'ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ

ምስሊ ከተማ ኣዲስ ኣበባ
    • Author, ኣማኑኤል ይልቃል
    • Role, ቢቢሲ ኣማርኛ
    • Reporting from, ናይሮቢ

'ሰራዊት ሚድያ' ዝብል መጸውዒ ዘለዎም ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣዲስ ኣበባ ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ከምዝተሳተፉ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እዞም ኣባላት ብልጽግና፡ ኣንጻር ንመንግስቲ ዝነቕፉን ዝቃወሙን ውልቀሰባት ትሕዝቶ ዘለዎምን ከም ‘ናይ ጽልኢ ዘረባ’ ክውሰዱ ዝኽእሉ ጽሑፋትን ምስልታትን ኣብ ፌስቡክ ዘርጊሖም እዮም።

መራሕቲ ወረዳታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ብትእዛዝ መሓውራት ወረዳታት እቲ ሰልፊ ሰብሰርሖ ብልሒ ተጠቒሞም ምስሊ መንግስቲ ንምህናጽ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝካየዱ መደናገሪ ጐስጓሳት ከምዝሳተፉ እውን እቲ ምርመራ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ቢቢሲ ነዚ ጸብጻብ ንምድላው፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መራሕቲ ወረዳታት፡ ኣባላት ሰልፊ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት እታ ከተማን መንግስቲ ፈደራልን ዝሰርሑ ሓለፍቲ ኮሙኒኬሽንን ክኢላታትን ኣዘራሪቡ’ዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብ 7 ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መሓውራት ወረዳታት እቲ ሰልፊ ኣብ ናይ ጕጅለ ሕሳባት (ኣካውንት) ዋትስኣፕን ተሌግራምን ኣብ ዘካየድዎም ወፍሪታት ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለዋወጥዎም መልእኽትታት ርእዩ እዩ።

ኣብተን ናይ ጕጅለ ሕሳባት ንመራሕቲ ወረዳታትን ኣባላት ሰራዊት ሚድያን ዝተወሃቡ ትእዛዛትን ኣፈጻጽማኦምን እውን ተኸታቲሉ።መረድኢታት ፌስቡክ ብምውሳድ እውን ትንተና ኣካይዱ።

ወናኒ ፌስቡክ ዝዀነ ሜታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣብ ፌስቡክ "ናይ ሓሶት ሕሳባት" ብምጥቃም ን"መንግስቲ ኢትዮጵያ" ዝምልከቱ "ብዙሕ እወታዊ ርእይቶታት" ከምዝሃቡ እቲ ትካል ዘካየዶ መርመራ ከምዘመልክት ሓቢሩ።

ሜታ ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ ናይ ሓሶት ሕሳባትን ገጻትን ስጕምቲ ከምዝወሰደ ዝገለጸ ክኸውን እንከሎ፡ ቢቢሲ ክከታተሎም ዝጸንሑ ሕሳባት እውን ክእለዩ ተገይሮም እዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብኣንጻሩ ሰልፊ ብልጽግና ንቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ 'ሰራዊት ሚድያ' ዝበሃል ኣወዳድባ ከምዘየለ ብምግላጽ ነቲ ጉዳይ ነጺግዎ።

ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ሰልፊ፡ "ብፍላይ፡ ከም 'ናይ ሓሶት ሓበሬታን ናይ ጽልኢ ዘረባን ክቝጸሩ ዝኽእሉ ጽሑፋትን ምስልታትን [ተዘርጊሖም]' ዝተበሃለ ነገር ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ኣገላልጻ'ዩ" ኢሉ።

ቢቢሲ፡ ኣባላት 'ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ፌስቡክ ዘካየድዎ ጐስጓሳት ብዝምልከት ንሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ዘካየዶ መርመራ ውጽኢት ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ብዕለት 2 ጥሪ 2016 [ግ] ካብ ከባቢ ሰዓት ስለስተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ "ኣቡነ ጴጥሮስ ካብ ሃገር ሃዲሞም" ዝብሉ ጽሑፋት ኣብ ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያውያን ሕሳባትን ገጻትን ፌስቡክ ክዝርግሑ ጀሚሮም።

እዞም ብስእልን ጽሑፍን ከምኡ’ውን ብዝተሰንዑ ምስልታት ዝተዋሃሃዱ ልጥፋት፡ ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሑ፡ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብታ ዕለት እቲኣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምኻዶም እዩ።

እቶም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኒውዮርክን ከባቢኡን ካብታ ሃገር ዝወጹ፡ "ወግዓዊ ዝዀነ ስሩዕ መስርሕ ተኸቲሎም" ከምዝነበሩ ቢቢሲ ካብታ ቤተክርስትያን ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብቲ ዕለት ዝተዘርግሑ ሰለስተ ቀንዲ ጽሑፋት፡ “ሰበር ዜና፡ ኣቡነ ጴጥሮስ ካብ ሃገር ሃዲሞም"፡ "ኣሜሪካዊ ኣቡነ ጴጥሮስ ካብ ሃገር ሃዲሞም!" ከምኡ'ውን "ድሕሪ ህድማ ኣሜሪካዊ ኣቡነ ጴጥሮስ ዘለዉ ሓቅታት!" ዝብሉ መእተዊ ዝነበሮም ነይርዎም።

እዞም ጽሑፋት፡ ኣቡነ ጴጥሮስ "ኣብ ቤተክርስትያን ሕቡእ ፖለቲካዊ ውዳበ ብምምራሕ" ከምኡ'ውን "ብዙሕ ገንዘብን ንብረትን ቤተክርስትያን ሒዞም ብምጥፋእ" ይኸስዎዎም።

ካብዞም ሰለስተ ጽሑፋት እቲ ብብዝሒ ዝተዘርገሐ “ሰበር ዜና፡ ኣቡነ ጴጥሮስ ካብ ሃገር ሃዲሞም" ዝብል ኰይኑ እዚ ጽሑፍ ብ2ን 3ን ጥሪ 2016 ጥራይ እንተወሓደ ኣብ 1004 ዝፈላለዩ ሕሳባትን ገጻትን ፌስቡክ ከምዝተዘርግሐ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። እዚ ብስእላዊ መግለጺ ተሰንዩ ዝተለጠፈ ጽሑፍ፡ ኣብ 2 ጥሪ ጥራይ ብውሑዱ 898 ግዜ ኣብ ፌስቡክ ተኻፊሉ’ዩ።

ፌስቡክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረ ኣዝዩ ጌጋ እዩ" ብምባል ዝነጸገት ንጽባሒቱ’ዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሎም ኣቡነ ጴጥሮስ ርእይቶ ክህቡ ከምዘይደልዩ ገሊጾም።

እዚ መልእኽቲ ምስ ዝተዘርግሐ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ እቶም "ሃዲሞም" ዝተበሃሉ ኣቡነ ጴጥሮስ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም’ኳ እንተነበሩ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዝመጽሉ ክምለሱ ተገይሮም እዮም።

