እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን’ እንታይ እዩ?
ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር፡ ቅድሚ ዓመት፡ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ርክባ ዝበተኸት ኦርዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ‘መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን’ ዝብል ሓድሽ መንበር ኣቚማ ኣላ።
ኣብዚ ቀረባ ድማ፡ ካብቶም ብላዕለዋይ ቤተ ክህነት እታ ቤተ ክርስትያን ንጵጵስና ዝተሓረዩ ዓሰርተ ሊቃውንቲ፡ ነቶም ሽድሽተ ኣብ ቅድስተ ማርያም ጽዮን ኣክሱም ቀቢኣ ሸይማ እያ።
ነቲ ከይዲ ዝተቓወመት፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብወገና፡ ነቲ ሹመት ‘ዘይሕጋው’ን ‘መሪሕነት እታ ቤተ ክርስትያን ንሓደጋ ዘሳጥሕ’ን ክትብል ኮኒና።
ኣቦታት ሊቃውንቲ ትግራይ ሓሲቦምን ኣስተንቲኖምን ስም መንበሮም ናብ ጥንቲ ከምዝመለሱ እዮም ዝገልጹ።
ንምዃኑ፡ ‘መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን- እንታይ እዩ’? ‘ኣባ ከሳቴ ብርሃንከ መን እዮም’?
ካብ ሞት ዝደሓነ ህጻን ፍሬምናጦስ
ኣባ ከሳቴ ብርሃን ብህጻንነቶም ካብ ሶርያ መጺኦም ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣክሱም ከምዝዓበዩ ድርሳናት ይዝንትዉ። ይኹን እምበር፡ ገለ ሰነዳት ‘ግሪኻዊ’ እዮም ክብሉ እንከለው ገለኦም ድማ ‘ሶርያዊ’ ምዃኖም ይጠቕሱ።
እንተዀነ፡ ‘ገድለ ኣቡነ ሰላማ’ ዝብል መጽሓፍ፡ ካብ ሶርያዊ ስድራ ኣብ ግሪክ [ኣብቲ እዋን ጽርእ] ከምዝተወልዱ እዩ ዝሕብር።
ናይ መጀመርታ ስሞም ፍሬምናጦስ፡ ዝብል ኰይኑ ስም ኣቡኡ ‘ምናጦስ’ ስም ኣዲኡ ድማ ‘ማርያም ሰናይት’ ዝብል ከምዝዀነ ገድሎም የዘንቱ።
ፍሬምናጦስ፡ ብ26 ሕዳር 245 ዓ.ም ግእዝ እዩ ተወሊዱ።
ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ ከኣ ሜሮጵዮስ ምስ ዝተብሃለ ነጋዳይ ኣኩኡ፡ ብመርከብ ናብ ወደብ ኣዶሊስ መጽአ። እንተኾነ ኣብቲ ቦታ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ኣኩኡን ካልኦትን ክሞቱ እንከለው ንሱን ኣዶስዮስ ዝተብሃለ ካልእ ህጻን ግን ብህይወት ከምዝተረፉ ዛንተኦም የረድእ።
ኣካየዲ ስራሕ ሃገረስብከት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ሽረ እንዳስላሰን፡ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃንን፡ ንቡረ ኢድ ተስፋይ ተወልደ፡ “ብወደብ ኣዶሊስ ሒዝዎም ዝመጽአ ሰብ ምስ ሞተ: ናብ ኣክሱም ኣምጺኦምዎ፤ [ኣብኡ] ከኣ ግእዝ እናተምሃረ ዓብዩ” ይብሉ።
ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣክሱም ከምዝዓበየ ዝንገረሉ ፍሬሚናጦስ ስርዓተ ሃይማኖት ምስተማህረ ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ናብ ግብጺ ከይዱ፡ ካብ ኢድ ቅዱስ ኣትናቴዎስ፡ ‘ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን’ ጵጵስና ተቐቢሉ ድሕሪ ሓሙስተ ዓመት ናብ ኢትዯጵያ መጺኡ ናይ መጀመርታ ጳጳስ ከምዝዀነ ድርሳናት ይሕብሩ።
