ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ መሪሕነት ቀልውላው ዘጋጠሞ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 30 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎም እምነት ከምዝጎደለ ብምግላጽ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ካብ መዝነቶም ድሕሩ ምውራዶም'ዩ ስልጣኑ ከረክብ ተሰማሚዑ ዘሎ።

ሎሚ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈቱ (10 ዳውኒን ስትሪት) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስልጣኑ ኣብ ሓጺር እዋን ምቑጻዩ "ዘጉሂ" ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ክሳብ ሓድሽ መራሒ ገዛኢ ዓቃባዊ ሰልፊን ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝምረጽ ክጽበ ምዃኑ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን፡ ብዙሓት ኣባላት እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ይኹን፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ብህጹጽ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጽውዑ ኣለዉ።

"ነቲ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ስራሕ ክገድፎ ዝስመዓኒ ጓሂ ክገልጸልኩም እፈቱ፡ ግና ሂወት ከምኡ'ዩ" ክብል ንህዝቢ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ መልእኽቲ ተዛሪቡ።

ፈለማ ክወርድ ንዝቐረበሉ ጠለብን ምኽርን ብምንጻግ፡ ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ምዃኑ'ኳ ሓሪኑ እንተነበረ፡ ዋሕዚ መዝነቶም ዘረከቡ ሚኒስተራት እናወሰኸ ምስከደ ቃሉ ክዓጽፍ ተገዲዱ'ሎ።

"ድሌት ዓቃባውያን ኣባላት ፓርላማ ሓድሽ መራሒ ሰልፊን ቀዳማይ ሚኒስተር ክህሉ ምዃኑ ንጹር ኮይኑ'ሎ" ዝበለ ጆንሰን፡ ኣብ ዘመነ-ስልጣኑ ንዝተጓናጸፎም ዓወታት ጸብጺቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቦሪስ ጆንሰን ካብ ሓላፍነት ሰልፉ ምውራዱ ንሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መገዲ ዝጸርግ እዩ

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ መራሒ እቲ ሰልፊ ንምምራጽ ውድድር ዝካየድ ኮይኑ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ጉባኤ'ቲ ሰልፊ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ክርከብ ትጽቢት ይግበር።

ንጥፈታት መንግስቲ ምእንቲ ክቕጽል፡ መተካእታ ናይቶም ዝወረዱ ሚኒስተር ፋይናንስ ቻንስለር ሪሺ ሱናክ ዝርከቦም ኣባላት ካቢነን ሚኒስተራትን ተመዚዞም ኣለዉ።

ሓድሽ ቻንስለር ናዲም ዛሃዊ ዝርከቦም ላዕለዎት ኣባላት ካቢነኡ ካብ ስልጣኑ ክወርድን “ምስ ክብሩ ክነብርን” መኺሮምዎ ምንባሮም ይግለጽ።

ቦሪስ ጆንሰን መራሒ ሰልፊ ዓቃባውያን ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ኣብ ሓምለ 2019 እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ። ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ'ውን ዓብላሊ ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ።

ንመግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ንምስማዕ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈቱ (10 ዳውኒን ስትሪት) ዝተ ኣከቡ ሰባት
መግለጺ ስእሊ, ንመግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ንምስማዕ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈቱ (10 ዳውኒን ስትሪት) ዝተ ኣከቡ ሰባት

ጆንሰን፡ ነቲ ንብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምውጻእ ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት ‘ብረክዚት’ ከተግብሮ ምዃኑ ቃል ብምእታው እዩ ኣብቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ክዕወት ክኢሉ። ድሌቱ ሰሚሩ፡ ብሪጣንያ ካብቲ ሕብረት ምውጽኣ ይዝከርእ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስእቲ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምግታእ ይኹን ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኣብ ምቅዋም ንዝተኸተሎም ፖሊሲታት'ውን ንኢዱ።

እንተኾነ ግን፡ ባዕሉን ኣባላት ቤት ጽሕፈቱን ነቶም ባዕሉ ዝኣወጆምእ ተረርቲ መምርሒታት ብጥሓሶም ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ተቐቢሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓያል ፖለቲካዊ ነቐፌታን ተቓውሞን ኣስዒብሉ'ዩ።

ሓደ ካብቶም ዝንቀፈሎም ጉዳያት ኣብ እዋን ዕጽዋ ለበዳ ኮሮና ኣብ ቤተመንግስቲ እታ ሃገር ጽንብላት ብምእንጋዱ'ዩ።

ኣብዚ ሰሙን ዝተራእየ ተቓውሞታት ግን በቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ምኽትል ሓላፊ ‘ዊፕ’ ዝነበረ ክሪስ ፒንቸር ንዝቐረበሉ ክስታት ጾታዊ ብዕልግና ዝሓዘሉ ኣገባብ ድሕሪ ምቅልዑ ዝተለዓዓለ እዩ።