ሽልማት መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም 2023

መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2023 ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተኻይዱ፤ ተዓወትቲ እውን ሽልማቶም ተቐቢሎም ኣለዉ።

ካብ 85 ሃገራት ዝመጹ ፕሮፌሽናላትን ኣማተርን ሰኣልቲ ከምኡ’ውን 5300 ኣሳእልን ኣብቲ ውድድር ተሳቲፎም እዮም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ምድብ ዝተዓወቱን ገለ ካብቶም ሕሩያት ኣሳእልን ከምዚ ዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ሓፈሻዊ ተሸላሚት

እዛ ‘ኤር ጊታር ሩ’ ዝብል ኣርእስቲ ዝተወሃባ ስእሊ፡ ሓፈሻዊ ተዓዋቲት ከምኡ’ውን ኣብ ምድብ ፍጥረታት ምድሪ ተሸላሚት ብምዃን ድርብ ዓወት ረኺባ።

"ከም ንቡር ካንጋሩ ብመጠኑ ዘይንጡፍ ዋላ'ውን ቁሩብ ዘሰልችው ከምዝዀነ ብዙሓት ሰባት ኣይፈልጡን" ይብል ሰኣሊኣ ጄሰን ሙር። "እንተዀነ ግን እዚ ካንጋሩ ኣብ ኣየር ጊታር ክጻወት ምስ ረኣኹዎ፡ ብኡንብኡ ፍሽኽ ኢለ፤ ብሓቂ ፍሉይ ነገር ከም ዝሰኣልኩ ድማ ፈሊጠ።"

ድርብ ዓወት

ካልእ ድርብ ዓወት ዝረኸበ መንእሰይ ሰኣላይ ጃሴክ ስታንኪች እዩ፤ ንሱ ኣብ ምድብ መንእሰያትን ኣብ መረፃ ህዝብ ክልተ ሽልማት ረኺቡ ኣሎ።

"ኣብ ጫካ ቢያሎቪየዛ ኣዕዋፍ እናረኣኹ እየ ስኢለያ። ሓንቲ ዑፍ ወለዳ ይምግብዋ ነይሮም፡ ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን እተን ኣዕዋፍ ዝካታዓ እየን ዝመስላ ነይረን" ይብል።

“መሓዙተይ ብኽልተ መንገዲ ተርጒሞሞ። 1 - ሓንቲ መትከኽ ዑፍ ምስ ወለዳ ትጨቛጮቕ፤ 2 - ሓንቲ ዑፍ ሓዋ ከምዝበደላ ንወለዳ ተቃጥር።”

ምድብ ፍጥረታት ማይ

እዛ ትስዕስዕ ዘላ ትመስል ኦተር ኣብ ምድብ ፍጥረታት ማይ ተዓዊታ።

“እታ ኦተር እናዘለለት ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተንጠልጠለ ቆጽሊ ክትሕዝ ትፍትን ነይራ፤ ኣብ ዘይተለምደ ምዕላብ ድማ በዚ ሳዕስዒት ዝመስል ኣቃውማ ተዛዚሙ” ይብል ሰኣሊኣ ኦተር ኬውክ።

ምድብ ፍጥረታት ኣየር

እዛ ኣብ ዘይዕውት ኣለሻ ዓሳ ዝተሰኣለት ዑፍ ኣብ ምድብ ፍጥረታት ኣየር ዝተዓወተት እያ።

ሰኣሊኣ ቪቶርዮ ሪቺ፡ እቲ ጻዕራ “ዘይተለምደን ዳርጋ ዘሕፍርን ናይ መወዳእታ ህሞት” ከምዝነበረ ይዛረብ።

ካልኦት ሕሩያት ኣሳእል

* ኵሎም ኣሳእል ካብ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2023 ዝተረኸቡ እዮም።