ኣብታ ዕለት እቲኣ ብዛዕባ “ምህዳም” እቶም ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሑ ጽሑፋት፡ ከምቶም ልሙዳት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዓይነታት ኣይነበሩን። መቐጸልታ ብፍላይ ናይቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ጀሚሩ ኣብ መንጎ መንግስትን መራሕቲ እታ ቤተክርስትያንን ዝተፈጠረ ወጥሪ እዩ።

መንግስቲ፡ ጥሪ 2015 ካብ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንዝወጹ መራሕቲ ሃይማኖት "ደገፍ ሂቡ" ብዝብል ዝጐልሐ ምስሕሓብ መንግስትን መራሕቲ እታ ቤተክርስትያንን፡ ገለ ኣቦታት እታ ቤተክርስትያን ዕጡቓት ደጊፎም ዝሃብዎ መደረ ስዒቡ ኣብዚ ዓመት’ውን ቀጺሉ ነይሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ካብ መንጐ ምንጪ ምስልታት ናይቶም ኣቡነ ጴጥሮስ ከምዝሃደሙ ዝገልጹ ጽሑፋት ናይ ዋትስኣፕ ናይ ጕጅለ ሕሳባት መሓውራት ወረዳታት ቤት ጽሕፈት ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣዲስ ኣበባ ይርከብዎም።

እዚአን ጕጅለ ሕሳባት ዋትስኣፕ፡ መሓውራት ወረዳታት እቲ ሰልፊ ብኣባላት 'ሰራዊት ሚድያ' ብመልክዕ ጐስጓስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሕዎ ዝደልይዎ መልእኽቲ ዝልእኩለን እየን።

ቢቢሲ፡ ካብዘን ጕጅለ ሕሳባት ዋትስኣፕ ኣብ ሓንቲ፡ ትሕዝቶ ናይቶም ኣባላት ሰራዊት ሚድያን ሓለፍቶምን ዝተለዋወጥዎም መልእኽትታት፡ ዝተወሃቡ ትእዛዛትን ዝካየዱ ጐስጓሳትን ክከታተል ጸኒሑ። እታ ጕጅለ ዋትስኣፕ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ብዝርከብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ወረዳ እያ ትመሓደር።

ኣባላት እዚ ጕጅለ ብዕለት 2 ጥሪ፡ ኣቡነ ጴጥሮስን ይሃድሙ ከምዘለዉ ዝገልጽ ጽሑፍ ዘለዎም 19 ኣሳእል ኣብ ፌስቡክ ክዝርግሑ ተኣዚዞም።

ኣመሓዳሪ እታ ጕጅለ ዋትስኣፕ ነዞም ምስልታት ክሰድድ ከሎ፡ ኣባላት እታ ጕጅለ ነቶም ምስልታት ኣብ "ዘይወግዓዊ" ገጻት ፌስቡክ "ብሰፊሑ" ክዝርግሕዎም ዝነግር ትእዛዝ ዝሓዘ እዩ ነይሩ።

እቲ ናብ ኣባላት ሰራዊት ሚድያ ዝተላእከ መልእኽቲ፡ “እዚ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ዘይወግዓዊ ገጻት ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ብንጥፈት ኣወሃሃድዎ፤ ዘይሳተፍ መሓውር ከይህሉ፤ ኵሉ ይሳተፍ" ዝብል ትእዛዝ ዝሓዘ እዩ።

ኣብቲ ናይ ጕጅለ ሕሳብ ዋትስኣፕ ዝተለኣኹ ምስልታት ምስቶም ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሑ ጽሑፋት ተመሳሰልቲ እዮም። እቶም ሰለስተ ጽሑፋት ግን ናብ ኣባላት እዛ ጕጅለ ከምዘይተላእኩ ቢቢሲ ርእዩ’ዩ።

ኣባላት ሰራዊት ሚድያ ብልጽግና ኣብዚ ጐስጓስ ክሳተፉ ዝገበረ ናይ ወረዳ ውድባዊ መሓውር ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ጥራይ ኣይነበረን።

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ንዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ብልጽግና'ውን እቶም ጳጳስ "ምህዳሞም" ዝገልጹ ጽሑፋትን ኣሳእልን ከምዝተለኣኸሎም ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል መሪሕነት ወረዳ ናይቲ ክፍለከተማ ዝዀነ ውልቀሰብ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ።

እቶም ኣሳእልን ጽሑፋትን ኣብ ዋትስኣፕ፡"ጐስጓስ ኣካይዱ" ብዝብል ትእዛዝ ናብ ኣባላት መሪሕነት ቤት ጽሕፈት ውድብ ወረዳ ከምዝተለኣኹ እቲ ምንጪ ወሲኹ ኣቃሊዑ።

"[እቲ ናብታ ጕጅለ ዝተላእከ ጽሑፍ] ዜግነት ኣቡነ ጴጥሮስ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ‘ናይ ወጻኢ ሃገር ዜግነቶም ሽፋን ገይሮም ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ሰነዳት ብምድላው ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ወጺኦም’ ዝብል’ዩ" ብምባል ናብታ ጕጅለ ዝተለኣኸ ጽሑፍ ምስቲ ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሐ ተመሳሳሊ ምዃኑ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ብመሓውራት ወረዳ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተዋደደ ናይ ፌስቡክ ጐስጓስ ንኣቡነ ጴጥሮስ ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን።

ኣባላት 'ሰራዊት ሚድያ'ን ዝወሃብዎም ትእዛዛትን

ናይቲ ሰልፊ መሓውራት ወረዳታት ኣዲስ ኣበባ ምስሊ መንግስቲ ዝሃንጹ ጽሑፋት፡ ኣሳእልን ቪድዮታትን ብተደጋጋሚ ኣብ ፌስቡክ ክዝርግሑ ከምዝጸንሑ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ መሓውራት ወረዳታት ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ ቃሊቲ፡ ንፋስ ስልክ ላፍቶ፡ ለሚ ኩራ፡ ጉለሌን ኮልፌ ቀራንዮን ምስ ኣባላት ሰራዊት ሚድያ መልእኽቲ ዝለዋወጡለን ካልኦት ሓሙሽተ ናይ ጕጅለ ሕሳባት ቴሌግራም እውን ረኺቡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ከምኡ'ውን ኣብ ትካላት መንግስቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፌደራልን ዝሰርሑ ክኢላታትን ሓለፍቲ ኮሙኒኬሽንን፡ እቶም ጐስጓሳት ፌስቡክ ብኣባላት 'ሰራዊት ሚድያ' እቲ ሰልፊ ዝካየድ ምዃኑ ገሊጾም። እቶም ምንጭታት ወሲኾም እቶም ጐስጓሳት ንመንግስቲን ሰልፊን ዝምልከቱ "ትረኻታት ዓብላልነት ንኽህልዎም" ከምዝካየዱ ሓቢሮም።

