ኣብ ቀራና መንገዲ ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ

ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለዉዋን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳያት እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ እተሐድርን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ሓሊፋ እያ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ዝነበራ እታ ቤተ ክርስቲያን፡ ምስ ዝነበራ ተራ እናሃሰሰ ክመጽእ ተራእዩ እዩ። ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ድማ ግደ እታ ቤተ ክርስቲያን ክቀያየር ይገብሮ ምህላዉ ይእመን።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ክልተ ኣንፈታት ብዝተላዕሉ ሕቶታት ተወጢራ ነይራ። እቲ ሓደ ሕቶ መዕለቢ ክረክብ እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ሓደጋ ምብትታን ኣስዒቡ’ሎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ ክፍሊ መጽናዕቲ ኣፍሪቃን ሃይማኖትን ኣባል ንዝዀነ ፕሮፌሰር ቴሪ እዚ ሕጂ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝርአ ዘሎ ምፍልላይ ቅድሚ ነዊሕ እዋናት ከይተፈጠረ ክሳብ ሎሚ ምጽንሑ "ዘገርም" እዩ።

ነዚ ክብል ዝኸኣለሉ ምኽንያት ከነጽር እንከሎ ድማ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብናይ ብሄር ፖለቲካ ክናወጽ ምጽንሑ ከምዝዀነ ይጠቅስ።

እዚ ከኣ ኣብተን ዓበይቲ ዝበሃላ ማለት ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውወን ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ጽልዋ ከምዘሕደረ ይኣምን።

ሳልሳይ ዲግሪ 'ስነሃይማኖት' ንዘጽንዐ ተካልኝ ነጋ (ዶ/ር) እውን ካብታ ቤተ ክርስቲያን ምንጻል ዝብል ጉዳይ ሓድሽ ኣይኰነን።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ኢትዮጵያን መምህር ዝኾነ ዶክተር ተካልኝ ኣብ እዋን ወራር ኢጣልያ ካብ ግብጺ ዝተሸሙ ፓትርያርክ ተኣልዮም ኣብ ክንድኦም ካብ ኢትዮጵያ ክትክኡ ከምዝተገበረ ይዝክር።

እዚ ድማ ብዘይ ኣፍልጦ ኮፕቲክ ግብጺ እዩ ተፈጺሙ።

ኤርትራ ናጻ ሃገር ኰይና ሓድሽ ሲኖዶስ ምስ መስረተት እውን ካብቲ ዝነበረቶ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትረክብ ዘይምኽኣላ "ዓቢይ ጸገም ፈጢሩ" ይብል።

ብዘበን ሃይለስላሴ ይዅን ደርግን ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምስ መጽአን እውን፡ ኣፍልጦ ዘይተዋህቦም ምሃብ ሽመት ከምዝተፈፀሙ ይዝክር።

ኦሮሚያን ትግራይን

ብ14 ጥሪ 2015 [ኣግ] ሲኖዶስ ብሄር ብሄረሰባት ኦሮሚያ ንምቛም ፈተነ ተኻይዱ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንዅሉ ዝሓቁፍን ንብዙሕነት ዘተኣናግድን ኣይኮነን ዝበሉ ሰለስተ ጳጳሳት ኦሮሚያ ሓደሽቲ ጳጳሳት ሸይሞም።

እቲ ፀገም ብሽምግልና ተፈቲሑ እቶም ዝተወገዙ ኣቦታት’ውን ብይቕረታ ተመሊሶም። ዝቐረቡ ሕቶታት ድማ ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስቲያን ክምለሱ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ኣቦታት ትግራይ፡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ንመንግስቲ ፈደራል ብምድጋፍ ኣብቲ ኲናት ተሳቲፉ ክብሉ እዮም ዝነቕፉ።

