እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሮን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ድልድል ክሪሚያ ዳግማይ ተዓጽዩ
ኣብ ክሪሚያ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ተተኮስቲ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሲቪል ነበርቲ ካብቲ ቦታ ክወጹ ከም ዝተገደዱን መጓዓዝያ እውን ከም ዝተዓናቐፈን ሰብመዚ ሩስያ ገሊጾም።
ብሩስያ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ ናይታ ኣብ 2014 ዝተጎበጠት ክሪሚያ ሰርጌይ ኣክስዮኖቭ፡ ዩክረይን ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘለዋ ገሊጹ።
ንሱ፡ ካብቲ ፍንጀራ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ዝርከቡ ነበርቲ፡ ካብቲ ከባቢ ክወጹ ከም ዝተገብሩ ሓቢሩ።
ኣብ ስግር ድልድል ከርች ዝርከብ ኣገልግሎት ባቡር እውን ኣገልግሎት ከም ዘቋረጸ ይንገር።
ኣቐዲሞም ብቐዳም፡ ሰበስልጣን ሩስያ ኣብቲ ድልድል ዝነበረ ትራፊክ ደው ክብል ገይሮም እኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪኡ ግን ብቕልጡፍ ንመካይን ከም ዝኸፈትዎ ይፍለጥ።
ድሒሩ ካብ መንግስቲ ክሪምያ ዝወጸ ሓድሽ ሓበሬታ ድማ፡ ክሳዕ ተወሳኺ ምልክታ ዝወሃብ ትራፊክ ጽርግያታት መሊሱ ደው ከም ዝበለ የመልክት።
ኣመሓዳሪ ኣክስዮኖቭ፡ ኣብ ክሪሚያ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ክራስኖግቫርደይስኪ ዝርከቡ ትካላት መሰረተ ልምዓት ዒላማ ከም ዝዀኑ እዩ ዝገልጽ።
ንሱ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ብመሰረት ዘለና መረዳእታ፡ ዝዀነ ዝበጽሐ ዕንወት ወይ ጉድኣት የለን" ኢሉ።
ቢቢሲ ነቲ መጥቃዕቲ ብናጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዝተገልጸሉ ዞባ ካብ ድልድል ከርች ልዕሊ 160 ኪሎሜተር ርሒቑ ይርከብ።
እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ድልድል ክሪሚያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድልድል፡ ኣብ 2018 ዝተኸፍተ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ክሪሚያን መንገዲ መካይንን ባቡርን ክህሉ ዘኽእል እዩ።
ከም ምልክት መግዛእቲ ሩስያ ዝውሰድ እዚ ድልድል፡ ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ንዝርከቡ ሓይልታት ሩስያ እውን ኣገዳሲ ናይ ዳግመ-ቀረብ መስመር ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብቲ ድልድል ብዘጋጠመ ፍንጀራ ክልተ ሰባት ሞይቶም እዮም፡ እቲ ጽርግያ እውን ዝተሃሰየ ክኽውን ከሎ እቲ ጎደእኒ ጎድኑ ዝኸይድ መስመር ባቡር ግን ኣይተጎድአን።
ሩስያ ነቲ ብሰኑይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዩክረይን ብምውቃስ፡ "ሽበራዊ" ተግባር ከም ዝፈጸመት ከሲሱ።
ዩክረይን "ስርዓት ኣልቦ"ን "ጨካንን" መጥቃዕቲ ፈጺማ ዝበለ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሕነ ክፈዲ ተሓንዩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ድልድል ክሪሚያ ሕጋዊ ዒላማ ምዃኑ ይገልጽ።
"ነቲ ኲናት ዝኸውን ተተኮስቲ ንምቕራብ ዝጥቀሙሉ መስመር” ብምዃኑን እዚ ድማ መዓልታዊ ከም ዝፍጸም ብምግላጽ እቲ ድልድል ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምግባር ከምዘድሊ ይሕብር።
ብሰንኪ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ዘጋጠመ ከቢድ ፍንጀራ ብኸፊል ዝተዓጸወ እቲ ድልድል፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት እዚ ዓመት ምሉእ ብምሉእ ተኸፊቱ ነይሩ።