'ሰራዊት ሚድያ'፡ ኣብ ሊጋት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብኣባልነት ዝሳተፉ መንእሰያት ከምኡ’ውን 'ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብ' ተባሂሎም ዝተመዘዙ ውልቀሰባትን ዝሓቘፈ ምዃኑ ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦም ምንጭታት፡ ከምኡ'ውን ካብ ዝረኣዮም መልእኽትታት እተን ናይ ጕጅለ ሕሳባት ዋትስኣፕን ተሌግራምን ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ ንጥፈት መራሕቲ ወረዳታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሳተፉ እቲ ኣባል መሪሕነት ወረዳ ዝዀነ ውልቀሰብን ክኢላታትን ሓለፍቲ ኮሙኒኬሽንን ዝዀኑ ኣርባዕተ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቢቢሲ፡ ኣብ ጕጅለ ሕሳባት ዋትስኣፕን ተሌግራምን ኣብያተ ጽሕፈት እቲ ሰልፊ ክፍለ ከተማታት ቂርቆስን የካን ዝተኻየዱ ምልውዋጥ መልእኽትታት ዝገበሮ ምክትታል እቶም ምንጪታት ዝበልዎ ዘረጋግጽ’ዩ።

ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዝርከብ ሓደ ወረዳ ልዕሊ 30 ኣባላት ዘለዎ ጕጅለ ተሌግራም ዝተለዋወጥዎ መልእኽትታት፡ ኣባላት እቲ ጕጅለ ኣብ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ምዃኖም ዘርኢ እዩ። ቢቢሲ፡ መራሕቲ ወረዳ ምዃኖም ዘረጋገጾም ውልቀሰባት ኣብቲ ጕጅለ ኣለዉ።

ኵሎም መራሕቲ ወረዳታት እታ ከተማ፡ ካብቲ ውድብ ብዝወሃቦም "ኣንፈት" ካብ ሓደ ንላዕሊ ሕሳባት ፌስቡክ ክህልዎም ከምዝተገብረ ሰለስተ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እዚ ዓይነት ተወሳኺ ኣካውንት ኣብ ጕጅለታት ዋትስኣፕን ተሌግራምን "ዘይወግዓዊ ገጽ" ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መራሕቲ ወረዳታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገብርዎ ንጥፈት ብወለንታ ጥራይ ዝፍጸም ከምዘይኰነ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣጠቓቐማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ኣጀንዳ ተታሒዙ ገምጋም ከምዝግበረሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መርሒ ወረዳ፡ ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ክፍለ ከተማን ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ዝሰርሕ ክኢላ ኮሙኒኬሽንን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብተን ወረዳታት ዝግበር ንጥፈት ዝግምገምን “ኣንፈት ፖለቲካ” ዝወሃብን ካብ ምምሕዳር ወረዳን መሓውር እቲ ሰልፊን ብዝተዋደዱ ሓሙሽተ "መሪሕነት ኮር" ብዝሓቘፈ "ኣተሓባበሪ ኮሚቴ" ተገምጊሙ ከምዝዀነ ሓደ ኣባል መሪሕነት ወረዳ ሓቢሩ።

ንሱ፡ "[ሓደ ኣባል መሪሕነት] ኣብቲ ን'ወፍሪ' ዝተዋህበ ኣጀንዳ እንተዘይተሳቲፉ፡ ተሓታቲ'ዩ። ካብ ኣስታት 30 ኣባላት መሪሕነት [ወረዳ] ክንድዚ ተሳቲፎም ይበሃል። ስክሪን ሾት ተገይሩ ናብ ላዕለዎት ኣካላት ይለኣኽ። ናብ ክፍለ ከተማ [ተላኢኹ] እከለን እከለን ተሳቲፎም፣ እከለን እከለን ኣይተሳተፉን ይበሃል" ብምባል እቲ ተሓታትነት ኣብሪሁ።

እቲ ግምገማ ኣብ ክፍለ ከተማ እውን ከምዝካየድ ሓደ ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ክፍለ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ነቶም ገምጋማት ዝመርሑ ሓለፍቲ ሰልፊ፡ ኣብ ገጻት እቲ ሰልፊን መንግስቲን ብዝምልከት "ንምንታይ ላይክ፡ ሼር ዘይትገብሩ?” ዝብል ሕቶ ንተሳተፍቲ የቕርቡ’ዮም።

ኣባላት ሰራዊት ሚድያ ላይክ፡ ኮመንትን ሼርን ዝገበርዎ ብ"ስክሪንሾት" ክሰዱ ይሕተቱ ከምዘለዉ ቢቢሲ ካብ መልእኽትታት እተን ጕጅለታት ርእዩ ኣሎ።

መራሕቲ ወረዳታትን ሰራዊት ሚድያን ናብ ናይ ፌስቡክ ኣካውንቶም ሊንክ ክሰዱን ናይ ፌስቡክ ኣካውንቶም ዝተዓጽወ (lock ዝተገበረ) ኣካውንቶም ን"ምርመራ" ክኸፍቱን ዝሓትት ትእዛዝ በተን ጕጅለታት ተመሓላሊፉ ተረኺቡ’ዩ።

ቢቢሲ፡ ካብ መራሕቲ ወረዳታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ብዝምልከት ርእይቶ ንምርካብ ተደጋጋሚ ፈተነታት ገይሩ ግን ኣይተዓወተን።

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን እታ ከተማ ወይዘሮ እናትኣለም መለሰ፡ እቲ ሕቶ ብደብዳቤ ክቐርበላ ሓቲታ፡ ቢቢሲ’ውን እቲ ዝተበሃሎ ብጽሑፍ ኣቕሪብይ፡መልሲ ግን ኣይሃበትን።

ዋና ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ ምላሽ፡ ኣብ ውሽጢ መሓውር እቲ ሰልፊ 'ሰራዊት ሚድያ' ዝበሃል ከምዘየለ ገሊጹ። እቲ ሰልፊ፡ ምስሊ መንግስትን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ብሰብሰርሖ መንገዲ ንምህናጽ "ካብ ንቡር ዕላማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈልየ ንጥፈታት ከምዘይገብር" እውን ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣባላት እቲ ሰልፊ፡ "ኣብ ገጻቱን ውልቃዊ ሕሳባቱን መርገጺ ሰልፊ ከስፋሕፍሑ" ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ሰልፊ "ብዘይምርዳእ ወይ ኰነ ኢልካ ኣብ ዝካየዱ ጐስጓሳት መትከላት እቲ ሰልፊ ተመርኲሶም ግብረ መልሲ ክህቡ ከምዘተባብዕ” ገሊጹ።

"እንተዀነ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብእወታዊ መንገዲ ካብ ምጥቃም ወጻኢ፡ [ኣባላት ሰልፊ] ናይ ሓሶት ኣካውንት ክኸፍቱ ወይ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ከሕልፉ ፈጺሙ ኣይገብርን” ክብል ንነብሱ ተኸላኺሉ።

'ምፍራይ ተቐባልነት' ኣብ ጐስጓሳት ፌስቡክ

ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ክሕዝ ዝገበረ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ጽልዋ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ "ኣዝዩ ልዑል" ምዃኑ ፈጻሚ ዳይረክተር ማእከል ልምዓት መሰላትን ዲሞክራስን (ካርድ) ኣቶ በፍቃዱ ሃይሉ ይገልጽ።