ኣብ ትግራይ ኣብያተ ክርስቲያን ክዓንዋን ምእመናን ክቕተሉን አውን ስቕ ክብል መሪጹ ክብሉ ይኸሱ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ ንቤተክህነት መንበረ ሰላማ ካብ ዝተመረጹ 10 ኤጲስቆጶሳት፡ ናይቶም ሽድሽተ ሽመት ብዕለት 16 ሓምለ 2015 [ኣግ] ኣብ ኣኽሱም ከምዘካየደት ይዝከር።

ሕቶ ክልቲኦም ወገናት [ትግራይን ኦሮሚያን] ‘ካብ መሰረታዊ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን ዝብገስ’ ከም ዘይኮነ ዝገልጽ ዶክተር ተካልኝ ‘ምስ ምምሕዳር ዝተኣሳሰር’ ምዃኑ ይሕብር።

ነቲ ጉዳይ ይከታተልዎ ከምዘለዉ ዝገልጹ ኣብ ሽወደን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ደብረ እየሱስ መድሃኔኣለም ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ‘ሱር ዝሰደዱ’ ክብሉ ንመበቆል እቶም ፍልልያት ይገልጹ።

ንሶም ከምዝብልዎ እታ ቤተክርስትያን ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆ ክቀጻጸል ዝጸንሐን፡ ድምር ውጽኢት ታሪኻዊ ተረኻትን እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸአ እቶም ኣብ ወጻኢ ንዝነበረ ሲኖዶስ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣቦታት ናብ ዓዲ ምምላሶም ይፍለጥ።

ምስ ምምላስ እቶም ኣቦታት እቲ ናይ ወጻኢ ሲኖዶስ ተዛሚዱ ዝለዓሉ ተቓውሞታት ከኣ ምስቶም ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጠሩ ጉዳያት ተደሚሮም እቲ ቅርሕንቲ ብዝያዳ ጐሊሑ ንኽወጽእ ከምዝገበርዎ’ውን ቀሺ ዮናስ የረድኡ።

ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከምዘሎ ብምግላጽ ድማ "ብርግጽ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ" ኢሎም።

ብግዕዝ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ናብ ኣምሓርኛ፡ ኦሮሚኛን ትግርኛን ከምዝተተርጎሙ ብምጥቃስ፡ "ግን ድማ ብሰንኪ ቋንቋታት እትመቓቐል ቤተክርስትያን ኣይኰነትን፤ ቋንቋ ቀንዲ ምንጪ ፍልልይ ኮይኑ ኣይስምዓንን” ክብሉ ሓሳቦም ገሊጾም።

ዶክተር ተካልኝ ብወገኑ ብዙሓት ወገናት በቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጸገም “ክልተ ምኽንያታት ኣለውዎ” ኢሎም ከምዝኣምኑ ይዛረብ።

ገሊኦም፡ "ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ፖለቲካዊ ጸቕጢ እዩ ይብሉ። ካልኦት ድማ [ቤተክርስትያን ትግራይ] ብኣስተምህሮታት ፕሮቴስታንት ተሓዲሳ ክርእዩ ናይ ዝደልዩ ኣሰጎምቲ ተሃድሶ ምስጢራዊ ውዲት እዩ ክብሉ ይዛረቡ” ብምባል የቐምጥ።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ወገን መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ዝተሰምዐ ተቓውሞ ዘይምህላዉ ብምጥቃስ፡ እቶም ኣቦታት "ተሓተትቲ እዮም" ካብ ዝብሉ ጀሚሩ “ተሓተትቲ ዘይኮኑስ ተሓባበርቲ ወይ ተሳተፍቲ እዮም” ኢሎም ዝኣምኑ ከምዘለዉ የመልክት።

እቶም ዝድግፉ ድማ ብታሪኽ፡ ባህልን ቋንቋን ምትእስሳር ብዘይብሉን "ካብ ካልእ ቦታ ብዝመጸ ሲኖዶስ ክትምራሕን ክትመሓደርን ልክዕ ኣይኰነን" ብምባል ኣብ ጐድኒ ውሳነ ቤተክርስትያን ትግራይ ደው ከምዝብሉ ይኣምን።

ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ "ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ትጽቢት ብዘይግበር መንገዲ ክሳብ ‘ጀኖሳይዳዊ ቅትለት ምልዕዓል ተኻይዱ እዩ’ ዝብል ቅሬታ እውን ኣሎ። እዚ ድማ ዕምቆት ናይቲ ምቕያም ዘርኢ'ዩ" ክብል ይገልጽ።

ዶክተር ተካልኝ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት ምስቲ ኣብ ኦሮሚያ ተፈጢሩ ዝነበረ ዝፈልዮ ነገር ከረድእ እንከሎ፡ ንባዕሎም ኣካል ህዝቢ ትግራይ ገይሮም ዝቘጽሩ ሰባት ነቲ ኣብ ቤተክርስትያን እቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ዘይምኹናኖም ምዃኑ ይጠቅስ።

"ኣብ ኦሮሚያ ግን ኣብ ክልቲኡ ወገን መርገጺ ዝሓዙ ሰባት ነይሮም እዮም" ኢሉ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ክኣቱ ኣይክእልን ዝብል መግለጺ ምሓዙ ድማ "ብዲፕሎማስያዊ ቋንቋ ክርአ እንከሎ ‘እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ንኸይትግብርዎ ኣይንኽልክሎምን ኢና’ ከም ማለት'ዩ” ይብል ዶክተር ተካልኝ።

መንግስቲ ፈደራል እውን ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ክኣቱ ብሲኖዶስ ተሓቲቱ እኳ እንተነበረ፡ ስቕታ ምምራጹ ግን ገለ ሰባት 'መንግስቲ ነቲ ኵነታት ይደልዮ እዩ' ኢሎም ንኽሓስቡ ከምዝገበሮም የረድእ።

እንተዀነ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣመሓዳሪ ቤተክርስትያን ደብረጽዮን ቅድስቲ ማርያም ዝዀኑ ኣባ ሰርፀብርሃን ወልደሳሙኤል ናብ መቐለ ንኸይጓዓዙ ምእጋዶም፡ “ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምንጻል ይድግፍ እዩ ንምባል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ" ክብል የረድእ።

ሃይማኖትን ፖለቲካን

ቀሺ ዮናስ ከምዝብልዎ፡ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ቅልውላው ኣብ መንጎ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዘሎ ዶባት ዘይምሕላው እዩ።

"እዚ እዩ ነታ ቤተ ክርስቲያን ዝህውኻን ዘናግዓን ዘሎ" ክብሉ ይገልጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ ኣባል ክፍሊ መጽናዕቲ ኣፍሪቃን ሃይማኖትን ዝኾነ ፕሮፌሰር ቴሪ እውን በዚ ይሰማማዕ።

ቀሺ ዮናስ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋን ኲናት ዝወሰደቶ መርገጺ ፖለቲካዊነቱ ከምዘመዝን ብምሕባር መንግስቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብታ ቤተክርስትያን ምትእትታው ምግባሩ ጠንቂ ናይቲ ቅልውላው ምዃኑ የቐምጡ።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ መንግስታትን ቤተክርስትያንን ዝራኸቡሎም ኩነታት ይረኣዩ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ድማ፡ "ብልጽግና ምስ መጸ ከኣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ጸገም ኰይኑ ተራእዩ" ኢሎም።

ፕሮፌሰር ቴሪ ኦስቴቦ ብወገኑ፡ ዶክተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ጉዳይ ሃይማኖት ዛዕባ ካብ ምዃን ብዝሰገረ ንገለ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕልፎም መልእኽትን መደረታትን 'ፈጣሪ ንኢትዮጵያ ይባርኽ!' ምባሉ “ካብቲ ምስ ሃይማኖት ዝተረሓሓቐ ዝመስል ኢህወደግ ዝተፈለየ እዩ" ክብል ኣነጻጺሩ የረድእ።