እቶም ክልተ- ኣሕዋት
ኣባ ሰላማ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰፊሕ ታሪኽን ሰዓብን ዘለዋ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ቅድሚ 1690 ዓመታት ብኽልተ እግራ ደው ክትብል ከምዝገበሩ ገድሎም የዘንቱ።
ንፍሬምናጦስ ስርዓተ ጵጵስና ንኸምጽእ ናብ ኣሌክሳንደርያ [ግብጺ] ዝለኣኽዎ ክልተ ኣሕዋት ነገስታት ኣክሱም፡ ኢዛናን ሳይዛናን እዮም። ካብቶም ቀዲሞም ብኣባ ሰላማ ዝተጠመቑ ምዃኖምን’ውን ዛንተኦም ይሕብር።
‘ኣብርሃ ወ ኣጽብሃ’ ተባሂሎም ዝተጠመቑ ክልተ ነገስታት፡ ጵጵስና ተቐቢሎም ምስ ተመልሱ ሰራዊቶም ኣዋፊሮም ከምዝተቐበልዎም ይዝረብ።
ኣብ ከባቢ ዱባሩባን ኣብ ጎቦታት ገርዓልታን፡ ጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብርሃ ወኣጽብሃ ከምዘህነጹ’ውን ገድሊ እቶም ጳጳስ የምልክት።
ኣብ ዘበነ ንግስና ክልቲኦም ኣሕዋት፡ ኣባ ሰላማ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ምድሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናዞሩ ከምዘጠመቑን ወንጌል ከምዝሰበኹን ይንገር።
“ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝበዝሕ ኣብያተ ክርስትያናት፤ ዝበዝሕ ክልቲኦም ኣሕዋት ዝሃነጹዎ እዩ” ዝብሉ መጋቤብርሃናት ቀሲስ ተስፋይ፡ ኣብ እዋን ነገስታት ኣብርሃ ወ-ኣጽብሃ እቲ ሃይማኖት ሃገራውን መንግስታውን ምንባሩ የዘኻኽሩ።
‘ደቂ ሰብን ፈጣርን ዘተዓረቐ’- ሰላማ
ንቡረ ኢድ ተስፋይ፡ ክርስትና ብ34 ዓ.ም ግእዝ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ እዮም ዝገልጹ። እንተዀነ፡ እቲ ሕዚ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን እትጠቀመሉ ዘላ ስርዓት ብቐንዱ ዘተኣታተዉ ግን ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን እዮም።
“ቅድሚኡ፡ ናይ ኦሪት ስርዓት እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም”።
ሰላማ ከሳቴ ብርሃን፡ ብ330 ዓ.ም ጳጳስ ኰይኖም ምስ ተቐብኡ፡ ን22 ዓመት ኣብ ኣክሱም ማእከል ዝገበረ ናይ መጀመርያ ሊቀ ጳጳስ ኰይኖም መሪሖም እዮም።
ናይ መጀመርታ ስሙ ፍሬምናጦስ እዩ ነይሩ፤ ኣብ መላእ ሃገር ወንጌል ስለዝሰበኸ ግን ‘ሰላማ’ ተባሂሉ ከኣ ይብሉ።
“ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ሃዋርያ እዩ፤ ስለዝኾነ ከኣ’ዩ ‘ሰላማ’ ዝብል ስም ተዋሂብዎ። ቅድሚኡ እቲ ህዝቢ [ብስርዓተ ኦሪት እዩ ዝነባበር] ነይሩ። [ዳሕራይ ግን] ኣባ ሰላማ ነቲ ሓዲስ ኪዳን ተረዲኡ ኣምሂሩ” ይብሉ።
“ካብ ኦሪት ምቕያር ከቢድ ፈተና እዩ ነይሩ፤ ስርዓት ኦሪት እዩ ነይሩ፤ መስዋእቲ ይኽፈል ነይሩ፤ እዚ ንምቕያር ሰፊሕ ኣስተምህሮ የድሊ ነይሩ” ኢሎም።
