እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘለንስኪ ንምቕታል ውዲት ኣሊማ ዝተበሃለት ሰበይቲ ተታሒዛ
ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን ንፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንምቕታል ሩስያ ኣብ ዝፈሓሰቶ ውዲት ተሳትፎ ዝነበራ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት ሓቢሩ።
ዘለንስኪ ኣብ ሰነ ናብታ ብውሕጅ ዝተሃስየት ከተማ ማይኮላይቭ ብዛዕባ ዝገበሮ ምብጻሕ ንዝተትሓዘ መደብ መገሻ ኣቐዲማ ክትፈልጥ ከምዝፈተነት እቲ ኣገልግሎት ገሊጹ።
ዩክረይን ንሩስያ ዝድግፉ ነበርቲ ንሰራዊት ሞስኮ ዝሕግዝ ሓበሬታ ከምዘመሓላልፉ ብምግላጽ ብቐጻሊ ትኸስስ።
ዘለንስኪ ብዛዕባ ማእሰርቲ እታ ሰበይቲ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ብምርግጋጽ፡ ሓላፊ ‘ኤስቢዩ’ [ትካል ድሕነት ዩክረይን] ብዛዕባ "መኸተ ኣንጻር ከዳዓት" እዋናዊ ምዕባለታት ዝሕብር ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ከምዝነገሮ ኣመልኪቱ።
ሩስያ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ዝዀነ ይዅን ርእይቶ ኣይሃበትን።
ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን - ኤስቢዩ - ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ሰበይቲ ስለያዊ ሓበሬታ ናብ ሩስያውያን ከተመሓላልፍ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን "ኢድ ብኢድ" ከምዝተታሕዘት ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ማይኮላይቭ ዑደት ቅድሚ ምግባሩ ብዛዕባ ዝሓዞም መደባት ንምፍላጥ ስለያዊ ሓበሬታ ክትእክብ ከምዝፈተነት ድማ ይኸስዋ።
ምስሊ ናይታ ተጠርጣሪት ምስ ክልተ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ኣባላት ኤስቢዩ ዝዘርግሑ ኮይኖም፡ ገጽ ናይታ ሰበይትን እቶም መኮንናትን ግን ክድብዝዝ ተገይሩ’ሎ።
ዘለንስኪ ኣብ ሰነ ብሰንኪ ምፍራስ ግድብ ካኮቭካ ዝሰዓበ ጉድኣት ንምርኣይ ናብ ከተማ ማይኮላይቭ ከምዝኸደ ዝዝከር ኰይኑ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ሓምለ ብሩስያ ድሕሪ ዝተፈጸመ ከቢድ ደብዳብ ናብቲ ከባቢ ዳግማይ ምብጻሕ ኣካይዱ።
ቅድሚ እቲ ዑደት ብዛዕባ እቲ ውዲት ኣፍልጦ ከምዝነበሮ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን ሽዑ ተወሳኺ ናይ ጸጥታ ስጕምትታት ከምዝወሰደ ይሕብር።
ሩስያ "ኣብ ዞባ ማይኮላይቭ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየር" ክትፍጽም መደብ ከምዝነበራ ብምሕባር እታ ተጠርጣሪት ድማ ብዛዕባ ኣቀማምጣ ኤሌክትሮኒካዊ ስርዓታት ውግእን መኽዘናት ተተኮስትን ብሰራዊት ሩስያ ዒላማ ክኸውን ዘኽእል ሓበሬታ ክትህቦም ትፍትን ነይራ ክብል ከሲሱ።
ኤስቢዩ ከምዝሓበሮ እታ ሰበይቲ ኣብታ ዘለንስኪ ኣብ ሓምለ ዝበጽሓ ኦቻኪቭ እትበሃል ንእሸተይ ከተማ ትነብር ኰይና ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝርከብ ድኳን ትሰርሕ ነይራ።
እቲ ኣገልግሎት ድሕነት ነታ ተጠርጣሪት ኣብቲ ዑደት ዝተኻየደሉ እዋን ክሕዛ'ኳ እንተዘይመረጸ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዩክረይን መጥቃዕቲ ከይፍጸም ግን ጥቡቕ ስጕምትታት ጸጥታ ከምዝወሰደ ይእመን።
ድሕሪ እቲ ዑደት ድማ ኣባላት ድሕነት ብዛዕባ ተግባራታን "ብሩስያውያን ዝተወሃባ ዕዮን" እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ከምዝተኸታተሉዋ ኤስቢዩ ወሲኹ ሓቢሩ።
ናብቲ ከባቢ ብመኪና ብምምጻእ ድማ ናይ ዩክረይን ወተሃደራዊ ትካላት ስእልን ቪድዮን ከምዝወሰደት ይገልጽ።
ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምውዓላ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝምልከት ሓበሬታ ብዘይፍቓድ ብምዝርጋሕ ክትክሰስ ትጽቢት ይግበር።
ገበነኛ ኰይና እንተተረኺባ ከኣ ክሳብ 12 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ይጽበያ።