እዚ ኣካይዳ ድማ ንሃይማኖታዊ ትካላት ርእሰ ምትእምማን ዝሃበ ጥራይ ዘይኮነስ "ገለ ሃይማኖታዊ ኣካላት ብዛዕባ ፖለቲካ ክዛረቡ ዝገበረ ይመስለኒ" ይብል።

ሲኖዶስ ኦሮምያ ንምምስራት ምንቅስቓስ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን፡ ብቕሉዕ'ኳ እንተዘይኰነ ግን ድማ መንግስቲ ነቶም ዝተነጸሉ ጳጳሳት ሓለዋ ምሃቡ፡ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ደገፍ ከምዝገበረ ዘመልክት ምዃኑ እቲ ፕሮፌሰር ይዛረብ።

ተስፋን ስግኣትን

መምህር ስነ-መለኮት ዝኾነ ዶክተር ተካልኝ፡ እቲ ጉዳይ ናበይ ከምርሕ ይኸውን ኣብ ዝብል ክሕሰበሎም ዝግብኡ ጉዳያት ከምዘለዉ ይኣምን።

እቲ ቀዳማይ ጉዳይ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ካብ ፓትርያርክ ኣፍልጦ ምርካብን ቤተክርስትያን ነቲ ሓድሽ ለውጢ ብኸመይ ምላሽ ትህብ ትኸውን? ዝብልን ከምዝዀነ ይጠቅስ።

ኣብቲ ክልል ዘሎ ደገፍን ድልየትን እውን፡ እቲ ካልእ ክርአ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ የመልክቱ።

"ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ከይቅጽል ወይ ደው ክብል ኣብ ዝነበረ መስርሕ ዓብይ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ስለዚ ማእከላይ መንግስቲ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረኸ ብኸመይ ክሕዞ ይኸውን ዝብል ዓቢ ጉዳይ እዩ" ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ግብጺ፡ ሩስያን ሶርያን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝገብርኦ ደገፍ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ “ኣጥፊአ ኣለኹ” ክብል ይቕሬታ ዝሓተተሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ገለ ሰባት “መን ዘየጥፍአ ኣሎ?” ይብሉ ብምህላዎም ግን ነቲ ኵነታት ከካርሮ ምዝኽእል ዶክተር ተካልኝ ስክፍታ ኣለዎ።

ብደረጃ ውልቀሰባት ዘጥፍኡ ይቕሬታ ዝሓቱሉ ኩነታት እንተዝፍጠር ምናልባት ነቲ ጸገም ኣብ ምቅላል ዓቢ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል ይኣምን።

መንግስታት ፈደራልን ክልልን ነቲ ዝጓሃሃር ዘሎ ኵነታት ኣብ ምህዳእ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ "እዚ ቅርሕንቲ ምስ ግዜ ዘይፍታሕን እናሰፍሐ ዝኸይድን እንተዀይኑ እቲ ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ ኣካይዳ ብዘለዎ ኵነታት ናይ ምቕጻል ተኽእሎኡ ዝለዓለ ክኸውን'ዩ" ዝብል ስክፍታ'ውን ኣለዎ።

ይዅን እምበር፡ "ሕጂ ብዘሎ ኵነታት እቲ ጉዳይ ናበይ ከም ዝወስድ ምግማት ኣይከኣልን" ይብል።

ቀሺ ዮናስ እውን እቲ ዝተፈጥረ ወጥሪ ኣዝዩ ከቢድን ሓደገኛን ምዃኑ ይሰማምዑ።

“እታ ቤተ ክርስቲያን ናብ ምብትታን ገጻ ትኸይድ ከምዘላ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ቅድመኣ ሓደጋ ምብትታን ከምዘሎ ዘርኢ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ” ብምባል እዚ ግን ፈጺሙ ክኸውን ከምዘይነበሮ ይዛረቡ።

