ክኹንንዎ ኣተሓሳሲቡ።

ላዕለዎት ኣካላት ሓለዋ ሰውራ ኣብ ሶርያ ኣብ 2011 ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ንስርዓት ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ደገፍ እናሃቡ ይርከቡ።

እቲ ናይ ትማሊ ቀዳም መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከበሉ ከባቢ ማዘህ እዩ ተፈጺሙ።

ማዕከን ዜና ኢራን መህር፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሶርያ ሓላፊ ስለያ ሓለዋ ሰውራ፣ ምክትሉ ከምኡ’ውን ካልኦት ክልተ ኣባላት ሓለዋ ከምዝቐተለ ገሊጻ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጎስጓስ ጉጅለ ሶርያ ኦብዘርቫቶሪ ንሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ፡ መራሕቲ ሓለዋ ሰውራ ዝርከብዎም 10 ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ብመንግስቲ እትመሓደር ማዕከን ዜና ዓረብ ሶርያ፡ ንሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ብምጥቃስ ንገለ ካብቶም ሚሳይላት ከፍሽሉ ከምዝኸኣሉ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ንሓደ መንበሪ ህንጻ ሃሪሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ግን ንገለ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለን ከምዘቑሰለን ሓቢራ። ህንጻታት እውን ከምዝዓነዉ ጠቒሳ።

ሓደ ነባሪ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢ ማዘህ "ፍንጀራ"ን ከምኡ’ውን "ዓቢ ደበና ትኪ"ን ከምዝረኣየ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ገሊጹ።

"እቲ ድምጺ ምስ ምፍንጃር ሚሳይል ዝመሳሰል እዩ ነይሩ፡ ድሕሪ ደቓይቕ ድማ ድምጺ ኣምቡላንስ ሰሚዐ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ቢቢሲ ዘየረጋገጾም ቪድዮታት፡ ዓቢ ደበና ትኪን ዝዓነዉ ህንጻታትን የርኢ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ደማስቆ ቁሩብ ወጽእ ኢሉ፡ እስራኤል ከምዝፈጸመቶ ብዝጥርጠር መጥቃዕቲ ኣየር ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ተቐቲሉ እዩ።

ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ወጥሪ ይርከብ።

እቲ ግጭት እቲ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ መንጎ ብርቱዓት ተቐናቐንቲ እስራኤልን ኢራንን ሰፊሕ ኲናት ከየስዕብ ስክፍታታት ኣለዓዒሉ እዩ።

እስራኤል ነቲ ብቴህራን ዝድገፍ ፍልስጤማዊ ጉጅለ ሓማስ ዒላማ ትገብር ኣላ። ኣብ ሊባኖስ ምስ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ እውን ተኹሲ ትለዋወጥ ኣላ።

ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታት እውን ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካ ዒላማ ይገብሩ ኣለዉ፤ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ድማ ነቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከቡ መራኽብ ከጥቅዕ ዝጸንሐ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሑቲ የመን እናጥቅዓ ይርከባ።

ኣብዚ ሰሙን ኢራን ምስ ጎረቤታ ፓኪስታን መጥቃዕቲ ሚሳይላት ድሕሪ ምልውዋጣ፡ ካብዚ ዝሰፍሐ ግጭት ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ዝያዳ ተጋዲዱ ኣሎ።

ብሰሉስ ኢራን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፓኪስታን ብሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መጥቃዕቲ ከምዘካየደትን ክልተ ህጻናት ከምዝተቐተሉን ተኣሚና እያ፤ ኣብ ፓኪስታን ንዝርከብ "ኢራናዊ ግብረሽበራዊ ጉጅለ" ዒላማ ከምዝገበረት ድማ ገሊጻ።

ድሕሪ መዓልታት፡ ፓኪስታን መልሲ ሂባ፤ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢራን "መሕብኢታት ግብረሽበራውያን" ዒላማ ዝገበሩ ዝበለቶም መጥቃቲታት ድሕሪ ምፍጻማ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሕድሕዶም ንዝርከቡ መደበራት ዕጡቓት ዒላማ ይገብሩ ከምዘለዉ እኳ እንተገለጹ፡ ኢራንን ፓኪስታንን ግን ኣምባሳደራተን ካብተን ርእሰ ከተማታት ስሒበን እየን።

ኣብ መንጎአን ዝተኻየደ ዘተ ስዒቡ ግን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ።