እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ምበላዕኽሞምዶ’ - ኣዛነይቲ ምስልታት ህይወት ዘገዳም
ኣብዚ ሰሙን ክልተ በዓላት ብድምቀት ተኸቢሮም ኣለዉ።
በዓል ክበሃል ከሎ ካብ ዝለዓሉ መግብታት ሓደ ድማ ኬክ’ዩ። ከም ኬክ ዝኣመሰሉ ምቁራት መግብታት ዘይበልዑ እምበር ዘይፈትዉ ሰባት ሒደት’ዮም።
ንሎሚ ብኣምሳል እንስሳታትን ህይወትን ዘገዳም ዝተሰርሑ ምስልታት ንዕድመኩም።
ቢቢሲ ህይወት ዘገዳም፡ ተኸታተልቱ ህይወት ዘገዳም ዘርእዩ ኬካት ከካፍሉ ድሕሪ ምሕታቱ ካብ ኣንበብቲ ዝቐረቡ ኣሳእል ኬካት እዮም።
በሉ፡ በዞም መሰጥቲን ብዛዕባ ተፈጥሮ ንክንሓስብ ዝድርኹን ኣሳእል ተዛነዩ።