እቶም ነቲ ኲናት ዝመርሑ ፖለቲከኛታት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ይዘራረቡ ምህላዎም ብምጥቃስ ድማ፡ "እታ መራሒትን ኣብነትን ዕርቂ ክትከውን ዝነበራ ቤተ ክርስቲያን ግን ብኸምዚ ዝበለ መሪር ኵነታት ክትፈላለ ግቡእ ኰይኑ ኣይስምዓንን" ኢሎም።

ዶክተር ተካልኝ ብወገኑ ብሄር ብሄረሰባት ዝርከቡለን ሃገራት ብባህሊ፡ ቋንቋን ሃይማኖትን ከምዝተኣሳሰሩ ብምግላጽ፡ “እቲ ሎሚ ዘሎ ኵነታት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጸንሐ ማሕበራዊ ምትእስሳራት ምስ ግዜ ይበታትኾ ከምዘሎ ዘመልክት'ዩ" ይብል።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ናብ ትግራይ ንዝኸዱ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ ተቐቢሉ ዘዘራረበ ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ‘ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢድና ኣይነእቱን። እዚ ማለት ግን ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ኣይንግደስን ማለት ኣይኮነን’ ምባሉ ዘዘኻኽሩ ቀሺ ዮናስ፡ ጽልዋ ናይቲ ኣብዚ እዋን ዝቕጽል ዘሎ ኵነታት ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ እውን ቀሊል ከምዘይከውን የረድኡ።

ፕሮፌሰር ቴሪ ብወገኑ ኣብ ሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ፖለቲካ እውን ኵሎም ወገናት ናብ ማእከል ዝመጽኡሉ ኵነታት ከመቻቻእ ከምዝግባእ ይምዕድ።

"ሃይማኖትን ብሄርን ኣብ ኢትዮጵያ ከም መግለጺ መንነትን መስመራት ርክብን ኰይኖም ጸኒሖም እዮም። ስለዚ ኣብ ክልቲኦም ከነተኩር ዝግባእ ይመስለኒ" ይብል።

ንሓድሕድካ ምጥቑቛም ግን ንነገራት ከጋድድ ስለዝኽእል ካብዚ ምዕቃብ ከምዘድሊ ዶክተር ተካልኝ ይሕብር።

"እቲ ሲኖዶስ ዝሕዞ መርገጺን ዝህልዎ ትዕግስትን ዓቢ ተራ ክጻወት እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ብምባል ዘተ ምክያድ ኣገዳሲ ከምዝኾነ’ውን ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዱ ኣይኣቱን እዩ እንተተባህለ'ኳ ምስ ሃይማኖት ዝተተሓሓዘ ሳዕቤን ግን ዓብይ ስለዝኸውን ዘይሻራውነቱ ዓቂቡ ንኽልተ ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ናይ ምምጻእ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

"ቤተክርስትያን ኣብነት ፍቕርን ሰላምን ክትከውን ስለ ዝግበኣ ብፍላይ ሲኖዶስ ኣብ እዋን ኲናት ብዝወሰዶ መርገጺ ብምሉእ ልቢ ብምንሳሕ ደጋጊሙ ይቕረታ ክሓትት ይግባእ። እታ ቤተክርስትያን እውን ግቡእ ካሕሳ ክትከፍል ኣለዋ። ኣብ እዋን ኲናት ካብ ኣንደበቶም ክወጽእ ዘይነበሮ ነገራት ብምዝራብ ጽልእን ኲናትን ብምጕህሃር ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ኣቦታት ድማ ግቡእ መቕጻዕቲ ክወሃቦም ይግባእ" ይብሉ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል።

ኣስዒቦም፡ "ኣቦታት ሃይማኖት ትግራይ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቦምን ቤተ ክርስቲያኖምን ዝወረደ በደል ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተዀነ፡ ከምቲ ክርስቶስ ብደሙ ይቕረ ዝበለልና ይቕረ ክብሉን፡ ናብ ዕርቀ-ሰላም ክመጹን ኣለዎም" ኢሎም።