ኣብ 2008 ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝተላብዐ ኣብ ፌስቡክ ኣንፈታት ተቓውሞን መንገድታት የመልክቱ ብዝነበሩ ጐስጐስቲ ፖለቲካ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ብሰንኪ እዚ ተቓውሞ ናብ ስልጣን ዝመጸ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ "ናይ ተቐባልነት ቅልውላው ዘጋጥሞ ዘሎ ይመስል" ይብል ኣቶ በፍቃዱ።

ብመሰረት እቲ ዳይሬክተር፡ "ኣብተን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለወን [ክልላት] ኦሮሚያ፡ ኣምሓራ ከምኡ'ውን ኣብታ ልዑል ጽልዋ ዘለዋ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ልዑል ደረጃ ዘይምርግጋእ" ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ምዝሓል ተቐባልነት እዩ።

"ዘይውሕስነት ጸጥታ፡ ምስቲ ዘይውሕስነት ዝተኣሳሰሩ ቍጠባዊ ቅልውላዋት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ገደብ ምንቅስቓስ ዜጋታት [ከምኡ’ውን ካልኦት] ብዙሓት ጸገማትን ተቐባልነት [መንግስቲ] እናዳኸምዎ መጺኦም’ዮም። ልዕልነት ሕጊ ተሸርሺሩ፡ ብልሽውና እናሳዕረረ ይኸይድ ኣሎ ብዝብል ኣብ ብዙሓት ሰባት ተስፋ ምቝራጽ ይርአ ኣሎ" ክብል ካልኦት ምኽንያታት ይጠቅስ።

ብሰንኪ እዞም ምኽንያታት ኣብ ህዝቢ ዝዓሰለ ዘይዕግበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምንጽብራቑ፡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ብዙሓት ፈተውትን ደገፍትን የብሉን ዝብል ጦብላሕታ ፈጢሩ’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ትሕቲ ጽሑፋት ቀዳማይ ሚኒስተር ይዅን ንሱ ኣብ ዝረኣየሎም ቪድዮታት "እወታዊ፣ ዝንእዱ፣ ሓቀኛን ባህርያዊን ዘይመስሉ" ርእይቶታት ከምዘስተብሃለ ይዛረብ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ፡ መንግስቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝኸሰሮ "ኣገባብ ምፍራይ ተቐባልነት" ከምዝመስል ኣቶ በፍቃዱ ይሕብር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ መብርሂ ክህብ ወይ ድማ መደረኡ ብመንግስታዊ ሚድያታት ክመሓላለፍ እንከሎ፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተዳለዉ ርእይቶታት ናብ ኣባላት ሰራዊት ሚድያ ከምዝለኣኹ ቢቢሲ ኣብ ጕጅለ ዋትስኣፕ ሓደ ወረዳ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ክዕዘብ ክኢሉ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ 28 ጥሪ 2016 [ግ] ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣፈጻጽማ መንግስቲ ብዝምልከት ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት መብርሂ ንምሃብ ኣብ ዘቐረበሉ እዋን ዝነበረ ምንቅስቓስ ኣባላት ሰራዊት ሚድያ ከም ኣብነት ንውሰድ።

ኣብዚ ዕለት ኣባላት ጕጅለ ዋትስኣፕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ መንግስትን ሰልፊ ብልጽግናን ዝንእዱ ጽሑፋት ‘ኮመንት’ ክገብሩ ተላኢኹሎም እዩ። ኣብቲ ነቲ ኣኼባ ብቐጥታ ዘመሓላልፍ ዝነበረ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ገጽ ከም ርእይቶ ክወሃቡ ዝተለኣኹ መልእኽትታት ቋንቋ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ብዝሖም 93 እዩ።

ቀዳማይ ክፋል ኣኼባ ባይቶ ብቐጥታ ኣብ ገጽ ፈይስቡክ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስተመሓላለፈ ዓሰርተ ሽሕ ርእይቶታት ተዋሂቡ። ቢቢሲ፡ ርእይቶታት ፌስቡክ ብሰነድ መልክዕ ንምውጻእ ዝሕግዝ መሳርሒ ተጠቒሙ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ዝዀኑ ብዘይ ስሩዕ መንገዲ ንዳህሳስ መሪጹ። ኣብቶም ዝተመርጹ ርእይቶታት ዝተገብረ ዳህሳስ፡ እቶም ኣብ ጕጅለ ዋትስኣፕ ዝተላእኩ ጽሑፋት ብውሑዱ 160 ግዜ ከም ርእይቶ ከምዝተዋህቡ የመልክት።

ቢቢሲ፡ ኣብ ገጽ ፌስቡክ ኣብይ ኣሕመድ ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ይካየድ ከምዘሎ ይፈልጥ ድዩ ዝብል ሕቶ ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቐሪቡ ነይሩ፤ መልሲ ግን ኣይረኸበን።

ብኸምዚ ኣገባብ ዝተዳለወ ጽሑፋት ከም ርእይቶ ዝተወሃበሉ ካልእ እዋን ድማ "ካብ ኣቃቂ ክሳብ ጫካ" ዝብል መደብ ኣብ ገጽ ፌስቡክ ኮርፖሬሽን ብሮድካስቲን ኢትዮጵያ (ኢቢሲ) ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈሉ እዋን እዩ።

ብ8ን ብ9ን ጥሪ 2016 ብኽልተ ተኸታተልቲ ክፍልታት ዝቐረበ እዚ መደብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነጹን ኣብ ህንጸት ዘለዉን "ሜጋ ፕሮጀክትታት" ንሰበስልጣናቱ ኣብ ዑደት ከግብር ዘርኢ እዩ።

እቲ መደብ ኣብ ዝተፈነወሉ መዓልታት፡ ኣባላት ጕጅለ ዋትስኣፕ፡ ኣብ ገጽ ኢቢሲ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ኦሮሞን እንግሊዝኛን ዝተዳለዉ 128 ጽሑፋት ከም ርእይቶ ክወሃቡ ተላኢኾም እዮም። ቢቢሲ፡ ኣብቶም ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝተዋሃቡ ርእይቶታት ዝገበሮ ትንተና፡ ናብ ኣባላት ጕጅለ ዋትስኣፕ ዝተለኣኹ 49 ጽሑፋት 108 ግዜ ከም ርእይቶ ተዋሂቦም የርእይ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀዳማይ ክፋል እቲ መደብ ዝተወሃቡ ርእይቶታት፡ ብኻልኦት መሓውራት ሰልፊ ብልጽግና ዝተዳለዉ ዝመስሉ ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ብዙሕ ግዜ ከም ርእይቶ ክሰፍሩ ከምዝግበሩ የመልክት።

እዚ መደብ ክፍኖ እንከሎ ዝተፈላለዩ ሕሳባት ፌስቡክን ገጻትን ብተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ዝዀነ ርእይቶ ይህቡ ነይሮም። ካብዚኦም ሓደ፡ "ሃብቲ ተፈጥሮ ዝርዳእ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ብምጽባቕን ትሕተ ቅርጺ ብምምሕያሽን፡ ከምኡ'ውን ዘመናዊ ስሕበት በጻሕቲ ይሃንጽ ኣሎ" ዝብል እዩ።

ዝተፈላለዩ ሕሳባት ፌስቡክ ነዚ ጽሑፍ ብውሑዱ 78 ግዜ ከም ርእይቶ ኣስፊሮም። ካልኦት ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፉ ድማ ልዕሊ 100 ግዜ ከም ርእይቶ ተዋሂብዎም።

ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ድማ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝሰርሖም ፕሮጀክትታት ዝንእዱ ጽሑፋት፡ ኣሳእልን ቪድዮታትን ብመልክዕ ጐስጓስ ተዳልዮም ይዝርግሑ ከምዝነበሩ ቢቢሲ ኣብ ናይ ወረዳ ጕጅለ ዋትስኣፕ ብልጽግና ብዝገበሮ ምክትታትል ኣረጋጊጹ እዩ።

ኣብ ለካቲት ዝተመረቐ ቤተ መዘክር ዓወት ዓድዋ ቅድሚ ምምራቑ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት፡ ነቲ ፕሮጀክት ዝንእዱ ጐስጓሳት ክካየዱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ መጋቢት፡ ብምምሕዳር እታ ከተማ ንዘካይዶ ህንጸታት መተሓላለፊ ጽርግያታት፡ ኣብ ከባቢ ፒያዛ ዝርከቡ ህንጻታትን ኣባይትን ምፍራሶም ዝቃወሙ ሰባት ዝነቕፉ ምስልታት ብመልክዕ ጐስጓስ ኣብ ፌስቡክ ክዝርግሑ ተገይሮም።

ብዙሓት ሰባት ብምስላፍ ብጭፍራ (mob)፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወሃቡ ሓሳባት ንምቍጽጻር ብዝተወደበ መልክዑ ዝግበሩ ወፍሪታት፡ “ናብ ናይ ሓሶት ወይ ግጉይ ምንቅስቓስ” ከም ዝቕየሩ ኣብ ኣውስትራሊያ ዩኒቨርሲቲ ሞናሽ ተመራማሪ ሕጊ መሰላት ዲጂታል ዝዀነ ዶ/ር ዮውሃንስ እንየው ይዛረብ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ንመንግስቲ ዝድግፉ ሕሳባት “ሓቀኛ ዜጋ ብምምሳል” ዝገብርዎም ምንቅስቓሳት ብፍላይ ኣብ እዋን መረጻ ናይ መረጽቲ ሓሳብ ናይ ምዝባዕ ከምኡ’ውን “ንክእለት ምትእምማንን ምውሳንን” ይፈታተኑዎ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ማሕበራዊ ሚዲያ “ተኣኪብካ ብምዕልቕላቕ” ዝግበር ምንቅስቓስ ንመንግስቲ ከይደገፉ ሓሳቦም “ዝጽሕፉ ሰባት ካብቲ መድረኽ ንክወጽኡ ዝገብር” መገዲ ከም ዝዀነ እቲ ምሁር የረድእ።

“ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓሳት ክፍጠሩ እንከለው፡ ‘ናይ ምዝራብ ናጽነት ክግደብ ይኽእል’ዩ፤ ወይ’ውን ማሕበራዊ ዝርርብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝካየዱ ዝርርባት የቕህሞም’ዩ’ ስለ ዝብሃል፡ ዓንቀጽ 19 ዓለምለኸ ኪዳን መሰላት ፖለቲካ ስለ ዝጥሕስ፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከምዚ ዓይነት ውዱብ ዘጋጊ ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ከም ዝዀነ ክንግንዘብ ንኽእል” ኢሉ።

ኣንጻር ነቐፍትን ተቓወምትን ዝካየዱ 'ናይ ጽልኢ ዘረባታት' ዝሓዙ ጐስጓሳት

ምስሊ መንግስቲ ወይ ሰልፊ ምህናጽ ኣባላት "ሰራዊት ሚድያ" ሰልፊ ብልጽግና እንኮ ስራሕ ኣይኰነን። ኣንጻር ኣብ ገጻት ፌስቡክ ዝተዘርግሑ ንመንግስቲ ዝቃወሙ ጽሑፋት ዝህብዎም ርእይቶታት እውን ከምዝዳለወሎም ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ፌስቡኮም ርእይቶ ካብ ዝተዋህቦም ውልቀሰባት ሓደ ሚኒስተር ሰላም ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ እዩ። ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ታየ፡ ብ1 ታሕሳስ 2016 ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣለየ ዝገልጽ ደብዳበ ኣሰንዩ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብትሪ ዝነቅፍን ዝኸሰስን ጽሑፍ ኣካፊሉ ነይሩ።

ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "ብደም ሰብ ዝጻወት ኣረሜናዊ" ኢሉ ዝገለጾ እቲ ሚኒስተር ሰላም ነበር፡ ነቲ ጽሑፍ ኣብ ዘካፈሎ ምሸት እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ሽዑ ምሸት ኣመሓዳሪ ጕጅለ ዋትስኣፕ ንኣባላቱ፡ ንኣቶ ታየ ዝነቅፍ 23 መልእኽትታት ሰዲዱ። እቶም ንኣቶ ታየ "ሽፍታ" ኢሎም ዝጠቕሱ ጽሑፋት ክለኣኹ ከለዉ ናይ ኣቶ ታየ ናይ ፌስቡክ ጽሑፍ እውን ብመላግቦ (ሊንክ) ተላኢኹ ነይሩ።

ኣመሓዳሪ ናይቲ ጕጅለ፡ “ኵሎም መራሕቲ፡ ኣባላት፡ ደገፍትን ሰራዊት ሚድያን ዝተወደበ ርእይቶ ሃቡ። ሼር ወይ ላይክ [ምግባር] ፍጹም ክልኩል'ዩ" ዝብል ትእዛዝ እውን ኣሕሊፉ’ዩ።

ኣቶ ታየ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ልዕሊ 14,600 ግዜ ርእይቶ ተዋሂብዎ።

ቢቢሲ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ካብኣቶም መሪጹ ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ኣብ ጕጅለ ዋትስኣፕ ዝተዘርግሑ ጽሑፋት ብውሑዱ 365 ግዜ ኣብ ናይ ኣቶ ታየ ናይ ፌስቡክ ጽሑፍ ከም ርእይቶ ምስፋሮም ኣረጋጊጹ።

ካብቶም ብ'ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ጐስጓስ ዝተገብረሎም ኣካላት ሓደ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) እዩ።

ኣብ ጥሪ፡ ህወሓት ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ገምጋም ኣብ ዘካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄርን ንኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ "ዕንቅፋት" ምዃኖም ዝገልጹ ምስልታት ኣብ ጕጅለ ዋትስኣፕ ተላኢኹ ነይሩ።

ካብቶም ናብታ ጕጅለ ዝተላእኩ 20 ስኑዕ ምስልታት፡ ንዶክተር ደብረጽዮንን “ብጾቱን” ዝበሎም ካልኦት ሰበስልጣን ትግራይን "ቫይረስ ህዝቢ" ኢሉ ዝጠቕሶም ስእሊ ይርከብ።

እቲ ምስሊ ኣብ ፌስቡክ 330 ግዜ ከም ዝተኻፈለ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ፡ ብምክትል ኣመሓዳሪ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ኣለም ገብረዋህድ፡ ዋና ሰክረታርያት ካቢነ ሚኒስተራት ዝነበረ ኣማኑኤል ኣሰፋን ካልኦት ሰበስልጣንን ካብ ስልጣኖም ኣብ ዝተኣለዩሉ እዋን፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም ምስልታት ናብታ ጕጅለ ዋትስኣፕ ተላኢኹ’ዩ።

ቢቢሲ፡ ካብቶም ኣብ ፌስቡክ ከምዝተዘርግሑ ዘረጋገጾም 20 ኣሳእል ሓደ ንኣቶ ኣለም ገብረዋህድ "መንሽሮ ትግራይ" ኢሉ ዝጽውዕ እዩ።

ነቶም ንመንግስቲ ዝቃወሙ ሰባት ብዝምልከት ከምዚ ዓይነት መግለጺታት ምጥቃም ከም "ናይ ጽልኢ ዘረባ" ክውሰድ ከም ዝኽእል ኣብ ኣውስትራልያ ዩኒቨርሲቲ ሞናሽ ተመራማሪ ሕጊ ዲጂታል ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ዶክተር ዮሃንስ እንየው ይዛረብ።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ "ናይ ጽልኢ ዘረባን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ንምክልኻልን ንምቍጽጻርን" ዝብል ኣዋጅ ዘውጽአ ኣብ 2012 እዩ ነይሩ።

እዚ ሕጊ እዚ ዝወጸ "ኰነ ኢልካ ዝዝርግሑ ናይ ጽልእን ናይ ሓሶትን ዘረባታት ብሕጊ ምኽልካልን ምቁጽጻርን ስለ ዘድሊ" ምዃኑ ኣብቲ ኣዋጅ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ናይ ጽልኢ ዘረባ ውጽኢቱ ገበናዊ ተሓታትነት ከም ዘስዕብ ዝድንግግ እዚ ኣዋጅ፡ እዚ ክገብሩ ዝተረኽቡ ሰባት ክሳብ ሰለስተ ዓመት ብዝበጽሕ ብቐሊል ማእሰርቲ ከምዝቕጽዑ ይጠቅስ።

“እንተዀነ መንግስቲ ገበነኛ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ነዚ ሕጊ ንምትግባር ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እቲ ዘሎ ኣማራፂ ምእራም ትሕዝቶ ይበሃል" ብምባል እቲ ኩባንያ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ዶክተር የብርህ።

ዋና ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣባላት ሰልፊ "ከም ናይ ሓሶት ሓበሬታን ናይ ጽልኢ ዘረባን ክቑጸሩ ዝኽእሉ ጽሑፋትን ምስልታትን ዘርጊሖም" ዝብል "ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ መግለጺ" ምዃኑ እዩ ጠቒሱ።

"ንሕና ከም ውድብ ይኹን ከም መንግስቲ ኣዚና ንቃለሰሉን በብመዓልቱ ግዳያት እንዀነሉን ጉዳይ ክንፍጽም እንኽእለሉ ምኽንያት የለን" ብምባል ናይ ሓሶት ሓበሬታን ናይ ጽልኢ ዘረባን ኣብ ምዝርጋሕ ከምዘይሳተፍ ይገልጽ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብዝሓ መንበር ዝሓዘሉ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ "ናይ ጽልኢ ዘረባን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ንምክልኻል ዘኽእል" ኣዋጅ ከምዘጽደቐ ኣዘኻኺሩ።

ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ሰልፊ፡ "ኣይኰነን’ዶ ከም 'ናይ ሓሶት ሓበሬታ'ን 'ናይ ጽልኢ ዘረባን'፡ ንኣሽቱ ጌጋታት'ውን ኣብ ዝፍጠሩሉ እዋን እውን እንተዀነ መአረምታታት ክንገብር ጸኒሕና ኢና፡ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ተግባራት ዘርኢ መርትዖ እንተረኺብና፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ፈጸምቲ ዘድሊ መአረምታ ክንወስድ ኢና ክንብል ንፈቱ" ኢሉ።

ሜታ ዝወሰዶ ስጕምቲ

ወናኒ ፌስቡክ ዝዀነ ኩባንያ ሜታ፡ ከም ጐስጓስ ዝፍጸሙ ንጥፈታት ማሕበራዊ መራኸቢታት "ዝተዋደደ ዘይሓቀኛ ባህሪ" (coordinated inauthentic behaviour) ክብል ይገልጾም።

ቢቢሲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሚድያ ብልጽግና ኣብ ዘካየዶ ምርመራ ዝረኸቦ መርትዖ መሰረት ብምግባር ናብ ሜታ ንዘቕረቦ ሕቶ፡ እቲ ትካል ዝተዋደደ ናይ ሓሶት ኣካይዳ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስጕምቲ ከምዝወሰደ ድማ ገሊጹ።

ሜታ ንቢቢሲ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ትካል ዘካየዶ መርመራ ስዒቡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ" "ናይ ሓሶት ኣካውንት" ተጠቒሙ ኣብ ጽሑፋት ፌስቡክ "ብዙሕ እወታዊ ርእይቶታት" ምሃቡ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ናይ ሜታ ፖሊሲታት ምትላል ዝጥሕስ ብምዃኑ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ "እኩብ ኣካውንታትን ገጻትን" ከም ዝኣለየ ጠቒሱ።

ወሃቢ ቃል ሜታ፡ “ናይ ሓሶት ባህሪ ፖሊሲና ዝጥሕሱ እኩብ ኣካውንታትን ገጻትን ኣሊና ኣለና። ገለ [ኣካውንትታትን ገጻትን] ብኣውቶማቲክ ስርዓትና ተለልዮምን ተኣልዮምን ኣለዉ። [እቶም ኣካውንትን ገጻትን] ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዝርግሑ ጽሑፋት ተበጻሕነቶም ምእንቲ ክብርኽ ርእይቶ ብምሃብ ኣብ ዘደናግርን ዘይተደለየን (spammy) ንጥፈታት ተጸሚዶም” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ኩባንያ ብኸምዚ ዓይነት ጥሕሰት ፖሊሲ ክንደይ ናይ ፌስቡክ ኣካውንትን ገጻትን ከምዝኣለየ ኣይገለጸን። ቢቢሲ ነቲ ኩባንያ ሕቶታት ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ከም መርኣያ ዘለለዮም ሕሳባት ፌስቡክ፡ ኣብታ ብኢመይል መልሲ ዝተዋህበሉ መዓልትን ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ መዓልታትን ከምዝተኣለዩ ርእዩ’ዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ሰራዊት ሚድያ ፕሮፖጋንዳ ናይቲ ሰልፊ ንምዝርጋሕ ዝጥቀሙሉ ሕሳባትን ገጻትን ፌስቡክ ተመሳሳሊ ባህሪ ከምዘለዎም ቢቢሲ ኣብ ኣስታት 200 ኣካውንትታት ዘካየዶ መርመራ የመልክት። መብዛሕትኦም ነዚ ዕላማ ዝጥቀሙሉ ኣካውንታት ከምቲ ስሩዓት ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዝገብርዎ ዓይነት ውልቃዊ ስእሊ ወይ ጽሑፋት የብሎምን።