‘ሰላማ’ ማለት ‘ሰባትን ፈጣርን ዘተዓረቐ’ ማለት ከምዝዀነ ዝገልጹ ንቡረ ኢድ ተስፋይ፡ ብሓጺሩ ‘ኣቦ ሰላም’ ማለት ከምዝዀነ የረድኡ።
ስለዚ፡ መንበረ ኣባ ሰላማ፡ ኣብ ኢትዯጵያ መሰረተ ክርስትና ኰይኑ፡ ቀስ ብቐስ ስልጣነን ሓይልን ኣክሱም እናተዳኸመ ምስ መጽአ እዩ፤ ስምን ታሪኽን እቲ መንበር እናተቐየረ መጺኡ- ይብሉ።
ብስም ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝጽውዑ ብዙሓት ገዳማት እኳ እንተለው፡ እቲ ኣብ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ ዝርከብ ገዳም ኣቡነ ሰላማ ግን እቲ ዝዓበየን ዓጽመ-ስገኦም ዝዓረፈሉን ጥንታዊ ከምዝዀነ እዮም እቶም ሊቃውንቲ ዝዛረቡ።
ካልእ ካብ ዓዲግራት ናብ ዓድዋ ኣብ ዝወስድ ከባቢ ብዘት’ውን ተረኽ ኣብ ዝተብሃለ ቁሸት፡ ሓደ ጥንታዊ መሳቕልን መጻሕፍትን ኣባ ሰላማ ዝርከቦ ገዳም ከምዘሎ፤ ቅድም ክብል ቢቢሲ ዝሰርሖ ጸብጻብ የመልክት።
ስርዓታት፡ ኣበ-ልገን ኣበ-ነፍስን
ንቡር ኢድ ተስፋይ፤ ኣብቲ እዋን፡ ህዝቢ ‘ይጽሕፍን የንብብን’ ስለዘይነበረ፡ ኣባ ሰላማ ገዛ ገዛ እናዞረ ዘምህርን ዝመክርን ዓብዪ ኣቦ ከምዝመደቡሉ ይነግር።
ብመንፈሳዊ ኣጸዋዓ ድማ ‘ኣባት ነፍሲ’ ወይ ድማን ‘ንስሃ ኣባት’ እናተብሃለ እዩ ዝፍለጥ።
ከምኡ’ውን፡ ክሳብ ሕዚ ብኣመንቲ እታ ቤተ ክርስትያን ዝትግበር፡ ‘ኣበልገ’ [ኣልገ] ዝበሃል ስርዓት ከምዝተኣታተዉ ይዛረቡ።
እዚ ድማ፡ ሓደ ህጻን ወዲ እንተዀይኑ ኣብ 40 መዓልቱ፡ ጓል ኣንተዀይና ድማ ኣብ 80 መዓልታ፡ ኣብ እዋን ጥምቀት ‘ኣበልገ’ [መንፈሳዊ ኣቦ ወይ ኣደ] ከምእትሕዞ ይግበር።
ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዜምኡ፡ ‘ዝንቱሰ ብእሲ መምህርነ ዘተፈነወ ውስተ ምድርነ ይከስት ብርሃነ” እናበለ ንኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን የወድሶም።
‘እዚ ሰብ እዚ፡ ብርሃን ክገልጸልና ናብ ምድርና ዝተልኣኸ እዩ’ ከም ማለት እዩ።
እዚ ድማ፡ ኣባ ሰላማ ክርስትና ኣብ ስርዓተ ቁርባን፣ ስርዓተ ንስሃ፣ ስርዓተ ጥምቀትን ስርዓተ ቅዳሴን ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ዘዘኻኽር እዩ።
‘ንፊደላት ግእዝ ‘ኣናበብቲ’ ክምዝህልዎም ገይሩ’
ኣብ ሰላማ፡ ሃይማኖትን ስርዓትን እምነትን ኣብ ምስፋሕ ጥራይ ኣይኰነን ስሞም ዝለዓል።
ኣብ ኣጸሓሓፋ ግእዝ ኰነ ትግርኛ፤ በቲ ናይ መጀመርታ ፊደላት ይጸሓፍ ከምዝነበረ ኣብ ከም ኣክሱምን፡ ኣብ ገለ ጥንታዊ ቦታታት ኤርትራ [በለው ከለው፣ ቆሓይቶ፣ መጠራ] ኣብ እምኒ ዝተወቕሩ ጽሑፋት የመልክቱ።
ሰነዳትን ተመራመርቲ ቋንቋን ከምዝብልዎ፡ ኣናበብቲ ድምጺ ብምፍጣር እዚ ሕዚ ኣብ ግብሪ ዘሎ ኣጸሓሕፋ ስርዓት [ካብ ካእብ ክሳብ ሳብዕ] ኣባ ሰላማ ዝፈጥርዎ ከምዝዀነ ይዝንቶ።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ብዙሓት መጻሕፍቲ ካብ ግሪክ [ጽርኢ] ናብ ግእዝ ክትርጐምን ስነ-ጽሑፍ ግእዝ ክዓብን ከምዝገበሩ ገድለ ታሪኮም የመልክት።
‘ናብ ጥንተ መንበርና ኢና ተመሊስና’
ኣብ መንበረ ሰላማ ኦርቶሮዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ፡ ዋና ጸሓፍን ጉዳይ ርክባት ወጻእን፡ ዋና ዲን መንፈሳዊ ኮሌጅ ፍሬምናጦስን፡ መጋቤ ብርሃናት ቀሲስ ተስፋይ፡ ብዛዕባ እዚ ‘መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን’ ዝብል ኣሰያይማ ተሓቲቶም፡ “ናብ ጥንተ መንበሩ ኢና መሊስናዮ ‘ምበር ሓድሽ መንበር ኣይፈጠርናን” ኢሎም።
“እቲ ጐሊቡ/ ቀኒኑ፡ ዝነበረ ኣቃኒዕና፤ ቀቢሮምዎ፣ ኣጥፊኦምዎን ኣህሲሶምዎን ዝነበሩ ኢና ነተንሰኦ ዘለና” ኢሎም።
ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ዝተቓወመት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ግን እዚ ሓድሽ ‘መንበረ ሰላማ’ ብዝብል ዝተጣየሰሉ መገዲ፡ ዘይሕጋውን ስርዓተ ቀኖና ዝጥሕስን ከምዝዀነ እያ ትገልጽ።
“ርክብ ኣቋሪጽና ምስ በልና ‘ትኽክል ኢኹም፡ ትኽክል ኣይኰንኩምን’ ክብሉና ኣይኽእሉን፤ ብዙሕ ትርጉም’ውን ኣይንህቦን” ኢሎም።
“‘ገዳማት ትግራይ፤ ሓድግታት ትግራይ ይጠፍእ ኣሎ፤ ይዝመት ኣሎ፤ ካህናት ይሕረዱ ኣለዉ’ ኢልናዮም ኣይሰምዑናን”- ዝብሉ መጋቤ ብርሃን ቀሲስ ተስፋይ፡ ንኹሉ ምሕጽንታ ኣቦታትን ኣዴታትን ትግራይ ከምዘይሰምዑ ይኸሱ።
“ካብ ቀደሙ’ውን ናይ ሓደ ከባቢ ሓቀኛ ታሪክ እናህሰስካ ናይ ካልእ ከባቢ እናጉላሕካ፤ ገባርን ሓዳግን ናይ ምዃን ዝንባለታት ነይሮም እዮም፤ ነዚ ተጻዊርና ኢና ኣብ ትሕቲኦም ጸኒሕና” ይብሉ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ህልቂትን ሰቖቓን፡ ምስ’ቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታ ‘ንብዓት ራሄል’ ዘመሳስልዎ መጋቤብርሃናት፡ “ንሕና ልዕሊ ክልተ ዓመት ኡይ ኢልና ኢና፤ ብዙሓት ቆልዑ ረጊፎም እዮም፤ ዝሰምዓና ስኢንና። እዚ እዩ ናብዚ’ውሳነ ኣብጺሑና” ኢሎም።
“ንሕና ኣይኰናን፤ ባዕላቶም እዮም ደፊኦምና ናብ መንበርና ተመሊስና ዘለና፤ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ እዩ”።
ኦርቶዶክስ ተዋህዲ ቤትክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ግቡእ ንዘይምፍጻማ ‘ይቕረታ’ ሓቲታ እቲ ምስሕሓብ ብዕርቂ ክውዳእ ሓቲታ ነይራ።
መጋቤብርሃናት ቀሲስ ተስፋይ ግን፡ “ይቕረታ ኣይጽላእን፤ እዚ ግን ናይ ቃል ዓለም እዩ፤ ናይ ምትላልን ናይ ሽርሕን ዕርቂ ንማንም ኣይጠቅምን” ኢሎም።
“ንጽቡቕ ጉርብትና’ውን ክንዕረቕ ንኽእል ኢና፤ ግን ንመንበረ ሰለማ ኣይንገድፍን። ንድሕሪት ኣይንምለስን”። ከኣ ኢሎም።
እቲ ውሳነ ምፍልላይ፡ ምስ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዘራኸብ እንተዀይኑ ዝቐረበሎም ሕቶ እንትምልሱ ግን፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃውህው ሰላም ክዓሙቕ ብጸሎትን ምህላን ከምዝሕግዙ ገሊጾም።
“ካብኡ ሓሊፉ፡ ፖለቲካኛታት ኣብ ሃይማኖት ኢዶም ከእትዉ እዮም ኢልና ኣይንኣምንን፤ ንሳቶም’ውን ኣይውዕልዎን” ኢሎም።