እዞም ኣካውንትታት ብብዝሒ ካብ ዝጥቀሙሉ ኣሳእል ፕሮፋይል፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነችን ይርከብዎም።

ስእሊ ናይቶም ብመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሃንጹ "ሜጋ ፕሮጀክትታት"፡ ከምኡ'ውን ንሰልፊ ብልጽግናን ሓይልታት ምክልኻልን ዝገልጹ ጽሑፋት፡ ኣብቲ ናይቲ ኣካውንት ፕሮፋይል ስእሊ ምርኣይ ይከኣል። ገለ ኣካውንትታት ስእሊ ደቂ ኣንስትዮ ስነጥበባውያንን ሞዴላትን ከምዝተጠቕሙ እውን ቢቢሲ ርእዩ’ዩ።

ውሑዳት ዘይበሃሉ ኣባላት 'ሰራዊት ሚድያ' ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኦሮሚያ ብዘደንቕ መልክዑ ተመሳሳሊ ምስሊ ተጠቒሞም። ቢቢሲ፡ እቶም ሓደ ዓይነት ምስሊ ዝጥቀሙ ሕሳባት፡ ኣባላት ኣብ ትሕቲ ኣብ ሓደ ዞባ ዝርከብ መሓውር ምዃኖም ተዓዚቡ።

ካብዞም መሓውራት ምዕራብ ኣርሲን ምብራቕ ባሌን ይርከብዎም። ኣባላት ሰራዊት ሚድያ ዞባ ጅማ ዝጥቀምሉ ምስሊ "ዲጂታል ሰራዊት ማሕበራዊ ሚድያ ዞባ ጂማ" ዝብል ኰይኑ ብቋንቋታት ኦሮምኛን እንግሊዝኛን ዝተጻሕፈ እዩ።

ወናኒ ፌስቡክ ሜታ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰሩ ከምዚኦም ዝበሉ ገጻት ፌስቡክ ስጕምቲ ክወስድ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን። ኣብ 2013 ኲናት ትግራይ ምስ ተጀመረ 62 ሕሳባት ፌስቡክ፡ 49 ገጻትን 26 ጕጅለታትን ዝተዋደደ ናይ ሓሶት ባህሪ ፖሊሲ ናይቲ ኩባንያ ብምጥሓሶም ከምዝተኣልዩ ሓቢሩ ነይሩ።

ውዕሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ፌስቡክ ብቐጥታ ክፍኖ እንከሎ ብውሑድ 43 ግዜ ንዕኡ ዝንእዱ ርእይቶታት ዝህብ ዝነበረ ኣካውንት ብሜታ ተኣልዩ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ውዕሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ፌስቡክ ብቐጥታ ክፍኖ እንከሎ ብውሑድ 43 ግዜ ንዕኡ ዝንእዱ ርእይቶታት ዝህብ ዝነበረ ኣካውንት ብሜታ ተኣልዩ

ሜታ ኣብ ሰነ 2013 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብቶም ዝተኣለዩ ሕሳባት፡ ገጻትን ጕጅለታትን ዘካፈልዎም መልእኽትታት፡ ምስ "ሰልፊ ብልጽግናን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን" ዝተኣሳሰሩ መልእኽትታት ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ።

መርመራ ሜታ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ብድሕሪ እዚ ተግባር ዘለዉ ውልቀሰባት ምስ ምምሕዳር ድሕነት መርበብ ሓበሬታ (INSA) "ምትእስሳር" ከም ዝነበሮም ኣረጋጊጹ።

እዚ ዓይነት ንጥፈት፡ ሜታ "ዝተዋደደ ዘይሓቀኛ ባህሪ" (coordinated inauthentic behavior) ዝብሎ እዩ።

ተመራማሪ ሕጊ ዲጂታላዊ ሰብኣዊ መሰላት ዶክተር ዮውሃንስ፡ መንግስታት ክጥቀሙሉ ምርኣይ ሓድሽ ጉዳይ ከምዘይኰነ ይዛረብ።

መንግስታት ብፍላይ ኣብ እዋን ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው፡ ሕብረተሰብ ንምቍጽጻር ኣብዚ ንጥፈት ከም ዝዋፈሩ ይገልጽ።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ ኣብ መስከረም 2012 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተዋደደ ኣገባብ ዝዝርጋሕ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ብውሑዱ ኣብ 70 ሃገራት ምድንጋር ፖለቲካዊ ጐስጓሳት ከም ዝካየድ ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተጠቐሳ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ እያ ነይራ።

ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ እዋን ዝዳህሰሰ እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ፌስቡክ ዝካየድ ጐስጓሳት ናይ ሓሶት ገጻት ተጠቒሙ ዘወሃህድ መንግስታዊ ትካል ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እቶም ገጻት ንመንግስቲ ንምድጋፍን ንተቓወምቲ ንምጥቃዕን ይውዕሉ ከም ዘለዉ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣበል ዝቝረጸሎም ኣባላት 'ሰራዊት ሚድያ'

ኣብ ትካላት መንግስቲ ፈደራል ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ሓላፍነት ኮሙኒኬሽን ዝሰርሐ ሓደ ምንጪ፡ ናይ መንግስቲ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ፌስቡክ ብኣባላት ሰልፊ ተጠቒምካ ብመልክዕ ጐስጓስ ምዝርጋሕ፡ ገዛኢ ሰልፊ ዝነበረ ኢህወደግ ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ስልጣኑ ብደረጃ ትልሚ ዘዳለዎ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

እቲ ምንጪ፡ኣብ 2008 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ነበር ኣብዚ ጉዳይ ንክኢላታት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ስልጠና ሂቡ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

ይዅን እምበር ኢህወደግ ዝመስረታ ኣርባዕተ ውድባት ነቲ ተቓውሞታት ብዝምልከት ብዝነበሮም ናይ መርገጺ ፍልልይ ነቲ ትልሚ ከምቲ ዝተሓሰበ ከተግብርዎ ከም ዘይከኣሉ እውን ኣመልኪቱ።

እቲ ምንጪ ከም ዝሓበሮ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኣፈጻጽማ ጎስጓስ ፌስቡክ ምስቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ዝተዳለወ ትልሚ ዝመሳሰል እዩ፤ ሰልፊ ብልጽግናን መራሕቲ መንግስትን ኣብቲ እዋን ዝተዳለወ ትልሚ ኣብ ምትግባር "ተዓዊቶም" ዝብል እምነት ከም ዘለዎም'ውን ጠቒሱ።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጸን ሰልፊ ብልጽግና ምስ ተመስረተን እውን ዝቐጸለ፡ ሰራዊት ሚድያ ተጠቒምካ ፕሮፖጋንዳ ናይ ምዝርጋሕ መደብ ጥራይ ኣይነበረን።

ክሳዕ ሕጂ ስልጠናታት ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያን ኣልጎሪዝምን ብዝተፈላለዩ መሓውራት ሰልፊ ብልጽግና ይወሃብ ኣሎ።

ሓደ ካብ ትኹረት ናይዞም ንኣባላት ሰልፍን ክኢላታት ርክብን ዝወሃብ ስልጠናታት፡ "ኣብ ሃገርና ንዘለና ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት" ብዝምልከት "ሓበሬታ ንህዝቢ ምዝርጋሕ" እዩ።

ዋና ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ንመራሕቱን ኣባላቱን "ባህሪን ረብሓን ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ከመይ ጌርካ መተግበሪታት ከም እትጥቀመሎምን ሓሳባት ብኸመይ ናብ ሓፋሽ ከም እተመሓላልፍን" ስልጠና ከም ዝህብ ጠቒሱ።

እቲ ውድብ፡ "እዚ ኵሉ ኣብ ዝዀነ ክፋል ዓለም ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክገብሮ ዝኽእልን ክገብሮ ዘለዎን ነገር'ዩ ኢሉ ይኣምን" ክብል ልሙድ ኣሰራርሓ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ ገጻት ፌስቡክ መንግስትን ሰልፊን ተኸታተልትን ተሳተፍትን ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ክልተ ምንጭታት ቤት ጽሕፈት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ላይክ፡ ኮመንትን ሼርን ዝገብሩ ሰባት ክሳብ ምቝጻር ከም ዝተበጽሐ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

በዚ መንገዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ስፖርትን ከምኡ እውን ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ኣገልግሎትን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ተሳትፎ ፌስቡክ ገጾም ንምዕባይ ይጽዕሩ ኣለው።

ቢቢሲ ኣብ ፌስቡክ ጽሑፋት ክልተ ኣብያተ ጽሕፈት ዝገብሮ ትንተና መረዳእታት፡ ምስቲ ካብ ምንጭታት ዝረኸቦ መረዳእታ ዝመሳሰል እዩ።

ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሕቶ ዘቕረበሉ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መንእሰያትን ስፖርትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ገጽ ፌስቡክ እቲ ቤት ጽሕፈት "ተቘጺሮም ዝኽፈሎም ውልቀሰባት ኣለዉ" ዝብል ነጺጉ።

ዳይረክተር ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ቤት ጽሕፈት መሓሪ ተመስንገ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ንኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝምልከት ንመንእሰያት ስልጠና ከምዝህብ ገሊጹ።

ነዚ ስልጠና ዝወሰዱ ውልቀሰባት ኣብ ገጽ እቲ ቤት ጽሕፈት ተሳትፎኦም ከምዝገብሩ’ውን ሓቢሩ።

ኣቶ መሓሪ፡ "ምስ ቤት ጽሕፈትና ንዝሰርሑ መናእሰይን ስፖርታዊ ስድራቤታትን ፔጅ እቲ ትካል ተኸታቲሎም ኣብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ናይ ባዕሎም ላይክን ኮመንትን ክገብሩን ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ንህብ። ገለ ካብቶም ነቲ ስልጠና ዝወሰዱ ሰባት ብተደጋጋሚ [ርእይቶ] ክህቡ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ሕቶ ዝተሓተተ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ኣገልግሎትን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ዶክተር ጣሰው ገብሬ ድማ፡ ብዛዕባ ህላወ እዚ ዓይነት ንጥፈት "ዝዀነ ሓበሬታ" ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

እቲ በዓል ስልጣን ነቲ ጉዳይ መርሚሩ ሓበሬታ ክህብ’ኳ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ ካብ ቢቢሲ ብተደጋጋሚ ክድወለሉ እንከሎ ግን ኣይመለሰን።

ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ቢቢሲ ነዚ ዕማም ንምፍጻም ዝተቘጽሩ 11 ሰባት ኣብ ገጻት ፌስቡክ ክልቲኦም ኣብያተ ጽሕፈት ይሳተፉ ኣለዉ።

ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ውልቀሰባት ኣባላት ውድብ ብልጽግና ኰይኖም ኣብ ወረዳታትን ክፍለ ከተማታትን ከም ክኢላታት ርክብ ስሩዕ ስራሕ እናሰርሑ ይርከቡ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተመስረተ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ 2014 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ልዑል ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተመስረተ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ 2014 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ልዑል ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ

እቲ ምንጪ ወሲኹ፡ “ሓደ ሰብ ክሳብ ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ ሕሳባት ፌስቡክ ኣለዎ። ኣብታ መዓልቲ ፔጅና ይከታተሉ። ኮመንት፡ ሼር ምስ ተገበረ ነቲ ዝተጻሕፈ ኣንቢቦም ኣብኡ ተመርኲሶም፡ ንስራሕ ቤት ጽሕፈት ዝድግፍ ኮመንት ይህቡ። ጽሑፍና ወሲዶም ኣብ ዓሰርተ ገጻቶም ሼር ይገብሩ ማለት እዩ” ይብል።

እቶም ውልቀሰባት ንዝሰርሕዎ ስራሕ "ብመልክዕ ኣበል" ከም ዝኽፈሎም እውን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ቢቢሲ፡ መከታተሊ ትሕዝቶ ፌስቡክ "ክራውድ ታንግል" ተጠቒሙ ዝረኸቦ መረዳእታ፡ ካብ ሕዳርን ታሕሳስን ጀሚሩ ኣብ ገጻት ክልቲኦም ኣብያተ ጽሕፈት ዝሳተፉ ኣካውንታትን ገጻትን ብዓቢኡ ወሲኹ።

እዚ እዋን እዚ ምስቲ ምንጭታት ምልመላ እቶም ውልቀሰባት ከምዝተኻየደ ዝገለጽዎ ግዜ ዝጋጠም እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጽሑፋት እቶም ገጻት ርእይቶ ዝህቡ ተመሳሰልቲ ሕሳባት ኰይኖም፡ እዞም ሕሳባት ኣብ ገጻት ክልቲኦም ኣብያተ ጽሕፈት ከም ዝሳተፍ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ቢቢሲ ኣብዚ ንጥፈት ዝሳተፉን ምስ ክልተ ውልቀሰባት ዝተኣሳሰሩን 16 ኣካውንታትን ገጻትን ኣለልዩ ኣሎ።

ተመራማሪ ዲጂታላዊ ሰብኣዊ መሰላት ዶክተር ዮሃንስ፡ ምስ መንግስቲ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጽሑፋት ብዙሕ ርእይቶታት ምሃብ "ብነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ዘይኰነስ ካልኦት ከም ዝሓፍሩ ንምግባር እዩ" ይብል።

እዚ ዓይነት ንጥፈት "ተቓወምቲ ክዕፈኑ፡ ብንጥፈት ዝጽሕፉ ሰባት ካብቲ መድረኽ ክወጹ ክግደዱ፡ ብነጻነት ናይ ምዝራብን ሓበሬታ ናይ ምርካብን መሰል ክድረት" ክገብር ተኽእሎ ከም ዘሎ ጠቒሱ።